ሓገዝ ንማሕበረሰብ ክርስትያን ሶርያ ይቕጽል ኣሎ ሓገዝ ንማሕበረሰብ ክርስትያን ሶርያ ይቕጽል ኣሎ  (ANSA)

ሓገዝ ንማሕበረሰብ ክርስትያን ሶርያ ይቕጽል ኣሎ

ኣብ ሊባኖስን ሶርያን ምስርን ኣመሓዳሪ ጳጳሳዊ ተልእኾ ወንጌል ሚሸል ኮንስታንቲን ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅነታት ምስቶም ኣብ ሶርያ ዘለዉ መሳርሕቶም ብምርኻብ ብዛዕባ ህልው ኵነታት ክርስትያን ማሕበረሰብ እቲ ዞባ ከም እተመያየጠ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብታ ሃገር ናዕቢ እኳ እንተተራእየ ሰብኣዊ ሓገዝን ጉስነታዊ ደገፍን ኣብ ሶርያ ንዝርከቡ ማሕበረሰብ ክርስትያን ይበጽሕ ከምዘሎ ኮንስታንቲን ዕለት 10 ታሕሳስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ሓቢሩ፡ ምስቶም ኣብታ ከባቢያዊት ቤተ ክርስቲያን ዘለዉ ብጾቱን ካልኦት መሻርኽቲ ትካላት ግብረ ሰናይ ከም ዝራኸብን ህልው ኩነታት ማሕበረሰብ ክርስቲያን ርጉእ ምዃኑ ከም እተሓበሮ ገሊጹ፡ ኣብ ሶርያ ዝርከብ ማሕበረሰብ ክርስትያን ኣብ ፈለማ ዕለት 8 ታሕሳስ ውድቀት ስርዓት በሽር ኣል ኣሳድ ዝተሓዋወሰ ስምዒታት ፈጢሩሎም ዝነበረ እውን እንተኾነ፡ ሕጂ ግን እቲ ኩነታት ክመሓየሽ ተስፋ ከምዘለዎም ኮንስታንቲን ኣፍሊጡ፥ እዚ እውን ብላዕለዎት ኣካላት ናይቲ ዞባ ኣቢያተ ክርስትያን ዝተረጋገጸ ምዃኑን እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓድሽ ስልጣን ንኹሎም ዜጋታት፡ ብፍላይ ድማ ንክርስትያንን ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብን” ኩለ መዳያዊ ሓለዋ ንምሃብ ቃል ከም ዝኣተው ይሕብር።

እቲ ዘሎ ሓድሽ ስርዓት ንሰበስልጣን ቤተ ክርስቲያን እውን “እቶም ነቲ ዘሎ ኩነታት ተጠቂሞም ንዝምታን ዓመጽን ዝዋፈሩን ሁከት ዝመልኦ ተግባራቶምን ነቲ ዘሎ ዘይርጉእ ሁከት ብምጥቓም ዝፈጥርዎ ማሕበራዊ ውጥረት ኣብ ቀረባ እዋን ክቆጻጸር ምዃኑ ከም ዝሓበሮም ገሊጹ፥ ሰለስተ ፓትርያርክ ሶርያ ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ብግልጺ ብምዝራብ ጻዕርታት ንምውህሃድን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ደው ንምባልን ወሳኒ ምዃኑ ብምሕባር ኣብዚ መዳይ እዚ ኩሉ ክሓብር ጻውዒት ከም ዘቕረቡን ኣብ ኣንጽዮኪያ ናይ ሶርያ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ ዮሓንስ 10፡ ናይ መላእ ምስራቕ ሶርያዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ኤፍረም ዳግማዊ ካሪን ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል መልካዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ጆሰፍ ኣብሲ፥ “ኣገዳስነት ምዕቃብ ህላወ ክርስትያንን ምድጋፍን ክብርታት ዜግነትን ሓቢርካ ምንባርን” ከም ዘጉልሑ ዘ ኦርቶዶክስ ታይምስ እተሰምየ መርበብ ሓበሬታ ዕለት 11 ታሓስ ከም ዘፈለጠን ኮንስታንቲን ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ኣል ኣሳድ ኣብ ሶርያ ዘሎ “ሓድሽ ኩነታት” ኣብ መንጎ ሰለስተ ጉጅለታት “ተኣፋፊ ሚዛን” ከም ዘሎ ሓቢሩ፥ ካብዚኦም እቶም ዓበይቲ ከተማታት ሓዊሱ ኣስታት 65 ሚእታዊት መሬት ሶርያ ዝቆጻጸሩ ዘለዉ ዓመጽቲ፣ ኣብ ሰሜናውን ምብራቓውን ዞባታት ኣስታት 30 ሚእታዊት መሬት ሶርያ ዝቆጻጸሩ ኩርዳውያንን ኣብ ደቡባዊ ዶብ ዝርከብ ካልእ ጉጅለ ዓመጽቲ ነቲ ውሑዳን ድሩዛውያን ዝነብርሉ ከባቢታት ይቆጻጸር ምህላውን እስራኤል ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን እዚ ነዚ ዞባ ሰጊራ ኣብቲ ዶብ ትሽዓተ ማይል ዝንውሓቱ ናይ መከላኸሊ ዞባ ከም ዝፈጠረትን እዚ ኩነታት እዚ ነሓድነት እታ ህገር ዕንቅፋት ከይክውን ኣቢያተ ክርስቲያናት ድምጸን የስምዓ ከም ዘለዋን “ሕጂ እቲ ሓቀይና ብድሆ ብሓቂ መስርሕ ሰላም ምስዓብን ዕዉት ኣተገባብራ መሰጋገሪ መንግስቲ ምርግጋጽን ዝብል ምዃኑ ኮንስታንቲን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ይሕብር።

ዕለ.ት 10 ታሕሳስ እስላማዊ ጉጅለ ዕጡቓት ሃያት ታሕሪር ኣል ሻም (H.T.S.) ንመሰጋገሪ መንግስቲ ሶርያ ክመርሕ መሓመድ ኣል በሽር ሓድሽ መራሔ መንግስቲ እንክብል ከም ዝሾመን እዚ ብዘይ ምምኽኻር ሃገራዊ ባይቶ ዝተገብረ ሽመት፡ “ኣብ ሶርያ ሓድሽ ወተሃደራዊ ሓይሊ ነቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ይቆጻጸሮ ከም ዘሎ ዘመላኽት እዩ፥ እቲ ወተሃደራዊ ጕጅለ ከም ጨንፈር ኣል - ቃይዳ መጠን "ሃይማኖት ንዘማእከለ ፖለቲካዊ ጥርናፈኡ መበቈሉ ከም ዝኾነ ፈጺሙ ኣከሓደን፡ ስለዚ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ሶሪያ ሰላማዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም ጸቕጢ ክገብር ኣለዎ፡ እንተዘይኮኑ እቲ ዝርአ ዘሎ ፖለቲካዊ መስርሕ ኣብ መወዳእታ ብሓደ ወገን ዝምራሕ ሓዱሽ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽ ቅዋም ክቕይርን በቲ ካልእ ወገን ድማ መሰል ውሑዳት ንምዕቃብ ዝመርሕ ኮይኑ ዝቕጽል ብሕታዊ ስልጣን እዩ ዝኸውን . . . ዜጋታት እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ "ምስ ኩሎም ፖለቲካዊ፡ ሃገራውን ሃይማኖታውን ክፍልታት ሕብረተሰብ ሶርያ" ስልጣን ክካፈል ድዩ ኣይክካፈልን ንምርኣይ ይጽበዩ ከምዘለዉ ወሲኹ ዝሓበረ ኮንስታንቲን፥ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ዘሎ ዘይተረጋገአ ህልው ኩነታት ዘስዕቦ ዘሎ ምጉዳል ዋጋ ባጤራ ሶርያ፡ ነቶም ተቓላዕቲ ሶርያውያን ዝያዳ ናብ ድኽነት የእተዎም ከም ዘሎን ጉድለትን ስእነትን መሰረታዊ ቀረብ ሕይወት የዛይድ ከም ዘሎን ብጀካ ኣብ ኣለፖ ኣብ ኩለን ከተማታት ዝበዝሐ ኣባይቲ መሸጣ ይዕጸው ከም ዘሎ እውን ኣመላኺቱ፥ እቲ ዘሎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቁጠባውን ከይድታት ንዕጫ ሓድሽ ሶሪያ ብኸመይ ከም ዝቐርጽን. . . ብርግጽ ኩሉ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝኸውን ኣይኹን ኣንፈት ኩለ መዳያዊ ህልው ምዕባለታት ብጥንቃቐን ብዕምቆት ምክትታል የድሊ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

17 December 2024, 16:36