ሊቀ ጳጳሳት ከተማ ሴኡል ንካቶሊካውያን ኣባላት ባይቶ ሃገሮም ኣብ መንጎ ቅልውላው ናይ ሓባር ረብሓ ከተኩሩ ይላበዉ ሊቀ ጳጳሳት ከተማ ሴኡል ንካቶሊካውያን ኣባላት ባይቶ ሃገሮም ኣብ መንጎ ቅልውላው ናይ ሓባር ረብሓ ከተኩሩ ይላበዉ 

ሊቀ ጳጳሳት ከተማ ሴኡል ንካቶሊካውያን ኣባላት ባይቶ ሃገሮም

ሊቀ ጳጳሳት ፒተር ቹንግ ሱን - ታይክ ኣብ ቤተ ጸሎት ሃገራዊ ባይቶ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ካቶሊካውያን ኣባላት ባይቶ ንውልቃዊ ረብሓታት ፖለቲካዊ ውድባት ብምስጋር ኣብታ ሃገር ህሉው ፖለቲካውን ቁጠባውን ቅልውላው ኣብ ምፍታሕ ከተኩሩ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ደቡብ ኮርያ ናይ ርእሰ ከተማ ሴኡል ሊቀ ጳጳሳት ፒተር ቹንግ ሱን - ታይክ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ዕግርግርን ቁጠባዊ ብድሆታትን ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ካቶሊካውያን ኣባላት ባይቶ ደቡብ ኮርያ፡ ንሓባራዊ ረብሓ ቀዳምነት ክህቡ ኣተሓሳሲቦም። እቲ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቅልውላው ዝጀመረ ርእሰ ብሔር ነበር ዩን ሱክ ዮል ዕለት 3 ታሕሳስ 2024 ዓ.ም. ኣዋጅ ወትሃደራዊ ሕጊ ድሕሪ ምድንጋጉ ዝተበገሰ ኮይኑ እዚ ኣዋጅ እዚ እውን ኣብ መላእ እታ ሃገር ሰፊሕ ተቓውሞታት ከጋጥሞም ከም ዝገበረን ኣብ መወዳእታ እውን እዚ ዅነታት እዚ ንቝጠባዊ ዘይምርግጋእ ከም ዘጋደዶን ብፍላይ ከኣ ድራር ዕለቶም ንምምእራር ዝቃለሱ ዜጋታትን ንኣሽቱ ትካላትን ብኸቢድ ከም ዝጸለዎም ዜና ቫቲካን ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ ይሕብር።

ፖለቲካዊ ምርግጋእ ብዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓ ክንመልስ ኣለና

ኣብ ቤተ ጸሎት ሃገራዊ ባይቶ ሊቀ ጳጳሳት ቹንግ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ንሃገርና ይብሉ - ብሓፈሻ ንረብሓ ኩሉ ዝዓለመ ርሑቕ ዝጥምት መምርሕታት መሰረት ንህልው ቅልውላው ንምስጋር ኪኖ ውድባዊ ረብሓታት ንምባል ምትሕብባር ከምዘድሊ ኣስሚሮም፥ "ኣየናይ ውድብ ኣብ መንግስቲ ይኹን ኣብ ተቓውሞ ብዘየገድስ፡ ብዲሞክራስያዊ ኣገባባት ብቕልጡፍ ፖለቲካዊ ምርግጋእ ክንመልሶ ኣለና" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

ቅልውላው ንምስጋር እምነትን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ምትሕብባርን ዘለዎ ኣገዳስነት

ሊቀ ጳጳሳት ፒተር ቹንግ ሱን - ታይክ ኣብ ስብከቶም፥ ፖለቲካዊ መራሕቲ ኣብ ናይ ምምራሕ ኣገልግሎቶም ተራ እምነት ኣጉሊሖም፡ ኣብ ክንዲ ምፍልላይ ንስኒትን ሓባራዊ ሰላማዊ ናብራን ክጣበቑ ከም ዘተሓሳሰቡን ድሕሪ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ምስ ናይ ሃገራዊ ባይቶ ወሃቢ ቃል ዉ ወን - ሺክ ኣብ ቤት ጽሕፈት ርእሰ ብሔር ተራኺቦም፥ ብዛዕባ እቲ ንደቡብ ኮርያ ዓብሊልዋ ዘሎ ቅልውላዋት፡ ዝተደንገገ ኣዋጅ ወተሃደራዊ ሕጊ፡ መስርሕ ምእላይ ስልጣንን ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት ዘጋጠመ ሓደጋ ኣየርን ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ከም እተመያየጡ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ዝጥቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ሊቀ ጳጳሳት ፒተር ቹንግ ሓድሕዳዊ ምክብባርን ሰብኣዊ መሪሕነትን ኣማእኪሎም ዘቕረብዎ ጻውዒት ምስ ምሕዋይ ሃገራውነት ዘለዎ ተዛማድነት ኣብ ግምት ብምእታው ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ባይቶ ዉ ወን - ሺክ ምስጋና ከም ዘቕረቡሎም ኣፍሊጡ፡ ብተወሳኺ ሊቀ ጳጳሳት ሴኡልን ኣፈ ጉባኤ ሃገራዊ ባይቶ ደቡብ ኮርያን ኣብቲ ኣብ 2027 ዓ.ም. ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ዓለም ለኸ ቅነ መንእሰያት ኣብ ሴኡል ከም ተመያየጡን ብዛዕባ እቲ መደብ ትስፍውነቶም ገሊጾም፣ ደሞክራስያዊ ክብርታትን ህይወትን ደቡብ ኮርያ ንዓለም ንምምስካር ዝሕግዝ ዕድል ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው ሃገራዊ ባይቶ ነቲ ተበግሶ ደገፍ ከም ዘቕርብ ዉ ወን ከም ዘረጋገጹሎም ኣፍሊጡ።

09 January 2025, 16:12