ካቶሊካውያንን ቡድሃውያንን መራሕቲ ብሓባር ንነፍስሄር ካርዲናል ኣዩሶ ይዝክሩ ካቶሊካውያንን ቡድሃውያንን መራሕቲ ብሓባር ንነፍስሄር ካርዲናል ኣዩሶ ይዝክሩ 

ካቶሊካውያንን ቡድሃውያንን መራሕቲ ብሓባር ንነፍስሄር ካርዲናል ኣዩሶ ይዝክሩ

ኣብ ታይላንድ ሓያሎ መራሕቲ ቡድሃን ካቶሊክን ባንኮክ ኣብ ዝርከብ ውሩይ ቤት መቕደስ ሃይማኖት ቡድሃ ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዕለት 25 ሕዳር ዝዓረፉ ነፍስሄር ካርዲናል ሚገል ኣንኸል ኣዩሶ ጊክሶት ህይወትን ሕድርን ንምዝካር ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነፍስሄር ካርዲናል ሚገል ኣንኸል ኣዩሶ ጒይክሶት፡ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ህይወትን ሕድርን፥ ኣብ ታይላንድ መራሕቲ ሃይማኖታት ካቶሊክን ቡድሃን ዕለት 1 ታሕሳስ ኣብ ዋት ፍራ ቸቱፎን ዊሞንማንግላራርም ራትቻዎራማሃዊሃን ዝስሙ ሓደ ካብቶም ፍሉጣት መቕደስ ቡድሃውያን ባንኮክ ብሓባር ስነ ስርዓት ዝኽሪ ከም ዝተፈጸመ ሊካስ እተሰምየ ኣገልግሎት ዜና ዝሃቦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲክን ኣስዒቡ፥ እዚ ዝተኻየደ ፍጻመ ኣብ መንጎ ካቶሊካውያንን ቡድሃውያንን ማሕበረሰባት ታይላንድን ዘሎ ዓሚቝ ምትእስሳር ዘጉልሐ ኮይኑ፡ እዚ ምትእስሳር’ዚ ነፍሰሄር ካርዲናል ኣዩሶ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ምርድዳእ ንምምዕባል ዝገበርዎ ዘይሕለል ተወፋይነት ዘደልደሎ እውን ምዃኑ ኣመላኺቱ፥ ናይቲ ቤተ መቕደስን ገዳምን ቡድሃ ዋት ፍራ ቸቱፎን ኣበ ምንየት ሶምደት ፍራ ማሃ ቲራቻን ነቲ ንዝኽሪ ነፍሄር ካርዲናል ኣዩሶ ዝተኻየደ መንፈሳዊ ስነ - ስርዓት ከም ዝመርሑ ኣፍሊጡ።

ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ታይላንድ ኣቡነ ጆሴፍ ቹሳክ ሲሪሱት ንወንጌል ቅዱስ ዮሓንስ ብምጥቃስ “ዘርኢ ስርናይ ናብ ምድሪ ወዲቓ እተዘይሞተት ኣይተፍርን” ዝብል ምሳሌ መሰረት ገይሮም ነፍሰሄር ካርዲናል ኣዩሶ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምትእስሳር ክህሉ ዝገበርዎ ጻዕሪ ነባሪ ውርሻ ምዃኑ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

እቲ ፍጻመ ንናይ ካርዲናል ኣዩሶ ናይ ህይወት ተልእኾ ልቢ ዝትንክፍ መዘኻኸሪ ከም ዝነበረን፣ ንመነኮሳት ቡድሃን ካቶሊካውያን ካህናትን ኣብ ሓደ ኣኪቡ ዘሎ ሓድሕዳዊ ምክብብባር ዘረጋግጸ ስነ ስርዓት እዩ . . . ካርዲናል ኣዩሶ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ኣብ ዝግበር ዘተ ዓለም ለኻዊ መራሒ እዮም ነይሮም። ኣብ ወርሒ ሕዳር 2022 ዓ.ም. ኣብ ታይላንድ 150 ልኡኻት ኣሳቲፉ ዝተኻየደ ሻብዓይ ናይ ቡድሃን ክርስትያንን ዓውደ ዘተ ዝተሳተፉን መደረ ዘስምዑ ምንባሮም ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኣብ ስጳይና ዝተወልዱ ኮምቦናዊ ካርዲናል ኣዩሶ፡ ህይወቶም ንሓባራዊ ዘተ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብ ምትብባዕ ዘወፈዩ። ኣብ ግብጽን ሱዳንን ልኡከ ወንጌል ኮይኑ ዘሕለፍዎ ተመክሮ ኣረኣእያኦም ከም ዘህብተመሎምን፡ ዝምድና ክርስትናን ኣስላምን ኣብ ምዕባይ ቀንዲ ተዋሳኢን ኣብ ትሕቲ መሪሕነቶም ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት እቲ ኣብ ኣቡ ዳቢ ብናይ ምስሪ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣሕማድ ኣል ጣይብን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ዝተኸተም  ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነት 2019 ዓ.ም. ኣብ ናይ ምኽታም ስነ ስርዓት ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘሰነዩ ኣብ ዝበዝሑ ኣስላም ዝነብሩለን ሃገራት ኣብ ዝገበርዎ ታሪኻዊ ምብጻሕን ክርስትያን ውሑዳት ኣብ ዝኾኑሉ ዞባታት ሰላምን ምርድዳእን ክህሉ ዝተጣበቑ፡ ንሓድነት ዝገበርዎ ጽኑዕ ተወፋይነት ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከቡ ማሕበረሰባት ሃይማኖታት ዘይሃስስ ኣሰር ከም ዝሓደገን ታይላንድ ብዕረፍቲ ካርዲናል ኣዩሶ ኣብ እትሓዝነሉ ዘላ እዋን፡ ካቶሊካውያንን ቡድሃውያንን ንመጻኢ ወለዶታት ከነቓቕሑ ተስፋ ብምግባር፡ ነቲ ካርዲናል ኣዩሶ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ንስኒት ዝገበርዎ መስተንክር ኣበርክቶ ከኽብሩ ጻዕሪ ክገብሩ ከም እተማባጽዑ ኣፍሊጡ።

04 December 2024, 16:44