ድሕሪ ኣል ኣሳድ፡ ክርስትያን ሶርያ ኣብ 'ዳግማይ ልደት' ሃገር ተስፋ ኣለዎም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት፡ ሓይልታት ዓመጽቲ ንሰፊሕ ከባቢታት ሶርያ ብዘገርም ናህሪ እናተቖጻጸረ ንቕድሚ ብምባል ዕለት 8 ታሓሳስ ንደማስቆ ብምቁጽጻር ናይ 53 ዓመት ምሕደራ ኣሳድ ከም ዝዓለዉን ስርዓት ኣሳድ መብዛሕትኡ ግዜ ከም ተሓላቒ ውሑዳት ሃይማኖታውያን ኮይኑ ይቐርብ ስለ ዝነበረ ድማ ናይ ህዳጣን ክፍሊ ሕብረተሰብ ሶርያ - ድሩዛውያን፡ እስማዒላውያን፡ ክርስትያን፡ ኩርዳውያንን ካልኦትን ኩነታት ከመይ ክኸውን እዩ ዝብል ጉዳይ ዓቢ ሕቶ ኮይኑ ከም ዘሎን፥ ነዚ መሰረት ብምግባር፥
ግዴታ ማሕበረሰብ ዓለም
ኣብ ኣለፖ ናይ ላቲን ስርዓት ናይ ዝኽተል ሰበኻ ካህን ፍራንቸስካዊ መነኮስ ኣባ ባጅሃት ካራካች ምስ ቫቲካን ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ክርስትያን ማሕበረሰብ ሶሪያ “ከም ኩሎም ሶርያውያን” “ኣብ ትሕቲ እቲ... ስርዓት"፣ "ልምዓት፣ ቁጠባዊ ዕብየት" ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ብሓባር ዝተሳቐየ እዩ . . . እቶም ዓመጽቲ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት፡ ዝተመንዝዐ ንብረት ምምላስ ሓዊሱ፡ ንክርስትያን ዝያዳ ምጽውዋር ከምዘርኣዩ ኣስተብሂሎም። ንኣሌፖ ሒዞም ናብ ደቡብ ምስ ገዓዙ፡ ንኹሎም ውሑዳት ጉጅለታት፡ እንኮላይይ ንክርስትያን "ኣዝዩ ሓያል ናይ ምጽውዋር መልእኽቲ" ከም ዘመሓላለፉን . . . ብተወሳኺ ማሕበረሰብ ዓለም “ነታ ሃገር ንምርግጋእ እጃሙ ከበርክትን ከምኡ’ውን ሶርያውያን መሰላት ኩሉ ዘኽብር ሓድሽ ቅዋም ንኸማዕብሉ ክሕግዞም” ግዴታ ከምዘለዎ ኣስሚሮም፥ እዚ ተስፋና’ እዩ” ኩነታት ከመይ ከም ዝኸውን ንርእዮ ጉዳይ ይኸውን . . . ኢሎም።
ከምኡ እውን ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ናይ ኣለፖ ዓቃቤ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ሃና ጃሉፍ ምስግጋር ስልጣን ብዘይ ደም ምፍሳስ ዝተፈጸመ ብምዃኑ ብሓቂ ንኣምላኽ ነመስግን . . . “ክርስትያንን ንብረቶምን ከምዘይትንከፍ፡ ከምኡ’ውን [እቶም ዕጡቓት] ንኹሉ ሕጋዊ ሕቶታትና ከምዘማልኡ ይሕብሩ ኣለዉ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቃሎም ዝጸንዑ ኮይኖም ኣለዉ፡ ንክርስትያን ድማ ክም ዜጋታትን ደቂ ሃገርን ከም ዘኽብርዎም መረጋገጺታት” ከምዝሃቡ ይሕብሩ።
ተስፋ 'ውዱእ ዳግመ ልደት'
ናይ ላቲን ስርዓት ዝኽተል ናይ ሰበኻ ደማስቆ ካህን ኣባ ፍራስ ሉትፊ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ውድቀት እቲ ስርዓት “ኣብ መዓልቲ በዓል ንጽሑ ፍልሰታ ለማርያም ዝተራእየ ፍጻሜ ህያብ ገርና ንርእዮ፡ እዚ ድሕሪ 53 ዓመት ምልካዊ ስርዓት ዝመጸ ለውጢ እዩ . . . እዚ ሕጂ ዘሎ ህሞት “ዳግማይ ልደት ሶርያ ዝበዓለሉ እዋን ክኸውን ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፥ ብፍላይ እቶም ብዙሓት ወጻእተይናታት ኣባላት እቶም ኣንጻር ኣሳድ ዝተቓለሱ ሓዊሱ ሕጂ ስልጣን ዝሕዙ ዘለዉ ዕጡቓት ጉጅለታት - ብዛዕባ መጻኢ እታ ሃገር ኣገደስቲ ሕቶታት ክሕተቱ ከምዘለዎም ኣመልኪቶም – “ብርግጽ ነታ ሃገር ናብ “ሓቀይናን ውዱእን ዳግመ ልደት፡ ደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ዝነገሰላ፡ ከምኡ’ውን ካብ ኩሉ ሃይማኖታትን ብሄራትን ዝመጹ ሶርያውያን ዝኽበሩላ ሃገር ክትቀውም ንምነ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።