ድለ

ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ሶርያ ሰላማዊ ምስግጋር ውሑስ ክኸውን ይጣበቑ ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ሶርያ ሰላማዊ ምስግጋር ውሑስ ክኸውን ይጣበቑ 

ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ሶርያ ሰላማዊ ምስግጋር ውሑስ ክኸውን ይጣበቑ

ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ሓደስቲ መራሕቲ መንግስቲ ሶርያ ንወገናውነትን ጽንፈይናነትን ክነጽጉን መሰል ህዳጣን ክፍሊ ሕብረተሰብ ክሕልዉን ይላበዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሶርያ ኣብ ታሪኻ ወሳኒ ምዕራፍ ኣብ እትጅምረሉ ዘላ እዋን፡ ኤውሮጳውያን ጳጳሳት፥ “ስርዓትን ሰላማውን ምስግጋር ስልጣን” ክልህሉ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፥ ሓደስቲ ሰበ - ስልጣን እታ ሃገር “ንዞባ ማእከላይ ምብራቕ ዘሀብትሙ ብዙሓት ሕዳጣን ብሄራትን ሃይማኖታትን ዘለወን ኣበርክቶን ፍሉይ መንነቶምን እናሓቖፉ ንወገናውነትን ጽንፈይናነትን ክነጽጉ” ኣብቲ ዕለት 11 ታሕሳስ ሽማግለ ጉባኤ ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ (COMECE) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ተላብዮም፥ ኣብ ሶርያ ሓይልታት ዓመጽቲ ንርእሰ ከተማን ካልኦት ኣብ ፖለቲካዊ ኣቀምምጣ መልክዓ ምድሪ ኣገደስቲ ዝኾና ከተማታትን ከም እተቖጻጸሩን ነዚ ምዕባለታታ እዚ እውን ብቐረባ ይከታተልዎ ከም ዘለዉ ኣስሚሮም፥

ህዳጣን ሃይማኖት ክኽበራ

ድሕሪ ውድቀት መንግስቲ ባሽር ኣል - ኣሳድ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ወፍሪ እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሃያት ታሂር - ኣል - ሻም (HTS)ን መሻርኽቱን፡ እቶም ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሓደስቲ ሰበ - ስልጣን ሶርያ “ናይ ህዳጣን ሃይማኖት መቕደሳቶምን መካነ ንድግደታትን” ክሕልዉ ጸዊዖም፡ ነቶም ኣብ ጽንኩር ሰብኣዊ ኩነታት ንዝርከቡ ብዘይ ኣፋላላይ ተበጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ውሑስ ክኸውን ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መልእኽቲ ካብ ኣቦ መንበር ሽማግለ ኣባይቲ ምኽሪ ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ

ቅድሚ ውድቀት ስርዓት ባሽር ኣል - ኣሳድ ዕለት 7 ታሕሳስ 2024 ኣቦ መንበር ሽማግለ ኣባይቲ ምኽሪ ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ጳጳስ ማርያኖ ክሮቻታ ኣብ ሶሪያ ምስ ናይ ማሮናዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ክቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣለፖ ሊቀ ጳጳሳት ጆሴፍ ቶብጂን ምስ ካልኦት ኩሎም ጳጳሳት ኣቢያተ ክርስቲያን ኣለፖ ከም እተራኸቡን ቅርበት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኤውሮጳ ኣረጋጊጾም፥ "ንስኻትኩም ጳጳሳትን ምእመናንኩምን ኣብቲ ትጻወርዎ ዘለኹም ዘይተኣደነ ስቓይን ዘይርጉጽነትን ብሓድነትን ርህራሄን ብዓሚቕ ስክፍታን ኣብ ጎድንኹም ኢና” ቢሎም፡ ብተወሳኺ ሽማግለ ኣባይቲ ምኽሪ ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ንጠለባት ህዝቢ ሶርያ ንምጉስጓስ ዘለዎ ተወፋይነት ኣስሚሩ፣ ንቕሓት ንምዕባይን ጸጋታት ንምውዳብን ዘለዎ ተወፋይነት ደጊሙ ብምርግጋጽ፣ ኣብ ዳግመ ህንጸት ኣባይቲ፣ ዝተመዛበሉ ናብ ንቡር መነባብሮ ምምላስ፡ ከምኡ እውን ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ነተባብዕ ደገፍና እውን ነረጋግጽ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

12 December 2024, 15:30