ኣባ ፓተን ኣብ ቤተልሄም፡ ኩናት እውን እተቐጸለ ተስፋ ከይነጥፍእ ሓደራ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ቅድስቲ መንበር ቅዱሳን ስፍራን ንብረትን ዓቃቢ ኣባ ፍራንቸስኮ ፓቶን ኣብታ ምስ ባዚሊካ ደብረ ልደት እትዳወብ ቤተክርስትያን ቅድስቲ ካትሪና ስረዓተ ቅዳሴ ሰንበት ንመኽፈቲ ዘምጽኣት ከም ዝሰርዑን፥ እዚ ዕለት 1 ታሓሳስ ናብታ ኢየሱስ ዝተወልደላ ከተማ ፍልስጥኤም - ቤተ ልሄም ቅድም ብሓለዋ ጸጥታ እስራኤል ድሕሪኡ ድማ ብሓለዋ ጸጥታ ፍልስጤም ተዓጂቦም ምስ ኣተዉ በታ ከተማ ሰበ ስልጣንን ነበርትን ምዉቕ ኣቐባብላ ከም እተገበረሎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ቤተልሄም ብኲናትን ቁጠባዊ ጸገማትን ዝተለለየ ጽኩር ሃዋህው
በዓለ ልደት እቲ ካብ 2023 ዓ.ም. ኣትሒዙ ኣብቲ ከባቢ ዝተፈጥረ ዳግማይ ዓመጽ ክጽለው ንኻልኣይ ግዜ ክኸውን እንከሎ እዚ ንህዝቢ ቤተልሔም ኣብ ሞንጎ ቀጻሊ ኲናትን ቁጠባዊ ጸገማትን ተኸቢቦም በዓለ ልደት ከብዕሉ ክቀራረቡ ምርኣይ ብሓቂ ልቢ ዝትንክፍ እዩ . . . መስህብ በጻሕቲ - ኣገዳሲ ምንጪ መነባብሮ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ግጭት ካብ ዝጅምር ንደሓር ከም እተቛረጸን፣ ባዚሊካ ደብረ ልደቱ ባዶ በጻሒ ዘይብሉ፣ ናይቲ ከባቢ ትካላት ንግዲ ተዓጽዩ፣ ነበርቲ ድማ፣ ነቲ ፈላላይ መንደቕ ሰጊሮም ኣብ ኢየሩሳሌም ክሰርሑ ዘይክእሉሉ ኮይኑ እቲ ከባቢ ኣብ ጽንኩር ኩነታት ከም ዘሎን ብርግጽ ኣብ ቤተልሄም ዘሎ ሃዋህው ጽንኩር እኳ እንተኾነ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን እቲ ኣብ ዕጽው ዝተኻየደ ኣብ ቓዘ ዘተ ተኹሲ ደው ምባልን ምፍታሕ ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያንን ዝብል ሓድሽ ጻዕርታት ሓድሽ ተስፋ ከበራብር ናይ ኵሉ ተስፋ እዩ።
ኣባ ፓቶን ዕለት 1 ታሕሳስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከት፥ ነዚ ተስፋ እዚ መሰረት ገይሮም፥ “ተስፋ ፈጺምኩም ኣይትስእኑ፡ ብፍላይ ዓለም ንተስፋ ካባና ክትቅንጥጥ ትቃለስ ኣብ እትመስለሉ እዋን” ቢሎም ነቶም ኣብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ንዝተሳተፉ ምእመናን ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓመተ ኣብ ዝኣወጅሉ ሰነድ፥ "ተስፋ ክዕቅቡን ክዝርግሑን ከምኡውን ነጋዲያን ተስፋ ክዀኑ" ተማሕጸኖም። ኣብ ቅድሚ “ክፍኣት፡ ተስፋ ምቑራጽ፡ ሕማም፡ እዚ ዘጨንቐናን ዘቑስልን ዘስካሕክሕ ኲናትን . . . የዕንትና ናብ ላዕሊ ክጥምታት ልዕል ካብ ምባል ሓሊፍና ካልእ ኣማራጺ የብልናን . . . ከምቲ ኢየሱስ ዝእምቶ ክንጥምትን ክንጽልን ክንመሃር” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።