ፓትርያርክ ሊባኖስ፡ ኣብ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ‘ኩሉ ሰብ ተሳዓሪ’ዩ ፓትርያርክ ሊባኖስ፡ ኣብ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ‘ኩሉ ሰብ ተሳዓሪ’ዩ  (AFP or licensors)

ፓትርያርክ ሊባኖስ፡ ኣብ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ‘ኩሉ ሰብ ተሳዓሪ’ዩ

ናይ ማሮናዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ሊባኖስ ፓትርያርክ በቻራ ቡትሩስ ራይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብቕልጡፍ ተኹሲ ደው ክብል ዘቕረብዎ ጻውዒቶም የሐድሱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣብ ኲናት ኩሉ ሰብ ተሳዓሪ እዩ . . . ኵሉ ይጠፍእን ይዓንውን” እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ውግእ ደው ክብል ዘተ ክተባባዕ ዘቕርብዎ ጻውዒት ሰላም፡ ናይ ማሮናይት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ሊባኖስ ፓትሪያርክ በቻራ ቡትሩስ ራይ ሰንበት ዕለት 3 ሕዳር መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ብምዝካር፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ቶኽሲ ደው ክብል ዘቕረብዎ ጻውዒት ደጊሞም ከም ዘሐደሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኲናት ጥፍኣት እዩ . . . ንኹሉ

ፓትርያርክ ራይ ዕለት 3 ሕዳር መዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ካብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕራፍ 17 ዝተወስደ ኢየሱስ ንጴጥሮስ “መፍትሕ መንግስተ ሰማያት ክህበካ እየ” ዝበሎ ቃል መብጽዓ ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ እተን ናይ ኢየሱስ ቃላት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ስልጣን መለኮታዊ እምበር ሰብኣዊ መበቆል ከምዘይብሉ ዘረጋግጽ እዩ ቢሎም፡ ሃገራውያን ናይ ሃገራት ስልጣን ግን፡ ምንጪ ሕጋውነት ሓንቲ ሃገር ዝኾነ ድሌት ህዝቢ ዝሓርዮ ሰብኣዊ ስልጣን እዩ እንክብሉ ኣብሪሆም፥ ነዚ መትከል ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሊባኖስን ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕን ዘሎ ቅልውላው እናሓሰቡ፥

ድሌት ህዝቢ ብርግጽ ኣንጻር እቲ ሕጂ ኣብ ሊባኖስ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሂዝቦላህን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ምዃኑ ገሊጾም፥ “ዘመናዊ ኣጽዋርን ሚሳይላትን ዝጥቀሙሉ፡ ብዘይ ምሕረትን ርህራሄን፡ ናይ ምጽናት ኲናት ኣጋጢሙና ኣሎ” እንብክብሉ ጓሂኦም ገሊጾም፥ ኣስዒቦም፥ “ህዝቢ ኣንጻር እቲ ኣባይትን ትካላትን ናይ ኣምልኾ ቦታታትን ዘዕንው፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮንን ፈረቓን ሰባት ካብ መነባብሮኦም ዘመዛብልን ኩናት እዩ” ስለዝ በርገሳዊ ስልጣን ነዚ ናይ ሕዝቢ ድላይ ክውሕስ እምበር ኣንጻሩ ክኸይድ ክሕደት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከይፍጽም ንላበው” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምምዝባልን ሓቢርካ ምንባርን

ሊባኖስ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝለዓለ ሚእታዊት ህዝቢ ክርስትያን ዝኾነላ ሃገር ኮይና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ከም መብራህቲ ሰላማዊ ሓባራዊ ህይወት ትጥቀስ ከም ዝነበረት እውን ኣዘኻኺሮም፥ እዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ጃምላዊ ምዝንባል ግን፡ ንማሕበራዊ ምትእስሳር እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ፓትሪያርክ ራይ ኣብ ስብከቶም ኣጠንቂቖም . . . ኣብዚ እዋን ቅልውላው ንሊባኖስ ሓገዝ ንዝገበሩ ወጻእተይናታት ሃገራትን ትካላትን ኣመስጊኖም፥ ዓለምለኻውያን ተዋሳእቲ ድማ ተኹሲ ደው ንምባል ክሰርሑ ጻውዒት ኣቕሪቦም

“ተኹሲ ደው ዘይምባል ዝያዳ ግዳያትን ዕንወትን ምምዝባልን የስዕብ ኣሎ . . . ክሳብ መዓስ እዩ እዚ ሓደጋ እዚ ዝቕጽል . . .  እንክብሉ ብዘቕረብዎ ሕቶ ስብከቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

05 November 2024, 15:20