ሕሩይ ካርዲናል ኪኩቺ፡ ስደተይናታትን ዘተን መንገዲ ጃፓን ናብ ምርግጋእ እዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይቲ ብካሪታስ ዝጻዕ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ዝተፈላለያ ካቶሊካውያን ማሕበራት ግብረ ሰናይ ዝጥርንፍ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣቦ መንበር ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ 66 ዓመት ዝዕድመኦም ሊቀ ጳጳሳት ቶክዮ ምስ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ንጃፓንን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ዘጋጥማ ዘሎ ብድሆታትን ዕድላትን ዝምልከት ዘለዎም ርድኢት የካፍሉ።
"ምይይጥ ቀንዲ ረቛሒ ርግኣት እዩ። እዚ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ንሓድሕድና ኽንዘራረብ ኣሎና። ዘተ ምዝራብ ማለት ጥራይ ኣይኰነን፡ ብዛዕባ ምህናጽ ርክብ እውን እዩ ዘመላኽት . . . ኣብዚ መዳይ እዚ ሲኖዳውነት ኣድላዪ ኢዩ" ይብሉ።
ኣባል ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ‘መለኮታዊ ቃል’ ሕጹይ ካርዲናል ናይ ቶክዮ ሊቀ ጳጳሳት ኪኩቺ ነቲ ኣብ ጋና ልኡካነ ወንጌል ኰይኖም ዘገልገለሉ ግዜ ሓዊስካ፡ ነቲ ኣብ ጃፓን ዘጋጥም ዘሎ ኣገዳሲ ጕዳያት ንኣብነት ብዛዕባ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባትን ቃልሲ መንእሰያት ከምኡውን ነቲ ስደተይናታት ንሕብረተሰብ ኣብ ምዕቃብ ዘለዎም ግደ ይድህስሱ . . .
ዝኣረገ ሕብረተሰብን ተራ ስደተይናታትን።
“ብዘይ ስደተይናታት፡ ከም ጃፓን ዝኣመሰለ ዝኣረገ ሕብረተሰብ ክነብር ኣይክእልን እዩ። መንግስቲ ነቲ ኩነታት ይፈልጦ እኳ እንተኾነ፡ ጃፓን ቅድሚ ሕጂ ኣጋጢምዋ ዘይፈልጥ ሓድሽ ‘ዓለም’ ከይኣትዋ ብምፍራሕ ንስደተይናታት ምሉእ ብምሉእ ካብ ምቕባል ከተንሳሕብ ትርአ . . .
ስደተይታት ዘጋጥሞም ጉዳያት ምሕደራ ዘቕርቦ ብድሆታት ብምጉላሕ ወሲኾም፥ “ስደተይናታት ጸገም ዘይኮኑስ ንቤተክርስትያን ተስፋ እያቶም። ንማሕበረሰብ ካቶሊክ ምስ መንእሰያት ክዓብዩን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘይብላ ከባቢታት ከይተረፈ ወንጌል ክእውጁን ዕድል ይህቡ።”
ጃፓን ንስደተይናታት ካብ ምሕቋፍ ተደሓሕር ምህላዋ፡ ምስ ቁጠባዊ ብድሆታት ተደሚሩ፡ እዚ ኩሉ ንመንእሰያት ወለዶታት ተቓላዕቲ ገይርዎም ከምዘሎ ኣመልኪቶም።
“ሎሚ ኣብ ጃፓን ዝርከቡ መንእሰያት ኣባላቱ ኮይኑ ዝስምዖም ማሕበረሰባት የድልዮም። ቤተ ክርስቲያን ሓንቲ ካብዞም ማሕበረሰባት ክትከውን ትኽእል እያ፣ ክትድግፎምን ኣብ ህይወቶም ከተሰንዮም እትኽእል ኣዝዩ ዝዓበየ ክውንነት ምዃና ክስምዖምን” ኢሎም።
ኒዩክለራዊ ምፍታሕ ኣጽዋርን ህንጸት ሰላምን
ኣብ ጃፓን ወጻኢታት ጉዳያት ምክልኻል እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ 2024 ዓ.ም. ብ16.5 ሚእታዊት ወሰኽ ከም ዘርኣየ ድማ ገሊጾም፥ ካብ ጽግዕተይና ወተሃደራዊ ፍታሕ ክትርሕቕ ድማ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር “ዝኾነ ሓቀይና መከላኸሊ ኣይህብን እዩ . . . ምርግጋእን ሰላምን ኣይውሕስን እዩ፣ ስለዚ ንኑክልየሳዊ ኣጻዋር ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ዝባኸነ እዩ . . . ናይ ሎሚ ዓመት ሽልማት ኖቤል ሰላም ንሓደ ናይ ጃፓን ትካል ጸረ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዝተዋህበ ምዃኑ ብምዝካር ነዚ ተግባር እዚ እውን ንኢዶም፥ ቀንዲ ረቛሒ ርግኣት ዘተ ደኣ እምበር ስግኣት ኣጽዋር ኣይኰነን። እዚ ኣጽዋር እዚ ነዛ ዓለም እዚኣ ንምጥፋእ ደኣ እምበር ጸገማት ንምፍታሕ ኣይኰነን ተፈጢሩ።"
ብህልትውናን ተራ ቤተ ክርስቲያንን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቤተ ክርስቲያን መብዛሕትኡ ግዜ ብናይ ምዕራባውያን መነጽር ከም እትርአ ዝሃብዎ ትዕዝብቲ ዘስተንተኑ ሕጹይ ካርዲናል ኪኩቺ፥ ዝያዳ ውህደት ኣብቲ ናይቲ ከባቢ ባህልታት ከምዘድሊ ኣሚኖም።
“ቤተክርስትያን ንባዕላ ካብቲ ኣብ ከባብያዊ ባህሊ ዝተመርኮሰት ንላዕሊ ምዕራባዊት ክትከውን ትፍትን ነይራ። ንብህልትውና ዝገበርናዮ ጻዕሪ እኹልን ብቑዕን ኣይነበረን . . . ኰይኑ ግና፡ ኣብ እዋናዊት ጃፓን ቤተ ክርስቲያን “ካብ መዓልታዊ ጸገማት መዕቆቢ” ኰይና እናተራእየት ትኸይድ ከም ዘላ ኣስተብሂሎም፡ ሕጹይ ካርዲናል ኪኩቺ፡ ዓቢ ሓላፍነት ከም ዝጽበዮም ዘኪሮም፥ "ንፉዕ ካርዲናል ንምዃን ንዅሎም ሰባት ማለት ንኣባላት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ዝሰፍሐ ማሕበረሰብ - ሕብረተሰብ እውን ምስማዕ ዝሓትት እዩ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።