ድለ

2024.04.18 ናይ ሞት ፍርዲ ናብ ዓመታት ማእሰርቲ ምቕያር 'ንህይወት ሰብ ምኽባር' ዘርኢ ተግባር እዩ 2024.04.18 ናይ ሞት ፍርዲ ናብ ዓመታት ማእሰርቲ ምቕያር 'ንህይወት ሰብ ምኽባር' ዘርኢ ተግባር እዩ  (Vatican Media)

ናይ ሞት ፍርዲ ናብ ዓመታት ማእሰርቲ ምቕያር 'ንህይወት ሰብ ምኽባር' ዘርኢ ተግባር እዩ

ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሊቀ ጳጳሳት ቲሞትይ ብሮልዮ ርእሰ ብሔር ጆ ባይደን ን37 እሱራት ብፌደራል ኣባይቲ ፍርዲ ሞት ዝተፈርዶም ናብ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክቕየረሎም ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ዝተሰምዖን ሓጎስ ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት (USCCB) ኣቦ መንበር ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ሊቀ ጳጳሳት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ሕብራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ርእሰ ብሔር ባይደን ዝወሰዶ ስጉምቲ ምስቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ታሕሳስ ኣብ ክብረ በዓል ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ምእመናን "ስለ እቶም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሞት ዝተፈርዱ እሱራት ክጽልዩን . . . እቲ ተበየኖም ናይ ሞት ፍርዲ ናብ ናይ ማእሰርቲ ዓመታት ክቕየረሎም ንጸሊ

“ፍርዶም ክስረዝ ወይ ክቕየር ንጸሊ። ነዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን እናሓሰብና ካብ ሞት ዘድሕኖም ጸጋ ካብ ጐይታ ንለምን”

እንክብሉ ምስ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ዝሰማማዕ እዩ . . . ር.ሊ.ጳ. ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. Spes Non Confundit - ተስፋ ኣይተሕፍርን እያ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘመሓላለፍው ናይ ኣዋጅ ሰነድ፥ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ከም ምስራዝ ናይ ወጻኢ ዕዳ ንድኻታት ሃገራትን  ምውጋድ ናይ ሞት መቕጻዕትን ዝኣመሰሉ ስጉምትታት ኣብ መላእ ዓለም ክረጋገጽ ከም ዝሓተቱ ይዝከር።

ሊቀ ጳጳሳት ብሮሊዮ፡ ብንጹር፡ ርእሰ ብሔር ባይደን ሎሚ ንሞት ዝተፈርዱ እሱራት ምሕረት ገይሮም ናብ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክቕየረሎም ዘመሓላለፎ ውሳኔ እንታይ ግብረ መልሲ ትህብሉ?

ርእሰ ብሔር ባይደን ንሕቶ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስን ካልኦት ብዙሓት ሰባትን ነዚ ንህይወት ደቂ ሰባት ምኽባር ዘርኢ ምልክት ክገብር ንዝቐረበሉ ምሕጽንታ ብምቕባሉ ኣዝየ ሕጉስ እየ . . . በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነቲ ርእሰ ብሔር ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣዝየ አመስግን፡ ብርግጽ ድማ ንናይ ርእሰ ብሔር ስልጣኑ ብቑዕ ዘብሎን ዝምጥን ተግባር እዩ።

ከምኡ’ውን ካቶሊካውያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክብሪ ደቂ ሰባት ንምዕባይ እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ? ክሳብ ሕጂ ኣብ ሞት ዝተፈርዱ ብዙሓት እዮም። ናይ ሞት መቕጻዕቲ ንምውጋድ ብትግሃ ንምንቅስቓስ እንታይ ክግበር ይከኣል?

ካብ ምጽናስ ክሳብ ተፈጥሮኣዊ ሞት ህይወት ክኽበር እንካይዶ ጎስጓሳት ክንቅጽል ኣለዎ። እዚ ንሕና ንደግፎን ብዛዕባ እዚ እውን ድምጽና ከነስምዕ ይግባእ። ብርግጽ ገበናዊ ንጥፈታት ዘወዓውዕ ሰብ የለን፡ እንተኾነ ግን ንሕብረተሰብ ክከላኸል ዝኽእል ስርዓታት ኣለና ክንብል ንኽእል። ስለዚ ድማ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም ዘሰንብድ ገበን ንዝፍጽሙ ገበነይናታት ምቕታል ከነቋርጽ ኣሎና

ዓመት ኢዮቤል ብወግዕ ዕለት 24 ታሕሳስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅዱስ ማዕጾ ብምኽፋት ክብገስ እዩ . . .  

ኣዝዩ ግቡእ ግዜ እዩ። ቀንዲ ኣርእስቲ ዓመት ኢዮቤል ድማ ተስፋ እዩ፣ ስለዚ ድማ፣ ኩሉ ግዜ ንዝሓሸ ሕብረተሰብ ተስፋ ንገብር፣ ናይቲ ክርስቶስ ንዓለም ዝሃቦ ዓቢ ህያብ ፍቕሪ ኣብ በዓል ልደትን ኣብ በዓል ፋሲካን ነብዕሎ ዝያዳ ዘንጸባርቕ ሕብረተሰብ ክህሉ ተስፋ ንገብር። ስለዚ እዞም ክልተ ፍጻመታት ምግጣሞም ትርጉም ዘለዎ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

24 December 2024, 16:20