ጳጳሳት ደቡብ ኣፍሪቃ፥ ሓድነትን ሓቛፍነትን ተሳትፎን ዘዕቢ ዓመት ኢዮቤል ክካየድ ጻውዒት የቕርቡ
ዕለት 29 ታሕሳስ ሓያሎ ሃገረ ስብከታት ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ደቡብ ኣፍሪቃ (SACBC) ምስ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስቲ ስድራ ቤት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ከም ዝጸምበሉ ሺላ ፒረስ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊት ትሕብር።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ሰበኻ ብሎአምፎንተይን ሊቀ ጳጳሳት ዞሊለ ምፓባኒ ናይ ሰበኻ ታዛኒን ጳጳስ ዥዋው ሮድሪግዝን ንቫቲካን ዜና ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ዓመተ ኢዮቤል ሓድነትን ንኹሉ ዝሓቁፍን ንጡፍ ተሳትፎን ንምዕባይ ከም ኣብነት ኮይኑ ዘገልግል ምዃኑ የስተብህሉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ሃገረ ስብከት ኮክስታድን ኲንስታውንን ጳጳሳት ቱላኒ ቪክቶር ምቡይሳን ሲፊዎ ጳውሎስ ቫንካን ንህዝቢ እግዚኣብሔር ኣብ ማሕበረሰቦም ናይቲ ናይ ዓመተ ኢዮቤል ልኡኽንት መንፈስ“ፍልፍል ተስፋ” ብምዃን ከንጸባርቑን ከነብሩ ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ሸይላ ፒረዝ ዘመሓላለፈቶ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ
ሽምዓታት ዓመት ኢዮቤል
ሃገረ ስብከት ዓሊዋል ሰሜን መኽፈቲ ዓመት ኢዮቤል ንመንእሰያት ዝተወፈየ ኮይኑ፥ ጳጳስ ዮሴፍ ማርያም ኪዚቶ ከም ዝበልዎ፡ ዓመተ ኢዮቤል ንመንእሰያት ብመንፈሳውን ብስምዒትን ንምስናይ ዝሕግዝ ዕድል እዩ።
ወከልቲ ሰበኻታት ናይተን ሰንበት ዕለት 29 ታሕሳስ ዓመት ኢዮቤል ዘበገሳ ሃገረ ስብከታት ብናይቲ ከባቢ ቋንቋታት ዝተተርጐመ ናይ ኢዮቤል ሽምዓን ጸሎት ኢዮቤልን ከም እተዓደሎምን እተን ዝተረፋ ሃገረ ስብከታት ዞባ ሳክቢሲ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥሪ 2025 ዓመት ኢዮቤል ክጅምራ ትጽቢት ከም ዝግበር የመላኽት።
31 December 2024, 16:36