FRANCE-CORSICA-RELIGION-POPE FRANCE-CORSICA-RELIGION-POPE  (AFP or licensors)

ካርዲናል ቡስቲሎ፦ “ምብጻሕ 'ጳጳስ ፍራንሲስ ናብ ኮርሲካ ህያብ ልደት እዩ”

ጳጳስ ሰበኻ ኣጃቺዮ ብፁዕ ካርዲናል ፍራንስዋ-ዛቪየር ቡስቲሎ ኣብ መፋርቕ ውርሒ ታሕሳስ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ኮርሲካ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣመልኪቶም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣ ነታ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ፍሉይ ህያብ ገይሮም ኸም ዝርእይዎ ገለጹ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ጳጳስ ሰበኻ ኣጃቺዮ ዝዀኑ ብፁዕ ካርዲናል ፍራንስዋ-ዛቪየር ቡስቲሎ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዚቕጽል ወርሒ ታሕሳስ ናብ ኮርሲካ ዝገበርዎ ናይ ሓደ መዓልቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣመልኪቶም "ጽቡቕ ህያብ ልደት" ክብሉ ገለጽዎ። ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት እታ ኣብታ ደሴት ዘላ ቤተ-ክርስትያን ነዚ ፍሉይ ህያብ እዚ "ከም ፍሉይ መሰል ዘይኰነስ ከም ናይ ክብሪ ተዘክሮታትናን ንመጻኢና ንምትብባዕን ከም ሓላፍነት" ገይራ ከም እትቕበሎ ገለጹ። ኣብቲ ዘካየድዎ ቃለ- መሕትት ዕላማ እዚ ሓውርያዊ ጕዕዞ ውን ገለጹ፣ ብዛዕባ እታ ኣብ ኮርሲካ ዘላ ቤተ-ክርስትያንን ብዛዕባ እቲ ንህዝባ ዘለዎም መንፈሳውነትን ካቶሊካዊ መንነትን ድማ ተዛረቡ።

ዕላማ ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ኮርሲካ ዝገበርዎ ምብጻሕ እንታይ እዩ ?

ካርዲናል ቡስቲሎ ብዛዕባ ህቡብ ሃይማኖታዊ ትውፊታት ማእከላይ ባሕሪ ጉባኤ ወዲብና ኣሎና፣ ስለዚ ካብ ሲቺሊያ ሳርዲንያን ከምኡ ውን ካብ ስጳኛን ፈረንሳይን ዝመጹ ጳጳሳት ክህልዉና ኢዮም ። እዚ ህሞት እዚ ንመንነትና እንታይ ከም እንምከሮን ከምኡውን እዚ ኣብ ሃገራትና ዘሎ ህቡብ ሃይማኖታዊ ትውፊታት ንሓድሕድና ኽንካፈል ንደሊ ምህላውና ኢዩ። ስነ-መለኮታዊ ስፍሓት ንምምጻእ ከምኡ እውን ኣገዳሲ ዀይኑ ስለዝተሰምዓና ኢዩ። ንገሊኡ ህቡብ ልምድታት ከም ጽውጽዋይ ገይርካ ኣብ ክንዲ እትርእዮ፣ በቶም ኣቦሓጎታትና ከም እተመሓላለፈልና ህቡብ ልምድታት ወንጌላውነት ከይርና ናይ ምክፋል ኣጋጣሚ ጌርና ኢና እንርእዮ።

ቅዱስ ኣቦና ነዚ ህቡብ ልምድታት እዚ ንምኽባር ብብሕቶም ኽመጹ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ኣገዳሲ?

ካርዲናል ቡስቲዮ ነዚ ተልእኾ እዚ በዚ ሜላታት እዚ ኸተተባብዖ እንኽእለሉ መገዲ ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ተልእኾ ኽንሓስብ ከለና፣ ሓድሓደ ግዜ ገለ ውጥናት ንሓስብ ኣሎና፣ ብዛዕባ ንግዲ ኸነጽንዕ ከም ዘሎና ውን ይስምዓና ኣሎ ። ግናኸ ኣዝዩ ተራ ዝኾነ ልምድታት እውን ኣሎና ፣ ፍሉይ ናይ ንግዲ ስልትታት እውን የድልየና እዩ ። ናብ ጐደናታት ወጺእና ንማዶና ወይ ንቅዱስ ዘሎና መንፈሳውነት ክንገልጽ ክንዝምር ከነኽብር ክንከይድ ከምኡውን ኣመንቲ ኢና ኽንብል ኣሎና። ስለዚ እዚ ተልእኾ እዚ ኽልተ መዳያት ኣለዎ ። ኣስተንትኖ ግቡእ ምላሽ ምሃብን ዘጠቓልል እተሓላለኸ መዳይ እውን ኣለዎ ። ኣብ ርእሲ እዚውን "እንሆ ድሮ ንዘሎና እስከ ንርአ" ዝብል ህቡብ ልምድታት ኣሎና። ካብዛ ጉባኤ እዚኣ ጀሚርና ምናልባት እውን ካብዚ ልምድታት እዚ ሓሊፍና፣ ካብቲ ኣብዚ ጉባኤ እዚ ኣትኵሮ ዚግበረሉ ህቡብ ትውፊታት ሓሊፍና ኽንከይድ ንኽእል ኢና።

ንቤተ-ክርስትያን ኮርሲካ ብኸመይ ምገለጽኩማ?

ካርዲናል ቡስቲዮ ቤተ -ክርስትያንና ምስ ልምድታት ካቶሊካዊ እምነት ኣጸቢቓ እትተኣሳሰር ቤተ - ክርስትያን እያ ። ደሴት ስለ ዝዀነትን ኣብ ንኣሽቱ ማሕበረሰባት ስለ እትርከብን ምስ ሓደ ቅዱስ ሰማእት ወይ እኖና ድንግል ማርያም እተተሓሓዘ ልምድታት ዓቂባ ትርከብ። ስለዚ ቤተ-ክርስትያና ነቲ ባህላውን መንፈሳውን ሃይማኖታውን ስፍሓት ዓቂባቶ ትርከብ። እቲ ኣገዳሲ ዀይኑ ዚስምዓና ነገራት ኣብ ግዳማዊ ወይ ላዕሊ ላዕሊ ዝኾነ  ልምዲ ምንባር ጥራይ ዘይኰነስ እዚ ልምድታት እዚ ምሉእ ብምሉእን ብውዕዉዕ ስምዒትን ንኽንነብር ብኸመይ ከም ዚድርኸና ምርኣይ እዩ። እዚ መልእኽቲ ማለት ወንጌል እዩ ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ "ናብ ጐደናታት ውጹ" በለና። ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ "በብኽልተ ኺዱ" በሎም። ምስ ካልኦት ክንራኸብ ኣብ እንኽእለሉ እዋን ምስ ካልኦት ሰባት ምናልባት እውን ካብ እተፈላለየ ደረጃ ናብራ ዝመጹ—የማናይ ክንፊ ዓኼላይ ኣዕሩኽ ጸላእቲ—ብእምነት ዝሓበሩና ሰባት የጋጥሙና ኢዮም። እዚ ኣገዳሲ ምዃኑ እኣምን እየ ። እዚ ልምድታት እዚ ኣብ ምድርናን ኣብ ሰበኽናን ንሕብረተሰብና ዘሕብሮ እዩ ። እቶም ህዝቢ እቶም ካህናት ወይ ጳጳሳት ኣብ ጐደናታት ከተማና እውን ከይተረፈ ነዚ ምንቅስቓሳት እዚ ክፍጽምዎን ኬኽብርዎን ንጽበዮም ኢና።

ካቶሊካውያን ኮርሲካን ሰዓብቲ ካቶሊካዊ እምነት ፈረንሳ እኳ እንተ ዀኑ እምነቶም ካብቶም ኣብ ፈረንሳይ ዘለዉ እተፈልየ ድዩ ?

ካርዲናል ቡስቲዮ ዝያዳ ህድኣት ከም ዘሎ ገይረ ኢየ ዝርእዮ ። ካቶሊካውያን ምስ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ማለት ምስ ኣባላት ፓርላማ ምስ መራሕቲ ምስ ከንቲባታት እውን ከይተረፈ ኣብ መንጎ ቤተ-ክርስትያንን ሰበ-ስልጣንን ዘሎ ርክብ ብዙሕ ኣየጸግሞምን እዩ። ስለዚ ዓለማውነት ኣለዎም። ልክዕ እዩ ነፍሲ ወከፎም ኣብታ ኸተማ ሓላፍነታት ኣለዎም፣ ንሕና ግን ኣብ ቦታኦም ብህድኣትን ብሓላፍነትን ኢና እንነብር ዘለና፣ እንተዀነ ግን ወትሩ ንዅሎም ሰባትን ንድሕንነት ህዝብናን ኢና እንደሊ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ጕዳያት ሃገራት ማእከላይ ባሕሪ ክሳዕ ክንደይ ከም እተተሓሓዘ ንፈልጥ ኢና ። ኮርሲካ ዳርጋ ዅሉ ሳዕ ኣብ ጉባኤታት ማእከላይ ባሕሪ እያ እትውከል ። እታ ደሴት ኣብቲ ባሕርና ተባሂሉ ዝፍለጥ ዞባ ከም "ቤተ-ምርምር ሰላም" እንታይ ግደ ኣለዋ?

ካርዲናል ቡስቲዮ ብሓቂ ኣገዳሲ ምድረ-ገጻዊ ኣቀማምጣ እዩ ዘሎና ። ናብ ሳርዲንያ ቀረባ ስለዝኾና ልምድታትና ኻብ ደሴትና ሓሊፉ ምእንቲ ኺዝርጋሕ ክንዓዪ ኣሎና። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ብዛዕባ "ቤተ-ምርምር" እንዛረብ፣ ከምኡ ውን ኣብ መንጎ  ሃይማኖታውያን ሰበ-ስልጣንን ምስ ሲቪላዊ ሰበ-ስልጣንን ናብ ካልእ ቦታታት እተተሓሓዘ ሰላምን ውህደትን ዘለዎ ህይወት ከተመሓላልፍ እትኽእል ኢያ።

ኣብዚ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ እውን ከይተረፈ ብዙሕ ውግኣት ከም ዘሎ ንርኢ ኣሎና፣ ስለዚ ከመይ ጌርና ኢና ብባህልና ሰላማዊ ሕውነታዊ ህድኣት ዝመልኦ ህይወት ከነመሓላልፍ እንኽእል? በዚ ምኽንያት እዚ ሲቪላውያን ሰበ ስልጣንን ምስ ቤተ-ክርስትያንን ኪዘራረቡ ኢና እንደሊ። ሎሚ ናይ ማሕበር ጸላእቲ ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና ። ኣብ መንጎና እንተድኣ ጸኒዕና ነቲ ህዝቢ ማለት ነቲ ማሕበረሰብ ስለ እንርስዖ ሓላፍነትና ንረብሓ ህዝብና ዝኸውን ቃል ኪዳን ልወና ኣለዎ ። እቲ ማሕበረሰብ ንድሕንነቶም ቈራጽነት ዝገበሩ ሰበ - ስልጣን ከምኡውን ነፍሲ ወከፍ ስልጣን ናይ ገዛእ ርእሱ ግደ እኳ እንተለዎ ስነ - ምግባራዊ ስርዓታትን ሓሳባትን ሓባራዊ ኣረኣእያን ከም ዘሎ ብምዝኽኻር ብዛዕባ ነፍሲ ዝሓስቡ መንፈሳውያን ሰበ - ስልጣን ውን የድልዩና ኢዮም ።

ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናብ ኮርሲካ ዝተገብረ ካልእ ምብጻሕ ትዝክሩዶ ?

ካርዲናል ቡስቲዮ  ብፍጹም፣ ቅድሚ ሕጂ ሓውርያዊ ምብጻሕ ናብ ኮርሲካ ሓዋርያዊ ምብጻ ዘካየዱ የልዉን።

እሞኸ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ብዕለተ 15 ታሕሳስ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ህያብ በዓል ልደት ድዩ?

ካርዲናል ቡስቲዮ ባህ ዘብል ህያብ በዓል ልደት ኢዩ ብሓቂ። ጐይታ ሰናይ ኢዩ፣ እቲ ኣገዳሲ ነገር ከኣ ነዚ ውህበት እዚ ከም ፍሉይ መሰል ዘይኰነስ ንተቀክሮታትና ንምኽባርን ንመጻኢና ንምትብባዕን ከም ሓላፍነት ጌርና ኢና እንቕበሎ ።

25 November 2024, 17:24