ካርዲናል ጎህ፥ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሲንጋፖር ዘካይድዎ ምብጻሕ ኣብ እምነት ሓድነትን ዘዕቢ እዩ! ካርዲናል ጎህ፥ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሲንጋፖር ዘካይድዎ ምብጻሕ ኣብ እምነት ሓድነትን ዘዕቢ እዩ! 

ካርዲናል ጎህ፥ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሲንጋፖር ዘካይድዎ ምብጻሕ ኣብ እምነት ሓድነትን ዘዕቢ እዩ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመበል 45 ሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዝዳልውሉ ዘለዉሉ እዋን ናይ ሲንጋፖር ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ዊልያም ጎህ ንቫቲካን ዜና ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሲንጋፖር ዘካይድዎ ምብጻሕ ኣብ መንጎ ካቶሊካውያን እታ ሃገር ዝዓሞቐ ሓድነት ከምዘምጽእ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ሲንጋፖር ምስ ምዕባለ እታ ሃገር ብዝተሓላለኸ መንገዲ ዝተኣሳሰር’ዩ። ክሳብ 1800ታት ሲንጋፖር ገፈፍቲ ዓሳ ዝነብሩላ ደሴት ከም ዝነበረትን ኣብ ጫፍ ሓውሲ ደሴት ማላያ ዝነበረ መልክዓ ምድሪ ስልታዊ ኣቀማምጣኣ፡ ንብዙሓት ዞባዊ መንግስታት፡ ንጃቫ፡ ስያም፡ ህንዲን ማላካን መስህብ ከም ዝኾነ ገሊጾም፡ ድሕሪ መግዛእቲ እንግሊዝ ኣብ 1819 ዓ.ም. ናይ መጀመርታ ካቶሊካዊ ካህን ኣብ 1821 ዓ.ም. ናብ ሲንጋፖር ከም ዝኣተወን ኣባ ሎረን ኢምበርት ደሓር ኣብ ኮርያ ናይ እምነት ሰማእት ዝኾነ ቅድስና ዝተኣወጀሉ ፈረንሳዊ ወንጌላዊ ልኡኽ ቅድም ክብል ኣብ ሲንጋፖር ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ካቶሊካውያን ረኺቡ ከም ዝነበረ ብድሕሪኡ ፈረንሳውያንን ፖርቱጋላውያንን ልኡካነ ወንጌል ኣብ ሲንጋፖር ከም ዘገልገሉን እምነትን ቤተ ክርስቲያንን ዘዕቢ ዘርኢ ከም ዘዕቢ ካርዲናል ጎህ ይሕብሩ።

ሲንጋፖር ኣብ መስመራት ንግዲ ባሕሪ ኣገዳሲት ወደብ ብምዃና፡ ቀልጢፋ ምዕባለ ብምምዝጋብ፡ ካብቲ ዞባን ኪኖኡን ዝመጹ ስደተይናታት ዝኣትዉላ ብምዃና ብዝሒ ህዝባ እናወሰኸ ምስ ከደ እዚ እውን ቤተ ክርስቲያን እናዓበየት ክትከይድ ከም ዝገበረን ዝተፈላለዩ ማሕበራት ልኡካነ ወንጌልን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ንምሃብ፡ ከምኡ’ውን ወንጌል ኣብ ምስባኽ ከም ዝተጸመዱን ኣብያተ ክርስቲያናት ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ጉስነት ድሌታት ህዝቢ ንምምላእን ንስራሕ ስብከት ወንጌል ንምድጋፍን ዝተሃንጻ ምዃነን ኣመላኺቶም፡ ኣብ 2021 ዓ.ም. ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሲንጋፖር መበል 200 ዓመት ከም ዘብዓለት ናይቲ ጽምብል መርሕ ቃል ድማ “ብእምነት ኣብርህ ድመቕ” ዝብል ከም ዝነበረን እዚ እውን ነቲ ኣብ ትሕቲ ለበዳ ኮቪድ 19 ተጸቒሑ ዝነበረ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ንምትብባዕ ዝዓለመ ምንባሩን እዚ መርሕ ቃል እዚ ኣብ ከባብያዊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክውንነት ብቀጻሊ ምዕባለ ሲንጋፖር ይቕረጽ ከም ዘሎ የረጋግጹ።

ሲንጋፖር ልኡላዊት ሃገር ካብ እትኸውን ድሕሪ 7 ዓመት ኣብ 1972 ዓ.ም. ርእሰ ሰበኻታት ሲንጋፖር ከም ዝቖመን ኣብተን ቀዳሞት ዓመታት፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሲንጋፖር ኣብ ትምህርትን ክንክን ጥዕናን እትገብሮ ዝነበረት ስራሕ፡ ኣብ ሃገራዊ ምዕባለ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ከም ዝነበሮን ብዙሓት ካብቶም ኣብ መንግስታውን ውልቃውን ዓውድታት ዝነበሩ ላዕለዎት መራሕቲ እታ ሃገር ኣብ ካቶሊካውያን ኣብያተ ትምህርቲ ዝተሃንጹን ከምኡውን ብዙሓት መሰረታዊ ድሌታት ክንክን ጥዕና ብቤተክርስትያን ብዝመሓደራ ትካላት ክንክን ጥዕና ይወሃብ ከም ዝነበረ ኣረጋጊጾም፡ ሎሚ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሲንጋፖር 29 ቁስምናታት ሰለስተ መካነ ንግደትን 53 ኣብያተ ትምህርቲ፣ 47 ሰብኣዊ ትካላትን ክልተ ትካላት ክንክን ጥዕናን ን395,000 ካቶሊካውያን እትድግፍ ከም ዝኾነትን ብዘይ ኣፈላላይ እምነትን ሃይማኖትን እውን ንማሕበረሰብ ተገልግል። ቤተ ክርስቲያን ቃል ወንጌል ካብ ምእዋጅ ብተወሳኺ፡ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ኣብ ዝግበር ዘተ ንጡፍ ተሳትፎ ብምግባር፡ ከምኡ’ውን ስድራቤታዊ ክብርታትን ክብሪ ህይወትን ብምድጋፍ ግብረ ገባዊ ሕጊ ሕብረተሰብና ኣብ ምቕራጽ፡ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ሲንጋፖር ኣበርክቶኣ ትቕጽል።

ህዝቢ ሲንጋፖር ካብ መላእ እቲ ዞባ ዝርከቡ ስደተይናታት ዝመጸ እዩ - ብሄር ቻይናውያን፡ ማሌዥያውያን፡ ህንዳውያንን ዩራስያውያንን ዝሓቁፍ ኮይኑ ከም ዘመናዊ ማእከል ንግድን ቁጠባን መጠን፡ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ወጻእተይናታት እውን ነታ ከተማ ቤትና እንክብሉ ይገልጽዋ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብ ሲንጋፖር እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ብዙሕ ዓሌታትን ብዙሕ ቋንቋታትን ዘለዋ እያ። ቅዳሴ ብዓብላሊ መልክዑ ብእንግሊዘይና ዝቐርብ ኮይኑ፡ ብኻልኦት ናይቲ ከባቢ ቋንቋታትን ንናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎም ሰባት ብቋንቋ ምልክትን እውን ተቕርብን ትሃንጽን ምስ በርገሳዊ መርሕነት እውን ንጡፍ ሽርክነት ኣለዋ። ተልእኾኣ መንግስቲ ናብ ናይ ሓባር ረብሓ ኣብ ምምራሕ መሰረት እዩ ኣብ ዝብል ኣምር ቆይማ ከም መሻርኽቲ ዋጋ ትህቦ፤ መንግስቲ ንቤተ ክርስቲያን ከም ኣገዳሲት ኣበርካቲትን ሃናጺትን ማሕበራዊ ቅርጺ እታ ሃገር ገይሩ እዩ ዝርእያ፥ ኣብ መንጎ ቤተ ክርስቲያንን መንግስትን ዘተን ምምኽኻርን ብቐጻሊ ይካየድ። ኣነ ኣባል ክልተ ርእሰ ብሔራውያን ባይቶታት እየ፣ ንመንግስቲ ሲንጋፖር ኣብ ጉዳይ ዓሌታዊ/ሃይማኖታዊ ስኒትን መሰላት ውሑዳትን ዝምልከት ጉዳያት ምኽሪ እህብ።

ቤተ ክርስቲያን ጉስነታዊ ተልእኾኣ ኣብ ምፍጻም ከም ሚኒስትሪ ባህሊ፡ ማሕበረሰብን መንእሰያትን (mccy)፡ ከምኡ’ውን ሚኒስትሪ ማሕበራውን ስድራቤታውን ልምዓት (msf)፡ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዝኣመሰሉ መንግስታዊ ትካላት’ውን ኣብ ክልቲኡ መሪሕነትን ስርሒትን ብቐጻሊ ትዋሳእ። በዚ መንገዲ ቤተ ክርስቲያንን መንግስትን ንሓባራዊ ረብሓ ብሽርክነት ይዓዩ፣ ነፍሲ ወከፍ ናይ ገዛእ ርእሱ ፍሉይ ተራ ድማ ኣለዎ።

ካልእ ፍሉይ ባህሪ ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ሲንጋፖር ምስ ካልኦት ሃይማኖታት እታ ሃገር ዘለዋ ዓሚቝ ርክብ እዩ። ኣብዚ፡ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ፡ ካብ ምጽውዋር ወይ ምክብባር እምነት ሓድሕድ ሓሊፉ ዝኸይድ እዩ፡ መጀመርያ ንሓድሕድና ከም ኣዕሩኽ ኢና እንርእዮ፡ ልክዕ ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ዕርክነት ንምዕባይ ንነጥፍን ነዚ ዝድግፍ ስጕምትታት ንወስድ። ኣብ ናይ ነንሕድሕድና ሃይማኖታዊ ጽምብላት ንራኸብን ንሳተፍን ኣብ መንጎና ዝዓበየ ሓድነት ንምፍጣርን ዓሌትን ሃይማኖትን ብዘየገድስ ንሓባራዊ ረብሓ ሕብረተሰብ ንምስራሕን ብፍላይ ኣብ ሓባራዊ ሰብኣዊ ውጥናት ንምዝታይ ኣብ ናይ ሓባር ጉዳያት ንራኸብ። ኣብ እዋን በዳሂ ኩነታት እውን ንሓድሕድና ንደጋገፍ፣ ኣብ ዙርያ ነንሕድሕድና ኣብ ምትሕግጋዝን ምጽንናዕን ምትብባዕን ንእከብ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ናብ ሲኖዶሳውነት ዝሃብዎ ምዕዳን ብምስማዕ ኣብ ሲንጋፖር እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ 2021 ዓ.ም. ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ትርከብን ነዚ መገዲ እዚ ተበራትዕን ትነብርን ኣላ፡ ኣብ ታሪኽ ርእሰ ሰበኻታት ንመጀመርታ ግዜ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዕድመ፡ ድሕረ ባይታን ኩነታት ህይወትን ዝርከቡ ካቶሊካውያን ዘለዎም ተስፋ፡ ሕልሚ፡ ሓልዮትን ስክፍታታትን ካብ መላእ ሰበኻታት ዝተዋጽኡ ኣብ መላእ ሃገረ ስብከት ኣብ ዝተኻየደ ሲኖዳዊ ዘተ ከም ዝመኸሩን ካብዚ ዝርርባት ዝተኣከበ ውጽኢት ኣብ ዝቐጸሉ ዓመታት ኣብ ባይቶ ሊቀ ጳጳሳት ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ እዩ። ኣብኡ ድማ ውሉደ ክህነት፡ ገዳማውያንን ገዳማውያትን ዓለማውያን ምእመናን ወከልቲ ናይተን 32 ኣብያተ ክርስቲያናትን ብጠቕላላ ልዕሊ 200 ካቶሊካውያን ማሕበራትን ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ተኣኪቦም ብሓባር ጸሎትን ጉዕዞን ከምኡ’ውን ናብ ዝያዳ ውሁድ መንገዲ ንጉስነት ዝምልከት ጉዳያት ንምልላይ ቀዳሞት ስጉምትታት ወሲዶም እዮም። ነዚ ስዒቡ ድማ ጉስነታዊ ቀዳምነታቱ ንምፍላጥ መስርሕ ሲኖዶስ ናይ ምጥቃም ስራሕ ንምቕጻል ኣብ ወርሒ ለካቲት 2023 ዓ.ም. ሓድሽ ናይ ርእሰ ሰበኻ ቤት ምኽሪ ሓዋርያዊ ጉስነት ክቐውም ከም እተገብረ እውን ኣዘኻኺሮም ኣብ ሲንጋፖር እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ንመጻኢ ብጽቡቕን ዘዕግብን ቃል ብስራት ንምእዋጅ ዘለዋ ተልእኾ ተወፋይነት ኣለዋ። እቲ ዝቐልጠፈ ዕማማ ድማ እምነትን ወደ መዝሙርነትን ህዝባ ብምዕማቕ ዝያዳ ህያው ዝኾነትን ወንጌላዊትን ቤተ ክርስቲያን ንምቛም እዩ።

ከም ማሕበራዊ መራኸቢታትን ሰብ ሰርሖ ኣሰውዕሎን ዝኣመሰሉ ምዕባለታት ስነ ኣሃዛዊ እደ ጥበባት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ወንጌል ንምእዋጅን ንሰባት ንምግልጋልን ሓድሽን መሃዛውን መገድታት ምርካብ እውን የድሊ። እዚ ድማ ኣብ መላእ ሃገረ ስብከት ኣብ ኩሉ ደረጃታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ኵለ መዳያዊ ምትሕብባርን ሓድነትን ይሓትት - እዚ እውን ኣብ መንጎ ካህናትን ዓለማውያንን፡ ሰበኻታትን ውዳበታት ሃገረ ስብከትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ኣገልግሎታት ኣብ መላእ ሰበኻታት ዝምልከት እዩ።

እዚ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ናብ ሲንጋፖር እዋናዊ እዩ። ስለዚ እዩ ድማ እቲ ናይ ቅዱስነቶም ምብጻሕ ሓድነትን ተስፋን መርሕ ቃል ዝገበረ፡ ከም ርእሰ ሰበኻታት ድማ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ኣብ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎና ሓባራዊ እምነት ኢና እንጥርነፍ። ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ጐይታና ቀረባና ምዃኑን ብሓቂ ድማ ኣብ ማእከልና ኣዝዩ ስጋ ከም ዝለበሰን ዘዘኻኽር እዩ። ኣብ ዙርያ ጐይታና ተኣኪብና ኣብ ተልእኾኡ ተጠርኒፍና፡ ሓድሽ ስርዓት ተስፋ ክንገብር ንደፍር- ንሰማያዊት ኢየሩሳሌም ብዝያዳ ዘንጸባርቕ፡ ብዝያዳ ብተኣማንነት ናብታ ክትመጽእ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ዘመልክት! እንክብሉ ዝሃብዎ መገልጺ ይዛዝሙ።

02 September 2024, 15:35