ኢዮቤል 2025፦ ንጋድያን ንምዃን እንታይ የድሊ?
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ከተማ ሮማ ኻብ ድሮ በዓለ ልደት ኣትሒዛ ንዓመተ ኢዪቤል 2025 ብምንጽንባል 35 ሚልዮን ዝዀኑ ነጋድያን ናብታ ቅድስቲ ኣፍ ደገ ዝኽፈተላ ዕለት የምርሑ ኣለዉ።
መብዛሕትኡ ግዜ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ቅድስቲ ዓመት ኢዮቤል ኣብ ነፍሲ ወከፍ 25 ዓመት ሓንሳእ እያ እትጽንብሎ፣ ዓመት ኢዮቤል ኸኣ ንምእመናን ናብቲ ቅዱስ ቦታታት ንኺበጽሑን፣ ናይ መንፈሳዊ ተግባራት ንኽፍጽሙን ስሬት ሓጢኣት ንኽረኽቡን ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም። ብዕለት 24 ታሕሳስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ቅዱስ ኣፍ ደገ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምኽፋት ነቶም ነጋድያን ዓመተ ኢዮቤል ምልኡ ስሬት ሓጢኣት ክእውጁ ኢዮም።
እታ እትመጽእ ዘላ ዓመት ኢዮቤል ደድሕሪ እታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ኣምላኽን ጸዋዕታ ካቶሊካዊ ብሕታዊ ኣስተንትኖታትን እትገብረላ ዓመት ጸሎት 2024 እያ እትስዕብ ዘላ ። ፍረ ነገር ናይዛ ዓመት እዚኣ ኣብታ ብሰንኪ ለውጢ ዅነታት ኣየርን ቀጻሊ ውግኣትን እተስግእ ኮይና ዝለአ ዓለም ህንጸት ሰላም ንምድንፋዕ ነዛ ዓመት ዝመረጽዎ ጭርሖ ነጋድያን ተስፋ ዝብል ኢዩ።
መንእሰያት ንገድያን ናብ ከተማ ሮማ ከም እተጸውዑ
ስቲቭ ከረክስ መስራቲ መርበብ ሓበሬታ WorldYouthDay.comን ጀይ.ኤም.ጀይ ነጋድያን ኢዩ ፣ እዚ ጕዕዞ እዚ ኸኣ ኣብ ፍርቂ ሃገራት ንዚርከቡ ካቶሊካውያን መንእሰያትን ተመሃሮን ምእመናንን ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ዚግበር ጕዕዞ ይውድብ ኣሎ። እዞም መንእሰያት ዚገብርዎ ንግደት ኣብ ከም ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ላተራንን ኣብ ጐደና ኣፕያ ዝርከብ ካታኮምብን ዝኣመሰለ ቐንዲ ቦታታት ዚግበር ምብጻሕ እዩ ክካየድ፣ እዚ ኸኣ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ቶር ቨርጋታ ዝተሰምየ ክፍለ ከተማ ሮማ ኣብ ዝግበር መደባት ድማ ክዛዘም እዩ።
ከረክስ ከም ዝገለጾ ጕዕዞ ንግደት ምፍጻም ንትምህርቲ እምነት ኣገዳሲ እዩ ፣ እዚ ኸኣ መንእሰያት ኣብ ቤቶም ኪረኽብዎ ዘይክእሉ ምስ ኣምላኽ ቀሳኒ ዝኾነ ምቅርራብ ንኺገብሩ የኽእሎም ።
"መንእሰያት ነቲ መሰረታዊ ሓቅታት እምነት ብዝያዳ ሃረር ይብልዎ ኢዮም፣ ኣብ ጕዕዞ ንግደታት ብኸመይ ከምኡ ኸም ዚገብሩ ድማ ንምህሮም ኢና" በለ። "ንሃገሮም ሓዲጎም ምኻድ ካብቲ ዅሉ ዝሓላልኾም ነገራት ሓራ ንምውጻእን ንጸጋ ኣምላኽ ክፉታት ንምዃንን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።"
ከረክስ ከም ዘመልከቶ ነቲ ጕዕዞ ኸም ፍቕሪ ገይሩ እዩ ዚርእዮ ፣ እዚ ኸኣ ምእመናን መንእሰያት ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ዘሎ ባህሊ ጸጋን ምሕረትን ንኺረኽቡ ዜኽእሎም ካብ መንፈሳዊ ዓይኒ ማያት ንኺምልኡ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም እዩ ።
"ምእንቲ ድሕነትኩም ክትነብሩ፣ ኣብ ዓለም ክትነብሩ ኢኹም ተፈጢርኩም ዘለኹም ፣ ኣምላኽ ድማ ነዚ እዩ ዝሓረየልኩም " በለ ። ስለዚ ንመንእሰያት ኵሉ ኽትህብዎ ኣይትፍርሁ እብሎም ኣለኹ" ውን በለ።
ኣብ ሮማ ዚርከቡ ማሕበረሰብ ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝ
ኣብቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ቅዱስ ፓትሪክ ዝስመ ቍምስና ኣመሪካውያን ብ2025 ብዙሓት በጻሕቲ ተዛረብቂ ቋንቋ እንግሊዝ ንኽውሕዙ ምድላዋት ይግበር ኣሎ። ቍምስና ቅዱስ ፓትሪክ ምስ ኣመሪካውያን ኰይኑ ካብ ኣውስትራልያ ኬንያ ጋና ከምኡውን ሲንጋፖር ንዝመጹ ንጋድያን ሓንጐፋይ ኢሉ ክቕበሎም ኢዩ ።
እታ ቤተ-ክርስትያን ናይ ኣገልግሎታት ሰዓታታ ከተስፍሖ እያ ኣብ 2000 ዓ.ም. ካብታ ናይ መወዳእታ ዓመተ ኢዮቤል ድማ መኣረምታታት ብምርካብ ብሉጽ ዝኾከ መርሒታት ንግደት ከተዳሉ እያ። እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ብፍላይ ነቶም ምስ ጕጅለ በጻሕቲ ወይ ምስ ሰበኻታቶም ዘይመሱ ምእመናን ነጋድያን ንምዃን፣ ንግደት እንታይ ማለት ምዃኑ ግብራዊ ምኽርን መንፈሳዊ መምርሕን እተቕርብ ክትከውን ኢያ።
እቶም ትውልደ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝኾኑ ካህን ካብ ማሕበር ካህናት ቅዱስ ጳውሎስ ክቡር ኣባ ማቲው ቦርዮስ ነቲ ንግደታት ብውዕዉዕ ስምዒትን ተመክሮን ታሪኻዊ መረዳእታን ኣቢሎም ምእመናን ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ርክብ ዜደልድሉሉ ኣጋጣሚ ኸም ዝዀነ ገይሮም ገለጽዎ ።
ክቡር ኣባ ቦርዮስ ከምዚ በሉ - "ናብ ሮማ ብፍላይ ከኣ ናብቲ ዘደንቕ ኣብነት ናይ ግዜኦም ስነ-ጥበብን መንፈሳውነትን ዝዀነ ቦታታት ንግደት ክትመጹ ኸለኹም እተፈላለየ ኣብነታት ናይቲ ሰባት ጠቢቖም ዝሰዓብዎ ምልክታት ክትሪኡ ኢኹም። "ሓድሓደ ግዜ ስነ-ጥበብ ግጥሚ ከምኡውን ሙዚቃ ንትርጕምን መዳያትን እምነትና ንምግላጽ እቲ ዝበለጸ መሳርሒ ኢዩ" በሉ።
ኣቦ ቦርዮስ ብዛዕባ ፍረ ነገር ተስፋ ብምስትንታን ንካቶሊካውያን ምእመናን "ብርሃን ዓለም ኩኑ " ብምባል ንእምነቶም ንዝዓበየ ጥቕሚ ኽስዕቡ ዝጽውዖም ካትሊካዊ መንፈሳውነት ምዃኑ ገለጹ ።
"ጽውዓና ናብ ሓደ ሃረር እንብለሎ ነገር ምጕዓዝ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ናይ ተስፋ ወደብ ምዃን ኢዩ " በሉ ። "ተስፋ ብኸፊሉ በቲ ኻብ ርእስና ወጻኢ ዝዀነ ነገር እዩ ዚግለጽ። ክርስትያናዊ ጸዋዕታ ብብዙሕ መገድታት ቀሊል ኢዩ፣ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ንምቕማጥ ድማ መብራህቲ ኣይትበርህን ኢኻ" በሉ።
መገዲ ንግደት
ዓመተ እልልታ ንዓለምለኻዊት ቤተ-ክርስትያን ነታ ብውግእ እትዓኑ ዘላን እተበከለት ዓለምና ህይወት ዜሐድስ ሓይሊ ንምዃን ዝገበረቶ ቘራጽነት ንኸተሐድሶ ኣጋጣሚ ዝኸፍተላ እዩ። እታ 'ኢዮቤል' እትብል ቃል ካብታ ሓረስቶት ንኼዕርፉን ንኺሓውዩን ግራውቶም ሓዲጎም ንሓደ ዓመት ዚኣክል ዘዕርፉላ መለኸት ዝነፍሑላ ዝመጸት እያ።
ካብታ ናይ መጀመርታ ዓመተ ኢዮቤል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ 1300 ዓ.ም. እተጸንበለት ጸኒሑ ቅዱስ ዓመት ንግደት ኣብ ምድሪ ንዘሎ ህይወት ብኸመይ ብዝበለጸ መገዲ ክንከናኽኖ ኸም እንኽእል ንምስትንታን እተወፈየት ግዜን ቦታን ኰይና ኣላ። ኣብዛ ፍርያምነትን ውልቀ- ሰብነትን ብልጽቲ ዓለም ዓመተ ኢዮቤል ናብ ዝሓሸ ናይ ሓባርን ቀጻልን ኣነባብራ እያ እትጐዓዝ።
ፊሎሚኖ ሎፐዝ ካብ ጊኒ ቢሳው ዝመጸ ጸሓፍን ናይ ምሁር ሥነ መለኮትን "ካብ ንግደት ናብ ዓድኹም ክትምለሱ ኸለኹም ብሓቂ ሓድሽ ነገር ምሳኻትኩም ምእንቲ ክትማልኡ ነዚ ሓሳብ እዚ እተደልድለሉ ቦታ እዩ" በለ ። "እዚ ብፍላይ ንዓና ንኣፍሪቃውያን ዝምልከት ኢዩ፣ ከመይሲ እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ክፍሊ ህይወት ሓድነት ምዃኑ ንፈልጥ ኢና" ውን በለ።
ሎፐዝ ውን ብወገኑ ነዊሕን ኣድካምን ጕዕዞ ምግባር እውን ነቶም ስደተኛታት ድንጋጸ ከም ዝህልወካ ንምግባር ዘይንጸል ምዃኑ ገለጸ ።
ብመሰረት ሎፐዝ ከም ዝገለጾ ክርስቶስ ንባዕሉ ኻብ ሰማይ ተሰዲዱ ናብ ምድሪ መጸ፣ ተመክሮ ደቅሰብ እውን ንግዜኡ ዚግበር ጕዕዞታትን ድሕነት ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪታትን ውን ተሳሪፉ እዩ ። ስለዚ ኵላትና ኣብ ተፈጥሮ ኣጋይሽ ኢና ንቕድስና ምኽባር ከኣ የድልየና ኣሎ ።
"ባህርይ ሰብ ንግደት ምዃኑ እዩ" ውን በለ። "ዓመተ ኢዮቤል ንእተወሰነ እዋን ደው እትብለሉን ኣብ ህይወት ብሓቂ እንታይ ከም ዘድሊ እትሓስበሉን እዋን ኢዩ። ነጋድያን ከም ምዃንና መጠን ንሓጺር እዋን ኢና መጺእና ዘሎና ። ቅድሚ ምካድና ንኻልኦት እንታይ ክገድፈሎም እኽእል?" ክብል ውን ሓሳባቱ ኣካፈለ።