ጳጳሳት ሃይቲ ንሃይቲውያን ካብ ዶሚኒካን ሪፓብሊክ ብጅምላ ምጥራዝ ይነቕፉ ጳጳሳት ሃይቲ ንሃይቲውያን ካብ ዶሚኒካን ሪፓብሊክ ብጅምላ ምጥራዝ ይነቕፉ  (ANSA)

ጳጳሳት ሃይቲ ንሃይቲውያን ካብ ዶሚኒካን ሪፓብሊክ ብጅምላ ምጥራዝ ይነቕፉ

ዶመኒካውያን ኣቡናት መንግስቲ ሃገሮም ነቶን ናብ ሃገሩ ዝኣተዉ ሃይታውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝፍጽሞ ዘሎ ጃምላዊ ምጥራዝ ከም ዝነቐፉን ሃይታውያን ኣቡናት ሃገሮም ናይ ዓመጽ ጉጅለታትን ሰብኣዊ ቅውላውን ንምብዳህ ኣብ ብርቱዕ ጻዕሪ ትርከብ እብንክብሉ ገሊጾም፥ ዶመኒካውያን ኣቡናት ዘቕረብዎ ጻውዒት የቃልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጳጳሳት ሃይቲ ምስ ዶሚኒካውያን ጳጳሳትን ምስ ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ሓቢሮም ነቶም ኣብ ጎረቤት ሃገር ዶሚኒካን ሪፓብሊክ ዝነብሩ ዜጋታት ሃይቲ ብዘይ ኣፈላላይ ዝፍጸም ጃምላዊ ምስጓግን ግህሰትን ዓመጽን ይኹንኑ።

ኣብ ሰሙን 10 ሽሕ ይጥረዙ

ኣቐዲሙ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ረፓብሊክ ዶመኒካን ርእሰ ብሔር ሉዊስ ኣቢናደር ኣብ ሰሙን ክሳብ 10 ሽሕ ዜጋታት ሃይቲ ናብ ዘይውሑስ ኩነታት ዝዓብለላ ሃገሮም ንምስጓግ መደብ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ ከም ዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሰበስልጣን ሃይቲ ነቲ ስጉምቲ “ምጽናት ዓሌት” እንክብሉ ብምግላጽ፥ እቲ ውሳነ "ኣብ ልዕሊ ደቂ ሃይቲ ዝካየድ ኣድልዎ ዝመልኦ ወፍሪ” እዩ እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣድልዎን ግህሰትን

እዚ ጃምላዊ ምስጓግ ስርዓታዊ ዓሌትነት፡ ጽልኢ ወጻእተይናታትን ምንጻግ ሃይታዊ መበቆል ዘለዎም ዶሚኒካውያን እውን ዘጠቓልል ከም ዝኾነን፥ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዘይሕጋውያን ስደተይናታትን መብዛሕቲኦም ሃይታውያን ዝርከብዎም ነዚ ከምዚ ዓይነት ውሳኔ ምቅላዕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን  እዩ ዝበሉ ጳጳሳት ሃይቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ኣቡናት ረፓብሊክ ዶመኒካን ዝገለጽዎ ስክፍታ ብምቅላሕ፥ ሰበስልጣን ዶሚኒካን “ክቡርን ቅዱስን ህይወት ሃይቲውያን ክኽብሩን ነዚ ጽልእን ኣድልዎን ተግባራት እዚ ከወግድ” ከም እተማሕጸኑ ኣፍሊጡ።

ንዘይትፈልጦ ሰብ ምግፋዕ "ፍንፉን ተግባር" እዩ

“ሰበስልጣን ጸጥታውን ቁጠባውን ስርዓታት ሃገራቶም ከውሕሱ ሓላፍነት ዘለዎም እኳ እንተኾነ፡ መትከላት ኵላዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ግን ዝኾነት ሃገር ንወጻእተይናታት ብሕማቕ ክትሕዝ ስልጣን ኣይህብን” እንክብሉ ኣዘኻኺሮም፡ ሰበስልጣን ህይወት ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ "ቅዱስን ዘይግሃስን ምዃኑ" ኣፍልጦ ክህቡሉ ድማ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ "ንጓና ምግፋዕ ፍንፉን ተግባር እዩ" ቢሎም ፥ "ጓኖት ብሕያውነት እንግዶት ክረኽቡ ኣለዎም . . . ኣብ መደምደምታ እቶም ጳጳሳት ሃይቲ ንናይ ሃገሮም ሰበ ስልጣን ብምሕሳብ “ዜጋታት ሃገር ብሰላም፡ ብስኒት፡ ብውሕስነት፡ ከምኡ’ውን ብተስፋ ንዝሓሸ ህይወት ከማዕድዉ ብሓላፍነታውን ተወፋይነትን ዘለዎ ምሕደራ ውሑስ ኩነታት መነባብሮ ክፈጥሩ ይግባእ . . . ደቂ ሃገርና ኣብታ ጽብቕቲ ሃገርና ሃይቲ፡ ዝሓሸ ሰብኣዊ ኩነታት ንምድላይ ናብ ወጻኢ ሃገራት ንኸይስደዱ ዘእምኖም ሰብኣዊ ማሕበረ - ቁጠባዊ ኩነታት ክርእዩ ኣለዎም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዶሚኒካን ጳጳሳት ብዘይ ፍቓድ ምስጓግ ኣይፋል ይብሉ

እዚ ጻውዒት ጳጳሳት ሃይቲ ድሕሪ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብጉባኤ ጳጳሳት ዶሚኒካን ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ስደተይናታት ሃይቲ ሰብኣውነት ዝዓሰሎ ኣተሓሕዛ ክግበረሎም ዝጽውዕ ዘቕረብዎ መገልጺ ዘመሓላለፍዎ ጻውዒት ክኸውን እንከሎ፥ ጉባኤ ጳጳሳት ዶሚኒካን ኣብ ክርስትያን ህዝቢ "ንስደተይናታት ስቓይ ዘስዕቡ ኩነታት፡ ከም ሕማቕ ኣተሓሕዛ፡ ብዘይ ፍቓድ ምስጓግን ምፍልላይ ስድራቤትን ክነርሕቕ ኣለና . . . ኩሎም ዶሚኒካውያን ኣብ ልዕሊ እቶም ብጸገም ዝሳቐዩ ዘለዉ ሃይታውያን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን "ግብረ ሰናይ" ከርእዩ ተማሕጺኖም ከም ዝነበሩን፥ ጳጳሳት ሃይቲ፥ ማሕበረሰብ ዓለም ሃይቲ ከይርስዕ፡ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ሰብኣዊ፡ ቁጠባውን ጸጥታውን ቅልውላው ንምፍታሕ ዝተበጽሐ ስምምዓት ክኽበር ደጊሞም ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሃይቲ ብዓመጽን ጥሜትን ጕጅለታት ኣብ ስቓይ

ሓያሎ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ንዜጋታት ሃይቲ ካብ ቁጠባዊ ውድቀትን ጥሜትን ዝስደዱ ንዘለዉ ናብ ሃገሮም ምምላስ ኢሰብኣውን ጭካነን ምዃኑ ከም ዝገለጻን፥ ብመሰረት ጸብጻብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ሓለዋ ዘድልዮም ሰባት፡ ነፍሰጾር ደቂ ኣንስትዮ፡ ህጻናት፡ ሃገር ዘይብሎም ውልቀሰባትን ሓተትቲ ዑቕባን ሓዊስካ ዝግበር ኣሰራርሓ ሓባራዊ ምስጓግ፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስ እዩ እንክብል ይገልጹ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ሃይቲ ብውሽጢ ዓመጽ ጕጅለታት ይመዛበሉ ከም ዘለዉን እዚ ድማ ድሕሪ ቅትለት ርእሰ ብሔር ጆቨነል ሞይስ ኣብ 2021 ዓ.ም. እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ኮይኑ፡ ብመሰረት ትካል መርሓ ግብሪ መግቢ ዓለም፥ ክልተ ሚልዮን ሃይታውያን “ኣብ ከቢድ ሕጽረት መግቢ፡ ሕዱር ሕጽረት መግብን ከቢድ ሕማማትን የጋጥሞም ከምዘሎን ብገምጋም 5.4 ሚልዮን ሰባት መዓልታዊ ገዛእ ርእሶምን ስድራ ቤቶምን ክምግቡ ኣብ ዘይክእልሉ ደረጃ ከም ዝበጽሑ የመላኽት።

17 October 2024, 16:04