ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያ ንበዓለ ልደት ዝምጥን ኩነታት ክፍጠር ይሓትታ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
በዓል ልደት ኣብ ቓዛ ስምምዕ ተኹሲ ምቁራጽ ምልክት ኣብ ዘይረኣየሉ ዘሎ እዋን ይቐርብ ከም ዘሎ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከቡ ፓትርያርካትን መራሕቲ ኣብያተ ክርስቲያንን፡ ንማሕበረሰቦም ክርስትያናዊ ተስፋ ብምግላጽ፡ ኣብ ሞንጎ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ህዝቢ ቓዛ ዘጋጠሞ ጸገማት ብዘኽብር መንገዲ ክጽንብሉ ይዕድሙ።
ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መሬት መራሕቲ ኣቢያተ ክርስትያን ምስቶም በቲ ሓድሽ ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ዝተባረዐ ኲናት ዝሳቐዩ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ብሓባር ደው ንምባል ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ናይ ልደት ስልማትን መብራህትን ካብ ምጥቓም ክቑጠቡ ዝብል ሓባራዊ ውሳነ ወሲዶም ከም ዝነበሩ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ናይ ልደት መልእኽቲ ተስፋ ምምስካር
ይኹን እምበር ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ እተዋህበ መግለጺ እዚ ምልክታት እዚ ንብዙሓት ሰባት በዓል ልደት ኣብ ቅድስቲ መሬት ከም እተሰረዘ ገይሮም ክሓስቡ ከም ዝገበሮምን፡ ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ኣብ መላእ ዓለም ጥራይ ዘይኰነስ ኣብቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝርከቡ ክርስትያን እውን "እቲ ካብ ጸልማት ዝወጽእ ፍሉይ ምስክርነት በዓል ልደት ነክዩ ከም እተራእየን ብምምልካት፥ ስለዚ መራሕቲ ቤተ - ክርስትያን ኣብ ኢሩሳሌም ምእመናኖም ኣብዛ ዓመት እዚኣ "ምልክት ክርስትያናዊ ተስፋ ብምምስካር" ንልደት ክርስቶስ "ምሉእ ብምሉእ ክዝክሩ" ኣተባቢዖም፥ እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ድማ "ነቲ ኣብ ከባቢና ዘለዉ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ዜጋጥሞም ዘሎ ኸቢድ ጸገማት ተሃዋስነት ብዝመልኦ ጥንቁቕ መገዲ” ክነብርዎ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።
ምስቶም ኣብ ቅድስቲ መንበር ኲናት ዝሳቐዩ ዘለዉ ብምትሕብባር ምጽንባል
እቲ መግለጺ፡ - "በዓላት ኣብ ጸሎትና ብቐጻሊ ብሕያውነትን ብሰናይ ተግባራትን ነንሓድ ሕድናን ምስ ካልኦትን ከምቲ ክርስቶስ ባዕሉ ንነፍሲ ወከፍና ሓንጐፋይ ኢሉ እተቐበለና ጌርና ምቕባል ዘጠቓልል ክኸውን ኣለዎ።" በዚ ኸምዚ ነቲ መላእኽቲ ነቶም ጓሶት ብዛዕባ ልደት ክርስቶስ ኣብ ማእከል ጸልማት ዝኣወጁሉ ዛንታ ከነቃልሕ ኢና፣ ኣብኡ ኸኣ ንዓታቶምን ንምልእቲ ዓለምን መልእኽቲ መለኮታዊ ተስፋን ሰላምን ከነብጽሓሎም ኢና. . .
ርእሰ ብሔር ፍልስጤም ኣብ ዋዜማ በዓለ ልደት ኣብ ቤተልሄም ኣብ ዝዓርግ ቅዳሴ ክሳተፍ ትጽቢት ኣሎ
ርእሰ ብሔር ፍልስጥኤም ማሕሙድ ኣባስ እውን ጸገማት ህዝቢ ፍልስጥኤም ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዚግበር በዓል ልደት ኣብ ሃይማኖታዊ ጽምብላት ደረት ኪገብረሉ ጻውዒት ከቕርብ እንከሎ፡ ርእሰ ብሔር ኣባስ ነዚ ጻውዒት እዚ ዘቕረቡ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ቅድስቲ መንበር ቅዱሳት ንብረትን ቦታታትን ዓቃቢ ኣባ ፍራንቸስኮ ፓተን ከምኡውን ምስ ምኽትሎም ኣባ ኢብራሂም ፋልጣስ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ከም ዝኾነን፡ ከምቲ በቢ ዓመቱ ድማ ርእሰ ብሔር ኣባስ ዕለት 24 ታሕሳስ ኣብ ቤተ - ክርስትያን ቅድስቲ ካተሪና ኣብ ዝዓርግ ቅዳሴ በዓል ልደት ክካፈሉ ብወግዒ ብኣባ ፓተንን ኣባ ፋልጣስን ዕድመ ከም ዝቐረበሎምን እብቲ ዝተኻየደ ርክብ ርእሰ ብሔር ኣባስ ንፍልስጥኤማውያን ክርስቲያን ሰላምታኦም ኣመሓላሊፎም ብቕልጡፍ ድማ ሰላም ክሰፍን ዘለዎም ምንዮት ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምብጻሕ ካርዲናል ፒዛባላ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ
ብኻልእ ወገን ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲናዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን መበል 70 ዓመት ምምስራት ስርዓት ፈረሰይናታት ቅዱስ መቓብር ዘኢየሩሳሌም ትልንቲ ንምጽንባል ኣብ ዝካየደ ስነ ስርዓት ንኻሳተፉ ንሓደ ሰሙን ንዑደት ኣብዓባይ ብሪጣንያ ብሪጣንያ ለንደን ከም ዝርከቡን፡ ሰንበት ዕለት 1 ታሕሳስ ኣብ ካቴድራል ዌስትሚንስተር ቀዳመይቲ ሰንበት ምጽኣት ብካርዲናል ቪንሰንት ኒኮልስ ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት እንግልጣርን ወይለንስ ኣብ ዝምራሕ ቅዳሴ ክሰብኩን ድሕሪኡ ናብ ኤዲንበርግ ስኮትላንድ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ካብ ኢየሩሳሌም ላቲናዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝወጸ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።