ኣብ ከተማ ዔርቢል ዝርከብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ካብ ዳዒሽ ንዝደሓኑ ሰባት ሓይሊ ይህብ ኣብ ከተማ ዔርቢል ዝርከብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ካብ ዳዒሽ ንዝደሓኑ ሰባት ሓይሊ ይህብ 

ኣብ ከተማ ዔርቢል ዝርከብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ካብ ዳዒሽ ንዝደሓኑ ሰባት ሓይሊ ይህብ

ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ሰሜናዊ ዒራቕ ኣብ ዞባ ኩርዲስታን ከተማ ኤርቢል ዝተመስረተ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ነቶም ኣብ ትሕቲ ዳዒሽ ዝተሳቐዩ ህዳጣን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዒራቓውያን ትምህርቲ፡ ናጻ ናይ ትምህርቲ ዕድልን ደገፍን ይህብ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ 2014 ዓ.ም.  እስላማዊ መንግስቲ - ዳዒሽ ኣብ ሰሜናዊ ዒራቕ ሰፊሕ ከባቢታት ኣብ ዝተቆጻጸረሉ እዋን

እቲ ወራር ብፍላይ ድማ ከም ክርስትያን፣ ያዚዲ፣ ቱርክሜንን ሻባክን ኣብ ዝኣመሰሉ ህዳጣን ክፍሊ ሕብረተሰብ ጃምላዊ ምዝንባል ከም ዘስዓበን ብዙሓት ካብዞም ስደተይናታት ናብ ዞባ ኩርዳውያን ሰሜናዊ ምብራቕ ዒራቕ ከም ዝሃደሙ ካህን ናይቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ከለዳዊ ካቶሊካዊ ርእሰ ሰበኻታት ኣባ ፍራንክ ካራም ሻሕማሻ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ እታ ናይቲ ከባቢ ቤተክርስትያን መንበሪ መግብን ሕክምናን ኣብ ምቕራብ ኣገልግሎት እውን ከም እተዋፈረት የመላኽቱ።

ኣብ ከተማ ኤርቢል ዝርከብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ካብ ዳዒሽ ንዝደሓኑ ሰባት ሓይሊ ይህብ
ኣብ ከተማ ኤርቢል ዝርከብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ካብ ዳዒሽ ንዝደሓኑ ሰባት ሓይሊ ይህብ

ምምስራት እቲ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ

ድሕሪ ግዜ፡ እዚ ናይ ግብረ ሰናይ ተበግሶታት እዚ ካብኡ ዝዓበየ ድማ “ኣብ ማእከል ህውከት ጩራ ብርሃን” ክኸውን ዝዓለመ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ምምስራት ዝብል ውጥን ከም ዘተባበዐን እቲ ዕላማ፡ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ተማሃሮ፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ቀረባ እዋን ብዝተፈጸመ ዓመጽ ዝያዳ ዝተሳቐዩ ተማሃሮ ምቕባል እዩ . . . ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቦስተን ተቕዋም ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ናይቲ ኣብ ዔርቢል ናይ ዝርከብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ዋና ሓላፊ ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ እቲ መንበረ ጥበብ ኣብ ዔርቢል ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት በሻር ዋርዳ፡ "ማዕጾታት እቲ መንበረ ጥበብ ነቶም ብዳዒሽ ኣዝዮም ዝተሃስዩ፡ ማለት ነቶም ብሓይሊ ዝተመዛበሉ፡ ክርስትያናንን ያዚዳውያንን ቱርክሜንን ሻባክን ህዳጣን ክፍሊ ሕብረተሰብ . . . ብጠቕላላ ንዝተጎድኡ ኩሎም ሓያል ድምጺ ክንከውን ቃል ኣቲና ኣለና።”

ባህሊ ያዚዲ ምጽንባል

ኣባ ሻሕማሻ፡ እቲ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ንተማሃሮ ካብቲ ብኢድ ዳዒሽ ኣረሜናዊ ምጽናት ዓሌት ዘጋጠሞም ማሕበረሰብ ያዚዲ ዝህቦ ደገፍ፡ ዋላ’ውን ነቲ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን እቲ ዞባ ዝፍጸም ዝነበረ ጭካነ ዝመልኦ ኣተሓሕዛ ንምብዳህ ሓገዝ የቕርብ፥ ሳላ ብርክት ዝበሉ ለጋሳት ገበርቲ ሰናይ ካቶሊካውያንን ዘይካቶሊካውያንን፡ እቲ መንበረ ጥበብ ዓመት ዓመት ንተማሃሮ ያዚዲ ብዙሕ ናጻ ናይ ትምህርቲ ዕድል ከም ዝህብ ኣባ ሻሕማሻ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ ኣተሓሒዞም ከም ዓመታዊ ጽምብል ሓድሽ ዓመት ያዚዲ ዝኣመሰሉ ባህላውያን በዓላት ያዚዲ ዘኽብሩ ፍጻመታት ብቐጻሊ የዳሉ፡ ምስቶም ንመሰል ያዚዲ ዝቃለሱ ትካላት ድማ ይተሓባበር፡ ብተወሳኺ ጳጳሳዊ በዓል መሰልን ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሕግዝ ማሕበር ረድኤት በብዓመቱ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስም ዝጽዋዕ ናጻ ናይ ትምህርቲ ዕድል ከም ዝህብ የመላኽቱ።

ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ሎሚ

እቲ መንበረ ጥበብ ካብ ዝምስረት ሎሚ ድሕሪ ትሽዓተ ዓመት ካብ ሰፊሕ ድሕረ ባይታ ዝመጹ ልዕሊ 600 ተማሃሮ ከም ዘለውዎን፥ ነቲ ናይቲ መንበረ ጥበብ ሓድሽ ተበግሶ ዘጉልሑ፡ እዚ ድማ ብክፍለ መጽናዕቲ ስነ ጥበብ ዝእንገድ ስነ ምብራቓዊ መጽናዕቲ ዘቕርብ ከም ዝኾነ ኣመላኺቶም፥ እዚ መደብ ኣብቲ ዞባ ናይ መጀመርታ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ብዛዕባ “ንነዊሕ እዋን ኣብ ከባቢ መሶጶጣምያ ዝነብሩ ሃይማኖታትን ብሄራትን” ዝምልከት ትምህርቲ ዝህብ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ከም መጽናዕቲ ኩርዲስታን፡ ካቶሊካዊ ቲዮሎጊያ መጻሕፍቲ . . . ስነ ኦሪትን እውን ዘጠቓልል እዩ ቢሎም፥ እቲ ዕላማ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ብሄራትን ሃይማኖታውያንን ጉጅለታት ዒራቕ “ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ብምድንፋዕ፡ ህንጸት ህያው ማሕበረሰብ” ኣበርክቶ ምግባር ምዃኑ ኣብሪሆም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

14 November 2024, 16:53