መራሕቲ ሃይማኖታት ዓባይ ብሪጣንያ ብሓባር ኣንጻር እማመ ሓገዝ ንነብሰ ቅትለት ይነጽጉ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ብሪጣንያ ህዝባዊ ባይቶ ብዛዕባ እቶም ገና መድሃኒት ብዘይ ተረኽቦ ሕማም ዝሳቐዩ ሞት ይሕሸኒ ንዝብሉ ዘቕርብዎ ሕቶ መሰረት ብሕክምና ተደጊፎም ክሞቱ ዝፈቕድ ብሕክምና ዝድገፍ ነብሰ ቅትለት ዝምልከት ሓድሽ ኣካታዒ እማመ ዕለት 29 ሕዳር ወሳኒ ድምጺ ክህበሉ ከም ዝኾነን እቲ ብኣባል ባይቶ ፖለቲካዊ ውድብ ዕዮ ኪም ሊድቢተር ዝቐረበ እማመ ኣብ ናይ ምወዳእታ ናይ ሕይወት ደረጃ ዝርከቡ መድሃኒት ብዘይተረኽቦ ሕማም ዝሓመሙ በጽሕታት ኣእምሮኣዊ ብቕዓት ዘለዎም፡ ብሕክምና ተደጊፎም ክሞቱ ምድጋፍ ዝብል ሕቶ ምስ ዘቕርቡ ብፍቓድ ክልተ ሓካይምን ዳይና ላዕለዋይ ቤት ፍርድን ህይወቶም ከብቅዑ ዘኽእል ክኸውን እዩ። እዚ ጉዳይ ኣብ ብሪጣንያ ብፍላይ ካብ ሃይማኖታዊ ጉጅለታት ሰፊሕ ክትዕን ተቓውሞን ከም ዘለዓዓለን ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ምስ ካልኦት መራሕቲ እምነት ኮይኖም ብዛዕባ እቲ ዝቐረበ ሕጊ ዘስዕቦ ስነ - ምግባራውን ግብራውን ሕብረተሰባውን ጸገም ብምጥቃስ ዘለዎም ስክፍታታት ብተደጋጋሚ ኣስሚዖም ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
እዚ ስክፍታታት’ዚ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ሓያሎ ዓበይቲ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝኸተምዎ ሓባራዊ መግለጺ ዳግማይ ከም እተመልከተን እቶም ነቲ ናይ ሓባር መግለጺ ዝኸተሙ ናይ እንግሊዝን ወይለስን ቤት ምኽሪ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ካርዲናል ቪንሰንት ኒኮልስ፣ ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ሳራ ሙላሊ ርእሰ ቤት ምኽሪ ራባይ ዓባይ ብሪጣንያ ራባይ ኤፍሬም ሚርቪስን ኣቦ መንበር ሃገራዊ ኣማኻሪ ሽማግለ መሳጊድን ኢማማትን ኢማም ቃሪ ዓሲም ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሙሟት መሰል ድዩ ወይስ ግዴታ?
እቶም ነቲ ናይ ሓባር መግለጺ ዝኸተሙ፡ ብፍላይ ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ፡ እንኮላይ ነቶም ስንኩላንን እኹል ማሕበራዊ ክንክን ጥዕና ዘይብሎም ኣረጋውያንን፡ ህይወቶም ብሞት ንምዅላፍ ክመርጹ ጸቕጢ ክገብረሎን ዝኽእል ሓደጋታት ግህሰትን ምስግዳድን ከስዕበሎም ከም ዝኽእል ኣጠንቂቖም ንሳቶም፡ እቲ ሕጂ ዘሎ ሕጋዊ መቓን ዛዕባ ክንክን ጥዕና ዝሓሸ ሓለዋ ከም ዝህብ ሞጊቶም ተመኩሮ ናይተን ተመሳሳሊ ሕጊ ዘተኣታተዋ ሃገራት ከም ዘርእዮ፥
“መብጽዓ ዝተገብረሉ መከላኸሊታት ኩሉ ግዜ ነቶም ተቓላዕትን ንዝተገለሉን ዝከላኸል ከም ዘኮይነ እዩ ዘረጋግጽ”
ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ልዑል ጽፈት ዘለዎ መሕወዪ ክንክን ጥዕና ቀዳምነት ምሃብ የድሊ
ኣብ ክንዲ ገና መድሃኒት ብዘይ ተረኽቦ ሕማም ዝሳቐዩ ሞት ይሕሸኒ ንዝብሉ ዘቕርብዎ ሕቶ መሰረት ብሕክምና ተደጊፎም ክሞቱ ዝፈቕድ ሕጊ ምውጻእ፡ ብመሰረት እቶም መራሕቲ እምነት፡ ኣባላት ባይቶ፡ "ብዘሰክፍ መልክዑ ትሑት ምወላ" ዝግበረሉ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፡ ልዑል ብቕዓትን ጽፈትን ዘለዎ መሕወዪ ክንክን ቀዳምነት ክህብሉ ገሊጾም፥
“ኣብ መወዳእታ ደርጃ ህይወት ንዝርከቡ ናይ ብሓቂ ርህሩህ ምላሽ ዘድልዮም ልዑል ጽፈት ዘለዎን ብቑዕን ኣገልግሎት መሕወዪ ክንክን ጥዕና ኣብ ምሃብ እዩ”
ቢሎም ማሕበር ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ነቲ ዝቐረበ ሕጊ ንመሕወዪ ክንክንን ንዝምድና ሓኪምን ሕሙምን ዘልምስ ሓደጋ እዩ" እንክብሉ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያ ነቒፉም፡ ብዛዕባ እቲ ሕልናኦም መሰረት ገይሮም ኣይፋል ናይ ምባል መሰልን ግዴታን ናይ ካቶሊካውያን ትካላት ዕቝባን ኣባይቲ ሕክምናን ማእከላት ብምጉላሕ ማሕበር ሕክምና ብሪጣንያ ኣብ ክንድኡ ካብ 2021 ዓ.ም. ነቶም ገና መድሃኒት ብዘይ ተረኽቦ ሕማም ዝሳቐዩ ሞት ይሕሸኒ ንዝብሉ ዘቕርብዎ ሕቶ መሰረት ብሕክምና ተደጊፎም ክሞቱ ዝፈቕድ ደገፋ ነብሰ ቅትለት ንዝብል ጉዳይ ገለልተይና መርገጺ ሒዙ ከም ዝጸንሐ የዘኻኽሩ።
ክልተ ሚኒስተራት ዕዮ ነቲ እማመ ይቃወሙ
እቲ እማመ ብመርሔ መግንስቲ ኬር ስታርመር ዝድገፍ ኮይኑ፡ ካብ ክልተ ወሰንቲ ሚኒስተራት ንሳቶም ድማ ውፉይ ክርስቲያን ሚኒስትር ጉዳያት ጥዕና ዌስ ስትሪቲንግ፡ ሚኒንስትር ጉዳያት ፍትሒ ውፉይ ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ሻባና ማሕሙድ ከይተረፈ ተቓውሞ የጋጥሞ ከም ዘሎን፡ መብዛሕትኦም ዜጋታት ብሪጣንያ እቶም ገና መድሃኒት ብዘይ ተረኽቦ ሕማም ዝሳቐዩ ብሓገዝ ነብሰ ቅትለት ክፍጽሙ ዝድግፉ እዩ ዝብል ኣመለኻኽታ ከም ዘለዎም ዳህሳሳት ይሕብሩ። ይኹን እምበር ርእይቶ ህዝቢ ነዚ ሕቶ ተሃዋሲ እዩ።
እዚ ድሕሪ 2015 ዓ.ም. ተመሳሳሊ ሕጊ ብ300 ድምጺ ኣንጻር ኣብ ልዕሊ 118 ድጋፍ ድምጺ ተነጺጉ ከም ዝጸነሐ ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ፥ እዚ ኣብ ዌስትሚንስተር ዝካየድ ዘሎ ውሳነ፡ ተመሳሳሊ ሕጊ ኣብ ስኮትላንድ ብኣባል ባይቶ ሊበራል ዲሞክራት ሊያም ማካርተር ዝድገፍ ኣብ ስኮትላንድ ኣብ ባይቶ ህዝቢ ንኽቐርብ ጽዋል ክግበር ከም ዝኽእል ዜና ቫቲካን የነጽር።