ጳጳስ ዱማስ፡ ሃይታውያን ቀንዲ ተዋሳእቲ መጻኢ ሃገሮም ክኾኑ ይላበዉ ጳጳስ ዱማስ፡ ሃይታውያን ቀንዲ ተዋሳእቲ መጻኢ ሃገሮም ክኾኑ ይላበዉ 

ጳጳስ ዱማስ፡ ሃይታውያን ቀንዲ ተዋሳእቲ መጻኢ ሃገሮም ክኾኑ ይላበዉ

ሃይቲ ኣብ ቅድሚ ዕሱባት ጕጅለታት ዘይምርግጋእን ዓመጽን ኣብ እትገጥመሉ ዘላ እዋን፡ ጳጳስ ፒየር ኣንድሬ ዱማስ ሃይታውያን ንሃገሮም ፍታሕ ክደልዩ ይዕድሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሃይቲ ምስ ዕጡቓት ጕጅለታት ብፍላይ ኣብ ርእሰ ከተማ ፖርት - ኦ - ፕሪንስን ካልኦት ከተማታትን ዓበይቲ ብድሆታት ከም ዘጋጠማን፡ ህዝቢ ሃይቲ ብተደጋጋሚ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ንምርካብ ከም ምትላላትን፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስን ምጭዋይን ዝኣመሰሉ ገበናዊ ንጥፈታት በዞም ጕጅለታት የጋጥማ ከምዘሎን፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣሰቃቒ ኩነታት ብምዕዛብ፡ ሓይሊ ኣህጉራዊ ዓቃቢ ሰላም ናብታ ሃገር ክለኣኽ ይጽውዕ ከም ዘሎን ባይቶ ጸጥታ ኣብታ ሃገር እናተበላሸወ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት እኳ እንተተገንዘበ ኣብ ምትእትታው ኣህጉራዊ ሓይሊ ክሰማማዕ ከም ዘይከኣለ እዩ ዝፈልጥ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ንዓመጽን ዓቕሚ ኣልቦነት ሃገራዊ ሓይልታት ጸጥታ ዝተቓልዑ ደቂ ሃይቲ፡ ነብሶም ንኽከላኸሉ ኣብ ጉጅለታት ርእሰ ምክልኻል ክውደቡ ይግደዱ ከም ዘለዉን እዚ ድማ ናብ “ሓደገይና ኩነታት” ኣምሪሑ ኣሎ እንክብሉ ኣብ ሃይቲ ናይ ኣንሰ - ኣ - ቬው ኤት ሚራጎን ጳጳስ ፒየር ኣንድሬ ዱማስ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት የብርሁ።

ጳጳስ ዱማስ ይብሉ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ንኹሉ ደረጃታት ዝጸሉ ዓመጽ ኣሎ፡ ዋጋ ዝኸፍሉ ድማ እቶም ድኻታትን ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን እያቶም፥ እንክብሉ ርእይቶ ሂቦም፥ እታ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመጽ መፍትሒ ከምዘይኮነ ብምሕባር ህዝብን ሃገርን ናብ ምርግጋእ ከብል ተተባብዕ፡ ሰላምን ስኒትን ኣብ ምጥራይ ዳግማይ ርእሰ ተኣማንነት ንኽረኽቡ ድማ ናይ ምስማዕን ምክፋልን ዘተን ቦታታት ክትፈጥር ትጽዕር ከም ዘላ ይሕብሩ።

ሱር ጠንቂ ዓመጽ

ሃይቲ ኣብዚ ምስ ስርዓት ኣልቦነት ዝዳወብ ደረጃ በጺሓ ዘላ፡ ህጻናት ኣብ ጎደናታት ተደርብዮም፡ ንነዊሕ እዋን ብዘይ ኣባይቲ ስድራ በይኖም ኣብ ምንባር ተገዲዶም ከም ዘለዉ ጳጳስ ዱማስ ገሊጾም፥ ወሲኾም ድማ፡ ጽንኩር ድኽነት ሓደ ሓደ ግዜ ወለዲ ደቆም ሓዲጎም ብገለ ገለ ፖለቲከይናታት ተደሪኾም ኣብ ዕጥቃዊ ንጥፈታት ንኽዋፋሩ ዝግደዱ ከም ዝኾኑ ኣመላኺቶም፥ ምስ ግዜ እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ዝያዳ ገንዘብ ንምርካብ ዓመጽ ይፍጽሙን ሰባት ይጨውዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት መንእሰያት ናብ ሓደ ጕጅለ ወይ ካልእ ጕጅለ ክጽንበሩ ይግደዱ . . . ህዝቢ ሀይቲ ስጕምቲ ኺወስዱ ምስ ጀመሩ እቶም ናይ ገበን ጉጅለታት ብዝያዳ ስለ ዝፈርሑ ንህዝቢ ንምፍርራሕ ተወሳኺ ዓመጺ ይፍጽሙ፡ ስለዚ እዚ ኩነታት እዚ ህዝቢ ንሃገሩ ድምጹ ከየስምዕ ይገብሮ ኣሎ፥ "ክቡራት ዋጋታት ስድራቤትን ንመንእሰያት ስራሕ ምቛም ዘይንጽል ምሉ ሰብኣዊ ዕብየት እታ ሃገር ነዚ ጸገም እዚ ንምፍታሕ ክሕግዝ ዝኽእል፥ ይመስለኒ ኢሎም።

ፖለቲካዊ ስእሊ

ፖለቲካዊ ስእሊ ሃይቲ ካብ ነዊሕ እዋን ኣዝዩ ስንኩፍ ኮይኑ ኣሎ። ዘይምርግጋእ ንኹሉ ንጥፈታት ጽላት መስህብ ወጻእይነይታትን ከም ዘዕነዎን ዝቐርቡ ግዳማዊ መፍትሒታት ነዊሒ ዘይጸንሕ እውን ብምዃኑ ብሓቂ ኩነታት ሃይቲ ኣዚዩ ዘፍርሕ እዩ . . . “ሕጂ፡ ንህዝቢ ሃይቲ ዝያዳ ክንድግፎ ደኣ እምበር ፍታሕ ባዕሉ ካብ ውሽጢ ከም ከመጽእ ኣለዎ ክንብል ኣይግባእን . . .  ሰባት ሓላፍነት ክወስዱን ናይ ገዛእ ርእሶም መጻኢ ቀንዲ ተዋሳእቲ ክኾኑን ንመጻኢ ወለዶታት መንገዲ ክኸፍቱ ክሰማምዑን ተማሕጺኖም ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ሃይቲ ናብ ፍታሕ በይና ክትጓዓዝ ስለ ዘይትኽእል ውሳኔ ምትእትታው ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ካብ ዝጽውዑ ነዊሕ እዋን ኮይኑ ኣሎ . . .

ደገፍ ንምርካብ ጻውዒት ግበር

ሓይሊ ጸጥታ ዓመጽ ኣብ ምቑጽጻር ዝያዳ ውጽኢታዊ መታን ክኸውን ጽገና ከም ዘድልዮ ገሊጾም፥ ሃገራት ንሃይቲ ክብርን ሰላምን ንኸውሕሱ ሃይቲ ብእግራ ደው ክትብልን ሓላፍነት መጻኢኣ ክትሰከምን እትኽእለሉ መንገዲ ንምርካብ ክሰማምዑ ዓዲሞም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

20 November 2024, 15:46