ኪያራ ኣሚራንተ፥ ፍቕሪ ምውናን፡ ምቁጽጻር ወይ ዓመጽ ክኸውን ፈጺሙ ኣይክእልን እዩ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዓመት መጸ ዕለት 25 ሕዳር፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ዘሕዝን መዓት ንምስትንታን ደው ንብል። እንተኾነ ግን እዛ መዓልቲ እዚኣ ናብ ተራ ስርዓት ክትወርድ ክንፈቅድ የብልናን፡ ስቓይ ሚልዮናት ዝቖሰላ ደቂ ኣንስትዮ ኣዝዩ ዓቢ እዩ፣ እቲ ብዙሕ ግዜ ከይተሰምዐ ዝጸንሕ ብጽሞና ዝንበር ኣውያት ኣዝዩ ልቢ ዝሰብር እዩ። ካብ "ኣገልግሎት ትንታነ ገበን" ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዝተረኽበ መረዳእታ፡ ኣብ መንጎ ዕለት 1 ጥሪ ክሳብ ዕለት 1 መስከረም 2024 ዓ.ም. ዘጋጠመ 192 ቅትለት፡ ካብኣቶም 65 ደቂ ኣንስትዮ እየን። እተን 58 ኣብ ስድራቤታዊ/ስምዒታዊ ዓውዲ ዝተቐትላ ክኾና እንከለዋ እተን 36 ድማ ብመጻምድተን ወይ ብመጻምድተን ነበር ዝተቐትላ እያተን፡ ብድሕሪ እቲ ቁጽሪ ግን ዝያዳ ዘስካሕክሕ ክውንነት ኣሎ፡ ካብ ፍርሒ፡ ሕፍረት ወይ ድማ ካብኡ ክሃድማ ኣብ ዘይክእላሉ መርዛም ዝምድናታት ስለዝተዓጽዋ ጸብጻብ ዘይህባ ኣሽሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋ። ከምኡ’ውን፡ ከምቲ ናይ ዝሓለፈ መዓልታት ዘሕዝን ዜና ዘዘኻኽረና፡ ምብዛሕ ስነ - ኣእምሮኣውን ኣካላውን መጥቃዕቲ ኣብ ቅትለት ክበጽሕ ይኽእል’ዩ፡ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ መዓልቲ እትቕተል ጓለ ንስተይቲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብኢድ እቶም ነፍቅረክን ዝብልወን እየን ዝተቐትላ።
ነዚ ማሕበራውን ሰብኣውን መንሽሮ እዚ ካብ ሱሩ ከነጥፍኦ ትብዓት ክህልወና ዘለዎ ባህላዊ ሱር ኣሎ። ፍቕሪ ዋንነት፡ ምቁጽጻር ወይ ዓመጽ ክኸውን ፈጺሙ ኣይክልን ዝብል እምንቶል፡ ግን ክንደይ ግዜ ኢና ዝምድናታት ብሕማቕ ቅንኢ፡ ስምዒታዊ ምትላል፡ ግህሰት፡ ብሕሙም ርእሰ ኣምልኾ ክብከሉ ንርኢ? እዞም ኣተሓሳስባታት እዚኣቶም፡ ኣፍልጦ እንተዘይተዋሂብዎምን ግብእ ኣተኩሮ እንተዘይተገይሩሎምን መሪር ፍረ ዘፈሪ ዘርኢ ሞት እዮም ዝኾኑ።
ሓቀይና ፍቕሪ ካብቲ ዝጠልሞን ዝጠውዮን ከመይ ጌርና ከም እንፈልዮ ክንምህር ኣሎና። ሓቀይና ፍቕሪ ነቲ ካልእ ይከላኸለሉ፣ የኽብሮን ዋጋ ይህቦን። ነቲ የፍቅሮ እየ ዝበሎ ሰብ ክብርን መሰረታዊ መሰላትን ኣይውንንን፣ ኣይቅይድን፣ ኣይግህስን እዩ።
ንገበነይናታት ዋላ ኣድላዪ እንተኾነ ኣብ ቁጥዐ ወይ ንገበነይናታት ዝኸበደ መቕጻዕቲ ኣብ ምቕራብ ጥራይ ክንድረት ኣይንኽእልን። እቲ ሓቀይና ብድሆ ምክልኻል እዩ። እዚ ድማ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ካብ ስነ - መጐት ዕብለላን ምውናንን ነጻ ዝኾኑ ሓድሕዳዊ ምክብባርን ማዕርነትን ጽባቐ ዝምድናታትን ንምምሃር ሓባራዊ ጻዕሪ ይሓትት። ካብቶም ኣዝዮም ረቀቕቲ ዓይነታት ዓመጽ እውን ክንጥንቀቕ ይግባእ፡ ማለት ንኣካላት ጓል ኣንስተይቲ ሸቐጥ ምግባር፡ ባርነት ምንዝርና፡ ምስፍሕፋሕ መልእኽትታት መራኸቢ ብዙሓን ንዝተፈጸመ ምግሳስ ዘነኣእስ ወይ ንቡር ገይሩ ዘቕርብ፡ ነፍሲ ወከፍና ነቲ ገና ኣብ ሕብረተሰብ ኣዝዩ ሱር ዝሰደደ ተባዕትነታዊ ባህሊ ዝቃወም ንኣሽቱ መዓልታዊ ንጥፈታት ጀሚርና ለውጢ ክንገብር ንኽእል ኢና።
ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ እናዘከርና፡ መዓልታዊ ኣብ ዝሰንብድ ሕልሚ ቀትሪ ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ከምዘለዋ ኣይንረስዕ። ዘይግደሱ ኮይንና ክንጸንሕ ወይ ንቡር ዘይኮነ ነገር "ከም ንቡር" ክንቅበሎ ኣይግባእን።
ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ውሕስነት ዝረኽባሉ፡ ብዘይ ፍርሒ ገዛእ ርእሰን ንኽኾና ናጻ ኮይነን ዝነብራሉ ሕብረተሰብ ብሓባር ንሃንጽ። ምክልኻል ክብርን መሰልን ደቂ ኣንስትዮ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ውግእ ጥራይ ኣይኮነን: ንኹላትና ዝምልከት ግዴታ ፍትሒ እዩ።