ድለ

ናይ ቫለንሲያ ሊቀ ጳጳሳት፥ ሰበኻታት ነቶም ብብርቱዕ ውሕጅ ዝተሃስዩ ኣብ ምእንጋድ ይርከባ ናይ ቫለንሲያ ሊቀ ጳጳሳት፥ ሰበኻታት ነቶም ብብርቱዕ ውሕጅ ዝተሃስዩ ኣብ ምእንጋድ ይርከባ  (ANSA)

ናይ ቫለንሲያ ሊቀ ጳጳሳት፥ ሰበኻታት ነቶም ብብርቱዕ ውሕጅ ዝተሃስዩ ኣብ ምእንጋድ ይርከባ

ሊቀ ጳጳሳት ሰበካ ቫለንሲያ ብዛዕባ እቲ ኣብ መላእ ስጳይና ልዕሊ 150 ሰባት ዝቐዘፈ ዘሕዝን ህቦብላ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣ ሰበኻታት ንኹሎም ንዝተጸገሙን ነቶም ስራሕተይናታት ኣድሕን ህይወት ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ከም እተዋፈራ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ብመሰረት መንግስቲ እቲ ከባቢ ኣብ ስጳይና ብሰንኪ እቲ ኣብ መበል 21 ዘመን ዘጋጠመ ዝኸፍአ ትሮፒካዊ ህቦብላ ቍጽሪ ዝሞቱ ሰባት ይውስኽ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ቫለንሲያ ጥራይ ልዕሊ ሚእቲ ምዃኖም ይፍልፈጥ፣ ኣብ ስጳይና ድማ ልዕሊ 150 ሰባት ሞይቶም እዮም። እዚ ኸምዚ ኢሉ እንከሎ ብዙሓት ዝጠፍኡ ሃለዋቶም ገና ዝይተፈልጠ ሰባት ንምርካብ መስርሕ ኣድሕን ህይወት ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ታሪኽ ስጳይና ብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይ ኣብ ምብራቓዊ ኽፋል ዞባ ቫለንሲያ ዘጋጠመ ዝኸፍአ ዕንወት ዘስዓበን ምዃኑ ክንገር እንከሎ። ናይ ሓደ ዓመት ዝናም ኣብ ውሽጢ 8 ሰዓታት ጥራይ ክሃርም ዝተራእየሉን ኣብ ቀውዒ ዝዘንም ዝናም ልሙድ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ሃንደበታዊ ዕልቕልቕ ማይ ግን ንብዙሓት ካብ ትጽቢት ወጻኢ እዩ።

ቅርበትን ጸሎትን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 31 ጥቅምቲ ብይባጽሕ ናብ ናይ ርእሰ ሰበካ ቫላዶሊድ ሊቀ ጳጳሳት ሉዊስ ኻቭየር ኣርጉየሎ ጋርሲያ ምስ ኵሎም እቶም መከራ ዘሕልፉ ሰባት ዘለዎም ጥብቂ ርክብ ንምግላጽ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ክዝከር እንከሎ፥ እቲ ተርእዮ ብቐንዱ ንዞባ ቫለንሲያ ዝጸለወ ምዃኑ ሊቀ ጳጳሳት ኤንሪከ በናቨንት ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣዘኻኺሮም፥ ብምኽንያት እቲ ዘሕዝን ፍጻመ ዀነ እቲ ሳዕቤናቱ ብቕልጡፍ ዝተጋህደ እውን ብምዃኑ ንዅላትና ብሓቂ ዘሰንብድ ተመክሮ ኢዩ ኮይኑና ዘሎ . . .  ዕለት 29 ጥቅምቲ ምሸት፡ ብርቱዕ ዝናም ክህሉ ምዃኑ ተሓቢሩ እኳ እንተነበረ ዕብየት ናይቲ መዓት ግን ክሳብ ክንድዚ ክኸውን ኣይተጸበናዮን ቢሎም፥ ሊቀ ጳጳሳት ቤናቨንት ነቶም ዝጠፍኡ ምድላይን ንዝተጎድኡ ምሕጋዝን ቀዳምነት ክወሃቦ ከም ዘለዎ ፍሉጥ እኳ እንተኾነ፡ ናብቲ ዝተጎድአ ከባቢ ክኣትዉ ዓቢይ ጸገም እዩ . . . ይኹን እምበር ኣብ ዝሓጸረ እዋን ናብቲ ዝተጎድአ ዞባ ዝርከባ ሰበኻታትን ካህናትን ክበጽሑ ምዃኖም ገሊጾም፥ ኣብዚ እዋን እዚ ናብቲ ከባቢ ብጀካ ፍሉያት ሰብ ሙያ ኣድሕን ህይወት ማንምን ክኸይድ መምርሒ መንግስቲ ስለ ዘሎ ክበጽሕ እውን ሓቲተ ግን ናብቲ ከባቢ ከይቐርብ ድማ ኣትሪሮም መኺሮምኒ እዮም . . . ፍጹም ተስፋ ዘቕሩጽ እዩ ዝመስል፡ ምኽንያቱ ዝፈረሱ ድልድላት ስለዘለዉ፡ ናብ ዝተጎድኡ ከባቢታት ምብጻሕ ድማ፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ኣዝዩ ከቢድን ዝተሓላለኸን ኮይኑ ኣሎ፡ እዚ ዝተዋደደ ስጉምቲ ስለዘፍቅድን ዝሓትትን መምርሒታት ሰበስልጣን ክኽተል ኣለኒ" ይብሉ።

ዘድሊ ሓገዝ ኣብ ምቕራብን ምእንጋድን

ናይ ስልኪ መስመራት ስለ ዘይሰርሕ ዘሎ ብስልኪ ክራኸብ እኳ እንተዘይከኣልኩ ዛዕባ ህልው ኩነታት ናይ ካህናቶም ክፈልጡ ብምኽክኣሎም ውሱን ናይ ኣእምሮ ሰላም ክርኽቡ ከም ዝገበሮም ገሊጾም፥

ቫለንሲያ ሰበኻ ድማ ኣብ ኩለን ቁምስናታት ነቶም ዝተጎድኡን ዝተመዛበሉን ክንእንገዱ ይገብር ምህላዉ ሓቢሮም፡ ስፍሓት ናይቲ መዓት ገና ይግምገም ኣሎ፡ ትኽክለይና ናይ ዝሞቱ ቁጽሪ ገና ርጉጽ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ኣብተን ዝተጎድኣ ከተማታት ፍርስራስ ንምጽራይ ዝሕግዙ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት ከም እተላእኩን ነቶም ካብ ማድሪድ ዝመጹ ወተሃደራዊ ኣሃዱ መንበሪ ንምቕራብ ሰበኻኦም ዝከኣሎ ኩሉ ከም ዝገበረ እውን የመላኽቱ። ብተወሳኺ ኩሎም ምእመናን ምስቶም ኣዝዮም ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣብ ምትሕብባር ክጥርነፉ ህጹጽ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን፥ “ንዝተጸገሙ ንምሕጋዝ ጸጋታትን ተኽእሎታትን ነዳሉ ኣለና” ቢሎም፥

"ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ዝርከባ ናይ ሰበኻታት ሓገዝ ቀሪቡ ከም ዘሎን፡ ናይ ምትሕግጋዝን መዕቆቢ ቦታታትን ኮይኖም የገልግሉ ድማ ኣለዉ።”

መልእኽቲ ተስፋ ኣብ ማእከል ቃንዛ

ሊቀ ጳጳሳት ቤናቨንት ኩሉ ሰብ “እምነትን ተስፋን ክሕሉ” ተላብዮም፥ መከራ ንመንፈሳዊ ዕብየት ዕድል ክኸውን ከም ዝኽእል ድማ ኣዘኻኺሮም፥ “እዚ ኩነታት እዚ፡ ብዝያዳ ኣሕዋትን ኣሓትን ክንከውን ኣጋጣሚ ክኸውን ይግባእ” ብምባል፥ ብፍላይ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽንኩር እዋን፡ ኣብ ኣምላኽ ተኣሚንካ ምንባር ኣገዳሲ እዩ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

02 November 2024, 17:16