ቅድሚ በዓል ልደት ጳጳሳት ኢትዮጵያ ኣብ ሃገሮም ሰላም ክህሉ ይላበዉ ቅድሚ በዓል ልደት ጳጳሳት ኢትዮጵያ ኣብ ሃገሮም ሰላም ክህሉ ይላበዉ  (AFP or licensors)

ቅድሚ በዓል ልደት ጳጳሳት ኢትዮጵያ ኣብ ሃገሮም ሰላም ክህሉ ይላበዉ

በዓል ልደት ኣብ ዝቃረበሉ ዘሎ እዋን፡ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኢትዮጵያ፡ ከባብያዊ መራሕትን ምእመናንን ኣብዚ ቀጻሊ ዓሌታዊ ዕግርግርን ሰብኣዊ ቅልውላዋትን ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ኣብ ሃገሮም ምንቲ ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ክዓዩ ይላበዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኢትዮጵያ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንበዓል ልደት ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን፡ ምእመናን ኣብ “መስፍን ሰላም” ኣስተንፎ ክገብሩን ነቲ ክሳብ ሕጂ ምስ ቀጻሊ ብሄራዊ ግጭታት፡ ዘይምርግጋእ፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን . . . ሰብኣዊ ቅልውላዋት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ንሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ክጽዕሩ ተላብዮም፥

“ዘመነ ምጽኣት ነቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተወልደ ንዅሎም ደቅሰብ ዘምጽኣሎም ኢታእላው ፍቕርን ተስፋን ከምኡውን ንዅሎም ደቅሰብ ዘለኣለማዊ ሰላም ከም ዘምጽኣሎም ዝገልጽ መብጽዓ የዘኻኽረና። "ንበዓል ልደት ክርስቶስ ልብና ከነዳሉ እንኮለና ኣብ ህይወትና ገበርቲ ሰላም ንኹን" እብክብሉ ንምመናኖም ይላበዉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ንቤተ ክርስቲያን እውን ዝጸሉ ዘሎ ቀጻሊ ብሄራዊ ግጭታት

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝጸልው ቀጻሊ ናዕቢ፡ ኣብ ኣገልግሎት ጉስነት ናይቲ ከባቢ ቤተ ክርስቲያን እውን ኣሉታዊ ጽልዋ የሕድር ምህላዉ ስክፍታኦም ዝገለጹ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፥

“ብዙሓት ሰበኻታትና ዘይብጽሓ ኮይነን ኣለዋ፣ ገሊአን ድማ ክዕጸዋ ተገዲደን እየን” ኣንክብሉ ጓሂኦም ገሊጾም፥ “ማእከላት ክንክን ጥዕና ኣብያተ ትምህርትን ማእከላት ጉስነትን ሓዊሱ ትካላትና ዓንዩ፣ ሰራሕተይናታት ቤተ ክርስቲያን ድማ ኣብ ዘይውሕስነት ኩነታት ክሰርሑ ገሊኦም ድማ ብሰንኪ ስግኣትን ዘይውሕስነትን ክወጹ” ከም ተገዱን ኣመላኺቶም፥

ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ ፌደራላዊ ሓይልታት ኢትዮጵያን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ትግራይን (ህወሓት) ንኽልተ ዓመታት ዝጸንሐ ዕጥቃዊ ግጭት ኣብ 2022 ዓ.ም. ብወግዒ እኳ እንተ ተፈትሐ ነቲ ህዝቢ ዘድልዮ ግብረ - ሰናይ ንምምላእ ከምኡውን ነባሪ ሰላምን ርጉእ ምምሕዳርን ንምምላስ ቀጻሊ ጻዕሪ እውን ይሃሉ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ዅነታት ግን ኣጸጋምን ዘየተኣማምንን ከም ዝኾነን ከምኡ እውን ኣብ ዞባታት ኣምሓራን ኦሮሚያን እውን በቲ ኸቢድ ኣብ ግብረ - ሰናይን ሰብኣዊ መሰላትን ስክፍታ ክህሉ ዝገብር ዘይምርግጋእን ግጭትን ዝተተንከፈ እውን ምዃኑ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብ መልእኽቶም የመላኽቱ።

ጻውዒት ሰላምን ዕርቅን

ኣብ ቅድሚ እዚ ብድሆታት ጳጳሳት ኢትዮጵያ ደጊሞም ዘተ ሰላምን ዕርቅን ከምዘድሊ ኣጒሊሖም። "መስፍን ሰላም፡ መሳርሒታት ኲናት፡ ዕንወት፡ ምፍልላይን ጽልእን ገዲፍና፡ ኣብ መንጎ ኩሉ ህዝቢ ኣብ ምህናጽ ሰላም፡ ፍትሕን ሓድነትን ክንዋፈር ይዕድመና - ቢሎም - መልእኽቲ ምጽኣት ነዚ ተሪር ክውንነት ብቕንዕናን ርህራሄን ክንገጥሞ ይላበወና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

እምበኣር፡ ኣብ መላእ ሃይማኖታዊ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ጽላታት ንዝርከቡ መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ሓቀይና መሪሕነት “ኣብ ምስማዕ፡ ኣብ ምድላይ ሓቂ፡ ከምኡ’ውን ንሓባራዊ ረብሓ ዘይሕለል ህርኩት ጻዕሪ ኣብ ምግባር ከም ዝረአ ብምዝኽኻር፡ “ንዘተ፡ ፍትሕን ሰላምን” ቀዳምነት ክህቡ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡

ኣብ ግጭት ዝተዓብለለ ከባቢታት ዘተ ንምሽምጋል ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ መዓልታዊ ይቕሬታን ዕርቂን ምልምማድ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጽኒዖም።

ርህራሄ ነቶም ዝሳቐዩን ዝሓዝኑን

ኣብ ርእሲ እዚውን ምእመናን ብፍላይ ነቶም ዝሳቐዩ ርህራሀ ብምርኣይ መንፈስ ክርስቶስ ከንጸባርቑ ጻውዒት ኣቕረበሎም። "ኣብ ዘመነ ምጽኣት ሽምዓ ተስፋን ሰላምን ሓጐስን ፍቕርን ከነብርህ እንኮለና ነቶም ዚሳቐዩ ነቶም ዜፍቅርዎም ዝሰኣኑን ከምኡውን ነቶም ጽባሕ ዝጸልመቶ ሰባት ቦታ ንህብ፥ . . . ብርሃን ክርስቶስ ንኢትዮጵያውያን "ነቶም ኣብ ስምዒትን ስነ - ኣእምሮኣውን መዳይ ዝቘሰሉ ተስፋን ምሕዋይን ንምምጻእ" ከምኡውን ንህዝቦም መብራህቲ ተስፋን ሰላምን ሓድነትን ክኹልዑ ንምግባር ዝመርሖም ክኸውን ተስፋ ንገብር እንክብሉ መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

26 December 2024, 09:51