ድለ

ካሪታስ ኢጣልያ ንደቡብ ሱዳን ኣገዳሲ ሓገዛት ተቕርብ ካሪታስ ኢጣልያ ንደቡብ ሱዳን ኣገዳሲ ሓገዛት ተቕርብ 

ካሪታስ ኢጣልያ ንደቡብ ሱዳን ኣገዳሲ ሓገዛት ተቕርብ

ደቡብ ሱዳን ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ከበድቲ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ኣብ እትገጥመሉ ዘሎ እዋን፡ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ግብረ ሰናይ ጨንፈር ኢጣሊያ ልኡኽ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ተመዛበልትን ስደተይናታትን ምብጻሕ የካይዱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ደቡብ ሱዳን ተፈጥሮኣዊ ጋዝ፣ ወርቂ፣ ኣሉሚንየም፣ ብሩር ዝተዓደለት ሃገር ብተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ሃብታ ሃገር ክነሳ ብመሰረት መርሓ ግብሪ ልምዓት ሕቡራት ሃገራት መዐቀኒ ሰብኣዊ ልምዓት፥ ደቡብ ሱዳንን ሶማልያን ኣብ ዓለም ካብ ዝደኸያ ሃገራት ምዃነን ዝፍለጥ ኮይኑ። ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ደቡብ ሱዳን ብተደጋጋሚ ውሕጅ፡ ዋሕዚ ተመዛበልቲ፡ ቀጻሊ ግጭታት፡ ከምኡ’ውን ካብቲ ኣብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ካብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝሃድሙ ስደተይናታትን ዝኣመሰሉ ጸገማት ንዘቕርቦ ብድሆታት ተቓሊዓ ከም እትርከብን ኣብ ሱዳን ብሰንኪ ኲናት ሓድሕድ ልዕሊ 150 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱን ልዕሊ 12 ሚልዮን ድማ ኣብ ሱዳን ካብ መረበቶም ክመዛበሉ ከም እተገዱን - እዚ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ዝኸበዱ ሰብኣዊ ቅልውላዋት እዩ። እቲ ዓመጽ 2023 ዓ.ም. ካብ ዝጅምር ንደሓር ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ድሕነትን መጽለልን ክደልዩ ናብ ደቡብ ሱዳን ከም እተሰዱ ዜና ቫቲካን ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ላዕለዋይ ድርገት ዝሃቦ ጸብጻብ ጠቒሱ የመላኽት።

ካሪታስ ኣብ ደቡብ ሱዳን

ብክሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ኣብ ደቡብ ሱዳንን ኣብ ኢጣሊያ ካልኦት ሃገራትን ብዘሎ ጨናፍራቱ ኣቢሉ ንዓመታት ኣብ ደቡብ ሱዳን ንዝርከቡ ማሕበረሰባት ኣዝዩ ዘድሊ ሓገዛትን ደገፍን ዘብጽሕ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ እዚ ድማ ናይ ገንዘብ ሓገዝ፣ ዝስተ ማይ ምርካብ፣ መሳለጥያታት ጽሬት፣ ንደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ውሑስ ቦታታት ምፍጣር፣ ኣብ ዘድሊ ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ዘድሊ ምኽሪ ብተወሳኺ ንናይ ሕርሻ ቍጠባ ደገፍ ካብ ውሽጣዊ ዓመጽ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዘጋጠመ ኣዕናዊ ብርቱዕ ዝናምን ዝፈጠሮ ምዕልቕላቕ ማይን ዝተረፉ ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰባት ኣገዳሲ ሓገዝ እውን ከም ዘቕርብ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብ መሬት ዝቐርብ ጸብጻብ ተልእኾ

ንማሕበረሰባት እቲ ከባቢ ብኸመይ ከም ዘገልግሉ ብዝበለጸ ንምግምጋም፡ ካብ ጨንፈር ካሪታስ ኢጣልያ ካብ ዕለት 28 ጥቅምቲ ክሳብ 1 ሕዳር ካብ ሱዳን ዝተመዛበሉን ስደተይናታትን ኣብ ዝርከብሉ መዓስከራት ምብጻሕ ዘካይድ ልኡኻት ከም ዝሰደደን እቶም ልኡኻት ካሪታስ ጨንፈር ኢጣሊያ እቲ ቀዳማይ ፍጻመ ኣብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ሱዳን ጁባ ምስ ኮምቦናዊ ናይ ሰበኻ በኔንቲው ጳጳስ ክርስቲያን ካርላሳረ ኣኼባ ከም ዘካየዱን ዜና ቫቲካን የመላኽት፡

ጳጳስ ካርላሳረ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ስንኩል ቁጠባዊ ቅልውላው ኣስሚሮም፣ እዚ ድማ እታ ሃገር ነቲ ንዝተጸገመ ህዝባ ክትህቦ ዘለዋ ጸጋታት ብቐጥታ ዝጸሉ እዩ። እታ ሃገር ቅልውላው ባጤራ የጋጥማ ስለ ዘሎ፡ ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ፡ መምህራንን ሰራሕተይናታት መላእ መንግስታውያን ጽላትን ኣዋርሕ ደሞዝ ከምዘይተኸፈሎ ኣጒሊሖም፥ እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ግን ገና ተስፋ ከምዘሎ እቶም ኣባል ማሕበር ኮምቦናውያን ልኡካነ ወንጌል ጳጳስ ካርላሳረ ኣጒሊሖም፣ ምኽንያቱ ተስፋ “ኣብቶም ንሓቀይና ሓይሊ ሃገርን ቤተ ክርስቲያንን ዝውክሉ ማሕበረሰባት ህያው እዩ።”

ተልእኾ ካሪታስ ኢጣልያ ናብታ ንዓመታት ህጹጽን ልምዓታውን መደባት ከሳለጠላ ዝጸንሓት ኬንያ ብምጉዓዝ ዝዛዘም ኮይኑ፥ ሕጂ ድማ፡ ንኹነታት ብዙሓት ገና ካብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናምን ምዕልቕላቕ ማይን ዝሓውዩ ዘለዎ ሰባት ህልው ኩነታት ክዕዘብን እቲ ብካሪታስ ዝቐርበሎም ሓገዝን ዘሎ ክፍተታትን ኣብ ዝምልከት ጉዳያት ክመክርን ምስ ጨንፈር ካሪታስ ኣብ ኬንያ ክሌእኣዊ ርክብ ከካይድ እውም መደብ ከም ዘለዎ ዝሓበረ ዜና ቫቲካና ስዒቡ፥ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረዴት ደቡብ ሱዳን ካብ 2011 ዓ.ም. ናጽነታ ካብ ዘረጋገጸትሉ እዋን ህልው ብምዃን ሰብኣውን ንዋታውን ሓገዝ ኣብ ምቕራብን መደብ ህንጸት ኣብ ምስፋሕን ኣገዳሲ ኣገልግሎት የቕርብ ምህላዉ የመላኽት።

31 October 2024, 16:56