ካርዲናል ኒኮልስ ንካቶሊካውያን ኣንጻር እቲ ብሓገዝ ነብሰ ቅትለት ዝምልከት እማመ የተባብዑ ካርዲናል ኒኮልስ ንካቶሊካውያን ኣንጻር እቲ ብሓገዝ ነብሰ ቅትለት ዝምልከት እማመ የተባብዑ 

ካርዲናል ኒኮልስ ንካቶሊካውያን ኣንጻር እቲ ብሓገዝ ነብሰ ቅትለት ዝምልከት እማመ የተባብዑ

ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ዓዲ እንግሊዝ ብዛዕባ እቶም ገና መድሃኒት ብዘይ ተረኽቦ ሕማም ዝሳቐዩ ሞት ይሕሸኒ ንዝብሉ ዘቕርብዎ ሕቶ መሰረት ብሕክምና ተሓጊዞም ክሞቱ ዝፈቕድ ሓድሽ ኣካታዒ እማመ ክትዕ ኣብ ዝጅምረሉ ዘሎ እዋን፡ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዓዲ እንግሊዝን ወይለስን (CBCEW) ምእመናን ኣባላት ሕዝባዊ ባይቶ ነዚ ናይ ሞት ባህሊ ክነጽጉ ድፍኢት ክግበሩ ዝጽውዕ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ እንግልጣርን ወይለስን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ካርዲናል ቪንሰንት ኒኮልስ፡ እዚ ሓድሽ ኣካታዒ ብዛዕባ ተሓጊዝካ ሙማት ዝብል እቶም ገና መድሃኒት ብዘይ ተረኽቦ ሕማም ዝሳቐዩ ሞት ይሕሸኒ ዝብሉ ዘቕርብዎ ሕቶ መሰረት ክሞቱ ምሕጋዝ ነቲ ናይ ሕክምና ግዴታ ክንክን ናብ ‘ምቕታል’ ዝብል ግዴታ ክቕይሮ ከምዝኽእል የጠንቅቑ።

እቲ ዕለት 16 ጥቅምቲ ብኣባል ህዝባዊ ባይቶ ፖለቲካዊ ውድብ ዕዮ፥ ኪም ሊድቢተር ንዘተ ዝቐረበ እማመ፡ ብቑዓት ዝኾኑ ዘይ ትሕቲ ዕድመ ሰባት መድሃኒት ብዘይተረኽቦ ሕማም ዝሳቐዩ ህይወቶም ከብቅዕ ክመርጹን ነዚ ምርጫኦም እዚ ንዘኽብሩሎም ፈተውቶም ካብ ሓደጋ ክሲ ንምክልኻልን ዝዓለመ ኸውን እንከሎ፡ ኣባላት ባይቶ ኣብቲ ዕለት 29 ሕዳር ዝካየድ ካልኣይ ንባብ ናይቲ ንድፈ ሕጊ፥ ጽምጾም ክህቡ ከም ዝኾኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ሊቀ ጳጳሳት ዌስትሚንስተርን ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት እንግልጣርን ወይለስን (CBCEW) ካርዲናል ቪንሰንት ኒኮልስ ቅድሚ እቲ ንሓያሎ ኣዋርሕ ዝቕጽል ክትዕ ባይቶ፥ ኣብ ዝመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልኽቲ፥ ካቶሊካውያን ነቲ ኣብ ባይቶ ዝቐርብ እማመ ንምቅዋምን ከይጸድቕን ንኣባላት ባይቶኦም ክጉስጉሱ ከም ዘተሓሳሰቡ ኣፍሊጡ።

እንታይ ትምነይ ተጠንቀቕ

እቲ ሓዋርያዊ መልእኽቲል እቲ እማመ “ብጥንቃቐ ዝተቐርጸ” እኳ እንተኾነ፡ ኣብተን ብሓገዝ ሞት ንዝመርጽ ሞት ምግባር ዝብል፡ ሕጋዊ ኣብ ዝኾነለን ሃገራት፡ እቲ ዝፍቀደሉ ኩነታት “እንተ ገፊሑን እንተ ሰፊሑን” ብሓገዝ ነብሲ ምሕላፍን ሕክምናዊ ቅትለትን፡ ወይ ስቓይ ዘይብሉ ሞትን ብዝያዳ ተቐባልነት ክህልዎ ዝገብር ምዃኑ ኣብሪሁ፥ እቲ ዝቐረበ መመሓየሺ ሕጊ ብሓገዝ ዝፍጸም ርእሰ ቅትለት ምዃኑ ካርዲናል ኒኮልስ ገሊጾም፥ ንገሊኦም እፎይታ ከምጽእ ከም ዝኽእል ኣሚኖም። ይኹን እምበር፡ "ንብዙሓት ብፍላይ ድማ ነቶም ተቓላዕነትን ምስ ስንክልና ዝነብሩን ዓቢ ፍርሕን ራዕዲን ዘምጽእ ምዃኑ ሓቢሮም፥ “እንታይ ትምነይ ምፍላጥ የድሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መሰል ሞት ናይ ሞት ግዴታ ክኸውን ኣይክእልን እዩ

 "መሰል ሞት ናይ ምሟት ግዴታ ክኸውን ኣይክእልን እዩ" ክብሉ ሊቀ ጳጳሳት ዌስትሚንስተር ኣጠንቂቖም፡ ሞት ዝፈቕድ ሕጊ ንምትእትታው ዝድግፍ ስጉምቲ ዝኽልክል ሕጊ ምእላይ፡ ኣተሓሳስባ ሕብረተሰብ ዝቕይር ምዃኑ ኣጠንቂቖም፡ "እቲ ዝፍቀድ ብዙሕ ግዜን ብቐሊሉን ይተባባዕ” ቢሎም፥ ካርዲናል ኒኮልስ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ንሞት ዝቐረቡ ሰባት፡ ካብ ካልኦት “ወይ’ውን ካብ ገዛእ ርእሶም ከይተረፈ፡ ህይወቶም ከብቅዑ፡ ዝግበር ጸቕጢ ብምጥቃስ፡ “ሓገዛዊ ነብሰ ቅትለት ብሕጊ ምስ ጸደቐ፡ መሰረት መከላኸሊ ህይወት ወዲ ሰብ ይወድቕ” ክብሉ ሞጒይቶም፡ ካብ ስድራ ቤቶም ጾር ሓልዮት ምእንቲ ክእለይ፡ ወይ ርስቲ ንምድሓን ብዝብል ምኽኒት እቲ ሕጊ እውን ቅቡል ክኸውን ብዙሕ ድፍኢት ይግበር ኣሎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።።

መሕወዪ ክንክን ናይ ምምሕያሽ ግዴታ

እዚ "ሓቀይና ሞት ባህርያዊ " ስለዝኾነ፡ ምምሕያሽ መሕወዪ ክንክን ከምዘድሊ እውን ዝገለጹ ካርዲናል ኒኮልስ፥ እቲ ክትግበር ዝድለ ዘሎ ለውጢ ንዅሎም ሰብ ሞያ ሕክምና “ካብ ግዴታ ምክንኻን ናብ ግዴታ ምቕታል ቀስ ኢሉ ለውጢ” ኬምጽእ ዝኽእል ሓደጋታት ከም ዘምጽእ ኣብሪሆም፥

ስቓይ ወዲ ሰብ ትርጉም ዘይብሉ ኣይኮነን

ኣብ መወዳእታ “ንኣምላኽ ምርሳዕ ንሰብኣውነትና ከም ዘነኣእስ” ብምጉላሕ፡ ስቓይ ውሽጣዊ ኣካል ናይ ሰብኣዊ ጉዕዞና ምዃኑን ህይወትና ናይ ገዛእ ርእስና ንብረት ከምዘይኮነን፣ ከምቲ ዝስምዓና ክንድርብዮ ከም ዘይግባእ ንምእመናን ኣዘኻኺሮም፥ ንእምነት ዘለዎም ሰባት “ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ብኣምሳልን ብኣርኣያን እግዚኣብሔር ዝተፈጥረ”፡ “ምንጪ ክብረትና . . . ንሰብኣዊ ፍጥረት ፍሉይ” ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥ ስለዚ “ስቓይ ወዲ ሰብ ትርጉም ዘይብሉ ኣይኮነን። ነዚ ክብሪ እዚ ኣየጥፍኦን እዩ” ምስ በሉ፥ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ዝካየድ ዘተ ካቶሊካውያን ንጡፍ ተራ ክጻወቱ ሓቲቶም፡ “ምስ ስድራቤት፡ ፈተውትን መሳርሕትን ምይይጥ ግበሩ። ጸሎት ድማ ኣይትረስዑ . . . በጃኹም! እንታይ ትምነዩ ተጠንቀቑ፡ መሰል ሞት ናይ ሙማት ግዴታ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ንኣምላኽ ምርሳዕ ንሰብኣውነትና የነኣእስ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ሕጊ እንግሊዝ ብዛዕባ ብሓገዝ ፍቑድ ዝብል ነብሰ ቅትለት

ብመሰረት ሕጊ ዛዕባ ነብሰ ቅትለት/ 1961 ዓ.ም. ብሓገዝ ዝፍጸም ቅትለት ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን ክሳብ 14 ዓመት ማእሰርቲ ዘቕጽዕ ከቢድ ገበን እዩ። መምርሒ ኣገልግሎት ዓቃቢ ሕጊ ንጉስ ግን፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ወለንታዊ፡ ንጹር፡ ርጉእን ብሓበሬታ ዝተሰነየን ኣገባብ ኣብቲ ውሳነ እንተበጽሐን እቲ ጥርጡር ምሉእ ብምሉእ ብርህራሄን ካልእን ዝተደፋፍአ እንተኾይኑን ክሲ ናይ ምድላዋት ተኽእሎኡ ትሑት እዩ ይብል። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ቅድሚ መራሔ መንግስቲ ምዃኑ፡ ኬር ስታርመር፡ ሕጊ ብሓገዝ ነብሰ ቅትለት ክቕየር ከምዝድግፍን እንተተመሪጹ ድማ ኣብ ባይቶ መደብ ክትዕን ነጻ ድምጺ ንምሃብን ናይ ቆጸራ ግዜ ከምዘረጋግጽን ገሊጹ ከም ዝነበረን፡ ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳይ ብሚኒስተር ፍትሒ ዕዮ ነበር ዝቐረበ እማመ እውን ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ህዝባዊ ባይቶ ክረአ እዩ። ኣብ 2015 ዓ.ም. ቅድሚ ሕጂ ሕጊ ብሓገዝ ነብሰ ቅትለት ንምቕያር ዝቐረበ እማመ፡ ብ300 ድምጺ ኣንጻር 118 ቅቡል ድምጺ ብዓቢይ ኣብላጺ ድምጺ ዝተነጸገ ከም ዝነበረ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

17 October 2024, 15:59