ድለ

ጳጳስ ማርቲነሊ፡ 'ሲኖዶስ ንሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ መንገዲ የርኢ' ጳጳስ ማርቲነሊ፡ 'ሲኖዶስ ንሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ መንገዲ የርኢ' 

ጳጳስ ማርቲነሊ፡ 'ሲኖዶስ ንሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ መንገዲ የርኢ'

ሓዋርያዊ ዓቃቤ መንበር ደቡባዊ ሃገራት ዓረብ ብዛዕባ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝረአ ዘሎ ዓመጽ ብዝምልከት ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ሃይማኖታት ኣብ ሰላማዊ ሓባራዊ ህይወት ክገብርኦ ዝኽእላ ወሳኒ ኣበርክቶ ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ ሲኖዶስ ፍልልያት ብኸመይ ንሓድሕዶም ብዘተን ምስማዕን ብሓባር ክነብሩ ከምዝኽእሉ ጭቡጥ ኣብነት የቕርብ” ይብሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

 "እቲ ሕጂ ዘሎ ዓንኬል ዓመጽ ደው ንምባል፡ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ህጹጽ ኣድላይነት ኣለዎ፡ እንተኾነ ግን ብሓባር ክንመላለስ ከም እንኽእል፡ ሃይማኖታት ኣብ ሰብኣውነት ዓለም ኣበርክቶ ክገብራ ከም ዝኽእላ ዘርኢ ምስክር ናይ እምነት ሰባት'ውን የድልየና እዩ” እንክብሉ ጳጳስ ፓውሎ ማርቲነሊ ሓዋርያዊ ዓቃቤ መንበር ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የስተብህሉ።

ነቲ ክፉእ ዓንኬል ሕነ ምፍዳይ ምብታኽ

ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዖማንን የመንን ንልዕሊ ክልተ ዓመት ኣብ ምምራሕ ናይቲ ዞባ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘገልግሉ ዘለዉ ኢጣሊያዊ ኣባል ማሕበር ካፑቺን ኣቡነ ማርቲነሊ ኣብ ካልኣይ ክፋል ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ስሩዕ መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣብቲ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ ቅድስቲ መሬትን ሊባኖስን ኣብ ሓውሲ ደሴት ዓረብ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሳዕቤን ብፍላይ ድማ ኣብታ ብኲናት ዝተሃስየትን ብቐጥታ ብግጭት እስራኤልን ሓማስን ዝተጸልወት የመን ከቢድ ከም ዝኸውንን ምስ ዕጡቓት ጉጅለ ዓሌት ሁቲ ምስ እስራኤል ተኹሲ ኣብ ምልውዋጥ ከም ዝርከቡን እቶም ዕጡቓት ጉጅለ ብቀይሕ ባሕሪ ንዝሓልፋ መራኽብ እውን ሓደጋ ኮይኖም ከም ዘለዉ ሓቢሮም፥ ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክባት ዳግማይ ብምጅማር ነዚ መዓታዊ ዓንኬል ሕነ ምፍዳይ ምብታኽ ህጹጽ ምዃኑ ኣጽኒዖም፡

“ንሰናይ ኩሉ ዝኸውን ናይ ዕርቅን ሰላምን መንገድታት ክንረክብ ኣለና . . . እቲ ኲናት ከብቅዕ፡ ኣብ መደብ ዳግማይ ህንጸት ክንዋፈር ንጽሊ፥ በዚ ድማ ሓባራዊ ሰላማዊ ናብራ ኣብ ምስፋሕ ክንዋፋር እዩ ድላይና” ኢሎም።

ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ይከኣል እዩ

ወሲኾም ድማ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባት “ንጽንፈይና ኣመለኻኽታ ሃገራውነት ዕላማታት መሳርሒ ክኾኑ ብዘይምፍቃድ” ንዝሓሸ ዓለም ንምህናጽ ኣብ ዘተን ሰላምን ኣበርክቶ ክገብሩ ከምዝኽእሉን ይኽእሉ ጥራይ ዘይኮነስ ነዚ ክገብሩ ከምዘለዎምን ብምዝኽካር፥ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዖማንን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን መስጊድን ምኩራብን ጎኒ ንጎኒ ብምዃን ንሓባራዊ ሰላማዊ ናብራ ዝገብርዎ ጭቡጥ ጎስጓስ ከም ኣብነት ብምጥቓስ፥ እዚ ድማ ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ተኻኣሊ ምዃኑ እዩ ዘርኢ . . . መንፈሳዊ ትውፊትካ ምክፋል ንኹሉ ዝጠቅም ምዃኑ ርዱእ እዩ” ምስ በሉ ኣስዒቦም፥

ሲኖዶስ ንቕድሚት ዝኸይድ መንገዲ የርኢ

ተመክሮ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ነዚ ናይ ሰላም ባህሊ ኣብ ምስፋሕ ቤተ ክርስቲያን እትገብሮ ኣበርክቶ ጭቡጥ ምስክር እዩ። "ኪኖ ዝኾነ ይኹን ተግባረ ውጽኢት ከስዕቦ ዝኽእል፡ ነንሕድሕድና ምስማዕና ትርጉም ዘለዎ ምዃኑ ዘረጋግጽን። “ሃብታም ፍልልያት ኣለሊኻ ፍቓድ ኣምላኽ ብሓባር ንምልላይ ምምሃር ንቤተክርስትያንን ንዓለምን ኣብነት እዩ፣ እዚ ድማ ንሕብረተሰብ ናይ ሰናይ መንገዲ ከነቓቕሕ ከም ዝኽል ርግጸይና ምዃኖም ገሊጾም፥

ፍልልያት ምቕባል

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ እስያን ኦቻይናን ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ኣማእኪሎም ርእይቶኦም ዝሃቡ ሓዋርያዊ ዓቃቤ መንበር ጳጳስ ኣብ ደቡባዊ ሃገራት ዓረብ፡ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ባሕሬንን ኣብ ኢንዶነዥያ ምኽታም ኣዋጅ ውስጠ ሃይማኖታዊ ስኒት ሓዊሱ ሓያሎ ዘለዎ ተመሳሳልነት ኣስተብሂሎም፡ በዚ መሰረት ድማ “እቲ ናብ ሕውነት ዝወስድ መንገዲ ይቕጽል ከምዘሎ ነስተውዕል . . .

"ንፍልልያት ምድናቕ ኣዝዩ ባህ ዘብል ኮይኑ ይስምዓኒ . . . እቲ ህልዩ ህይወት ኩሉ ሰብ ሓደ ንምግባር ዘሎ ፍልልያት ምብዳህ ዘይኮነስ፡ ዝተፈላለዩ ኣብ ምዃኖም ንኽራኸቡ ባይታ ምፍጣር እዩ . . . ፍልልያት ምሕካሕ ሓደነት ንኽትግበር ምጽዓር ንምርኻብ ዘይምፍቃድ እዩ ዝኸውን”

እንክብሉ ዝካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዝሚሞም።

15 October 2024, 16:11