ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ፥ ሰብኣዊ ዕንወት ከም ንቡር ምርኣይ ዘስዕቦ ሓደጋ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ፥ ሰብኣዊ ዕንወት ከም ንቡር ምርኣይ ዘስዕቦ ሓደጋ  (AFP or licensors)

ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ፥ ሰብኣዊ ዕንወት ከም ንቡር ምርኣይ ዘስዕቦ ሓደጋ

ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ንዓሰርተታት ዓመታት ብውሽጣዊ ግጭት ተሃስያ ትርከብ። ዓለም የዕንቱ ናብ ካልእ ቦታታት ኣብ ዝገበረሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብታ ሃገር ናይ ዝርከብ ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ትክል ሓልዮ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓላፊ ቪክቶር ሰቲቦ፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ግርጭታት ከም ንቡር ክርአ ከም ዘይብሉን፡ ንሰላም ክንቃለስን ንዝሓሸ መጻኢ ተስፋ ክንገብርን ፈጺምና ክንደክም ከም ዘይብልናን ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ንልዕሊ 30 ዓመታት ብሰብኣዊ ቅልውላው ትሳቐ ዘላ ሃገር ኮይና፡

ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ውሽጣዊ ተመዛበልቲ፡ ዝበዝሑ ካብ ምብራቓዊ ዞባ ሰሜን ኪቩ፡ ደቡብ ኪቩን ኢቱሪን ዘለዋ ከተማታት ከም ዝኾኑን ንሰላም፡ ምርግጋእን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ከይተሓለለት ኣብ እትቃለሰሉ እዋን ኣዒንቲ ምዕራባውያን ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ግጭት ከም ንብሩ ብምምልካት ድማ ደኺመን ናብ ካልእ ቦታ የቕንዓ ዘለዋ ይመስላ ኢሉ።

ርሕቐት ማሕበረሰብ ዓለም

ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ናይ ኢየሱሳውያን ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን መእለይ ማእከል ጨንፈር ዋና ሓላፊ ሰቲቦ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፥ ነቶም “ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ኣብ ዝኾነ መዓስከራት ዝነብሩ ከም ጽሩይ ማይ፡ መግቢ፡ ከምኡ’ውን ተበጻሕነት ትምህርቲ ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ድሌታት ዘይብሎም ልዕሊ 7 ሚልዮን ተመዛበልቲ” ዘሕልፍዎ ዘለዉ ኩነታት ዘሕዝን እንክብሉ ገሊጾም፥ ካብ “ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ሰላሳ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኢና ንገጥም ዘለና፡ ብዙሓት እውን ኣብ ምሕጋዝ ዝጽዕሩ እንተኾኑ እቲ ድሌታት ኣዝዩ ዓብይን ካብቲ ዝወሃብ ዘሎ ደገፍ ኣዝዩ ልዑል እዩ” ይብል።

ደገፍ ንህዝቢ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ

ከም JRS - ማሕበር ኢየሱሳውያን ማእከል ሓልዮ ተመዛበልትን ስደተይናታትን ዝኣመሰላ ትካላት፡ ነቶም በቲ ዓመጽ ዝተሃስዩ ሰባት መስመር ህይወት ንምሃብ ከይተሓለላ ይሰርሓ ከም ዘለዋን እቲ ናይ ኢየሱሳውያን ናይ ረድኤት ማእከል ንህጻናት ህጹጽ ናይ ትምህርቲ ቦታታት ብምፍጣር፡ መደባት ሓለዋ ህጻናት ብምምዕባል፡ ከምኡ’ውን ህጻናት ብውሑስ መንገዲ ዝዘናግዑሉ ስነ - ኣእምሮኣዊ ደገፍ ዝረኽቡሉን ንህጻናት ዝምችእ ቦታታት ብምቛም፡ ተመዛበልቲ ኣብ ምድጋፍ ዘተኮረ እዩ። "ርክባት ዳግማይ ንምህናጽን ማሕበረሰብ ንምዕባይን ኣብ ዝሕግዙ መደባት ዕርቂ'ውን ነተኩር . . . እቲ ዘሎ ብድሆታት ልዕሊ ዓቕሚ እዩ፡ እተን ናይ ረድኤት ትካላት እውን እተኾና ንህዝቢ ንምድጋፍ ይቃለሳ ኣለዋ . . . እቲ ግጭት ዘስዕቦ ሰብኣዊ ጸገማት ሰፊሕን ኩለ መዳያውን እዩ፡ ህዝቢ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ዘጋጥሞ ስንባደ መወዳእታ የብሉን፡ “ከምቲ ልሙድ፡ ናይዚ ኩሉ ጾር ዝስከሙ ድማ ሕጻናትን ደቂ ኣንስትዮን እያቶም . . . ጾታዊ ዓመጽ እውን ሓደ እቲ ዝዓበየ ጸገም እዩ . . . ስለዚ ነዚ ኩሉ ኣብ ግምት ብምእታው ትካላት ግብረ ሰናይ ዝገጥመኦ ዘለዋ ብድሆታት ከቢድ ምዃኑ የብርህ።

ድሕሪ ዓመጽ ፍትሒ ምድላይ

"ምስ ግጭት ዝተኣሳሰር ጾታዊ ዓመጽ ዘስካሕክሕ'ዩ . . . ኣብተን ኣልቦ ስርዓትን ኣልቦ ምሕደራን ዝኾና ዞብታት ፍትሒ ምርካብ ዘጸግም እዩ። ብዙሓት ግዳያት ኣብ ሕጋዊ ስርዓት ዘለዎም እምነት ውሑድ እዩ፣ ምኽንያቱ ዘሎ ስርዓተ ፍርዲ ድኹም ብምዃኑን ገበን ምሕባር ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ንዝገደደ ስቓይ ዘቃልዕ ብምዃኑ። ኣብ ዙርያ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ገበናት ዝረአ ጸለመ መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም ግዳያት ካብ ኣባይቲ ስድራኦምን ማሕበረሰባትን የርሕቖም፡ ዘሎ ስርዓት ንፍትሒ ዝሕግዝ ኣይኮነን፡ እዚ ዅሉ ድማ ፍትሒ ኣብ ምድላይ ተስፋ ክቖርጹ የገድዶም . . . እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብዘን ዞባታት ርኡይ ስልጣን ዘለዎም ዕጡቓት ጉጅለታት፡ ንማንም ተሓታትነት ስለ ዘይብሎም፡ እዚ ኩነታት እዚ ድማ ግዳያት ድምጾም ከስምዑ ዝያዳ ሓደገይና ይገብሮ።

ጽልዋ ናይ ዝሓለፈ መግዛእቲ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ

ሕሉፍ ከየስተንተንካ ናብ መጻኢ ምጥማት ኣይከኣልን እዩ እንክብል ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ዝሓለፈ መግዛእቲ ዝሓደጎ ጽልዋ ኣጉሊሑ። ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ፖለቲካዊ ናጽነታ ዝረኸበት ሃገር ኣብ ወጻኢ ሃገራትን ትካላትን ዘለዋ ቁጠባዊ ጽግዕተይናነት ግን ገና ከምዘሎ እዩ . . .

“እዚ ቁጠባዊ ጽግዕተይናነት፡ ውርሻ መግዛእትን፡ እታ ሃገር ንጸጋታታ ብናጻ ከተመሓድርን ርጉእ መጻኢ ክትሃንጽን ዘለዋ ዓቕሚ የዳኽም።”

ብማዕድን ሃብታም ዝኾነት ሃገር፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንሃለዋት ህዝባ ዕሽሽ ዝብሉ ኣህጉራዊ ረብሓታት መስሕብ ትኸውን። እዚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝረአ ዓቢ ጸገም እዩ። “ጸጋታት ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ በረኸት’ኳ እንተኾነ፡ መርገም እውን ኮይኑ ኣሎ” እንክብል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2022 ዓ.ም. ኣብ ኪንሻሳ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ዘክየድሉ እዋን፥ “ካብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ካብ ኣፍርቃ ኣእዳውኩም ኣልዕሉ . . . ንኣፍሪቃ ምዕማጽ ደው ይበል . . . ኣፍሪቃ እትምዝመዝ ማዕድን ኣይኮነትን” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ይዝክር፡

ተስፋ ግድን እዩ

ዋላ እኳ እቲ ዘስካሕክሕ ክውንነት እንተሃለወ፡ ተስፋ ዝፈጥር ምኽንያት ከምዘሎ ንኽንርእይ ንጽዕር . . . “ተስፋ ከነጥፍእ ኣይንኽእልን ኢና። "ኣብ ባይታ እንሰርሖ ስራሕ፡ ተስፋ ህያው ንምግባር፡ ምስ ህዝቢ ምንባርን ምስራሕን፡ ዝሓሸ መጻኢ ክሓስቡን ምሕጋዝ እዩ። ተስፋ ምሾት ዘይኮነስ ኣድላይነት እዩ፣ ምስ በሉ፥ ኣብታ ሃገር ነባሪ ለውጢ ንምርግጋጽ ኩሉ ሰብ፡ ማለት ፖለቲካዊ መራሕቲ፡ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ናይቲ ኩነታቱ ካብኡ ንላዕሊ ዝፈልጥ ዘይብሉ ዞባዊ ህዝቢ ብምስታፍ ክድግፍዎ ይግባእ . . . “እቲ ዝተጎድአ ህዝቢ ሰላም ጥራይ እዩ ዝደሊ። ናብ ገዝኦም ተመሊሶም ስርሖም ከሳልጡን ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ክሰዱን ይደልዩ . . . እዚ ድማ እቲ ህዝቢ ተስፋ ዝገብረሉ ሰላም ዘውሕሶ እዩ፡ ናብ መዓልታዊ ህይወቱ ክምለስ እዩ ዝደሊ ነዚ ንምርግጋጽ ድማ ሓገዝ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ የድልዩ” እንክብል ዝሃቦ መግለጺ ይዛዝም።

11 November 2024, 15:38