ኣቡነ ፋዱል፦ ሓደስቲ ማሮናውያን ቅዱሳን 'ንዅሎም ምእመናን ኣርኣያ' ዝኾኑ እዮም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ብፁዕ ኣቡነ ሳይመን ፋዱል ብዛዕባ እቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቅድስናኦም እተኣወጀ ማሮናውያን ምእመናን እንክገልጹ፦ “ናይ ቅድስና ጽንብል ንሳትፍ ከም ዘሎና ኮይኑ ተሰሚዑኒ" በሉ።
ናይቶም ኣብ ምዕራባውን ማእከላይን ኣፍሪቃ ዝርከቡ ካቶሊካውያን ማሮናውያን ጳጳስ ኣብ ስቱድዮታት ዜና ቫቲካን ኣብ ዘቕረብዎ መግለጺ ንኹሎም እቶም ፍራንሲስ፣ ሞቲ ከምኡውን ራፋኤል ማሳብኪ ዝተሰምዪ ኣሕዋት ብ1860 ምስ ሸሞንተ ፍራንሲስካውያን ኣሕዋት ሰማእታት ከም ዝነበሩን ትማሊ ሰንበት ቅድስናኦም ከም እተኣወጀን ገለጹ ።
እዞም 11 ሰማእታት ደማስቆ ተባሂሎም ዚፍለጡ፣ ኣብቲ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ዝኾኑ ኦቶማን ኣብ ልዕሊ ሊባኖስን ሶርያን ዝነበሩ ክርስትያን ዘውረዱሎም ወራር በቲ ኣብ ገዳም ቅዱስ ጳውሎስ ብሰንኪ እምነቶም ዝተቐትሉ ኢዮም።
ብፁዕ ኣቡነ ፋዱል ከም ዝገለጽዎ እቶም ሰለስተ ምእመናን ማሮናውያን ንዅሎም ምእመናን ኣርኣያ ከም ዝዀኑ ገለጹ፣ እዚ ድማ "ኣብ እምነት ዘሎ ትብዓትን ጽንዓትን ኣብ ቤተ-ክርስትያን ብኸመይ ክዕምብብ ከም ዝኽእል" ዘርኢ ኢዩ በሉ።
ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንብዙሓት ሰባት ዜጋጥሞም ዘሎ ዅነታት እውን ዘኪሮም ።
"ብፍላይ ኣብዚ ጽንኩር እዋን እዚ ፍጻመ እዚ ንህዝብና ኣብ ሃገሮም ከም ዝጸንዑ ንኽንገብሮም ከም ዘሎና የዘኻኽረና ኢዩ" በሉ። ንድሕሪት ምልስ ኢልና ኽንሓስቦ ኸሎና ብዙሓት ኣቦታትና ምእንቲ እምነቶም ህይወቶም ከም ዝሃቡ ንዝክር ኢና።"
ብፁዕነቶም ከም ዝመልከትዎ ብዙሓት ሰማእታት ማሮናውያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዓዶም ብጽንዓት ብምንባር ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ይምስክሩ ኢዮም፣ እብታ ሃገር "ንረሃጽን ደምን ኣቦታትና ትስተ ኢያ ዘላ" ድማ በሉ።
ቀጻሊ ርክብ ምስ ሮማ
ብፁዕ ኣቡነ ፋዱል ኣብ መደምደምታ ማሮናዊት ቤተ-ክርስትያን ደድሕሪ ሞት ቅዱስ ማሮን ብ430-400 ዓ.ም. ኣቢላ ኸም ዝጀመረት፣ እንተዀነ ግን ብ451 ኣብ ዋዕላ ኬልቄዶን ብምስታፍ ብወግዒ ተፈላጥነት ከም ዝረኸበት ዘከሩ።
"ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዞም ማሮናውያን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ንቅድስቲ መንበርን እሙናት ኰይኖም እዮም ዝቐጸሉ" በለሉ። "ኣዋጅ ቅድስና ሰማእታት ንማሮናዊት ቤተ-ክርስትያን ናብ ኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያን ከም ዝቐርባ እኣምን ኢየ" ውን በሉ።
ማሮናዊት ቤተ-ክርስትያን ከም ምብራቓዊ ሥርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን መጠን ኣብ ኣካላት ክርስቶስ ናይ ገዛእ ርእሳ ፍሉይ ግደ ኸም ዘለዋ ብፁዕ ኣቡነ ፋዱል ገለጹ።
ናይ ፍራንሲስ፣ ሙቲ ከምኡውን ራፋኤል ማሳብኪ ቅድስና ምእዋጅ ነዚ ሓድነት እዚ ንኽምስክሩ ኣጋጣሚ ኸም ዚኸፍተሎም ውን ኣመልከቱ ።
"ኣብ መንጎ ማሮናዊት ቤተ-ክርስትያንን ኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያንን ዘሎ ርክብ ብዅሉ ቀኖናዊ ተግባራት እናደልደለ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ፣ እዚ ድማ ኣብ መንነትን ሓድነትን ዓሚቝ ስምዒት ከም ዝህልወካ ዝገብር ኢዩ" ክብሉ ውን መግለጺኦም ዛዘሙ።