ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
2025.03.06 ኣብ ናይጀሪያ ዝተጨውዩን ድሓር ዝተቐትሉን ኣባ ሲልቨስተር ኦከቹኩ 2025.03.06 ኣብ ናይጀሪያ ዝተጨውዩን ድሓር ዝተቐትሉን ኣባ ሲልቨስተር ኦከቹኩ  

ኣብ ናይጀርያ ካብ 2015 ዓ.ም. ክሳብ እዚ ሕጂ እዋን 145 ካህናት ተጨውዮም

ኣብ ናይጀርያ ካብ 2015 – 2025 ዓ.ም. ብድምር 145 ካህናት ከም እተጨወዩን 11 ድማ ከም እተቐትሉን ዜና ቫቲካን ጸብጻብ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ናይጀርያ፣ ናይ ገበን ጉጅለታት ብሓፈሻዊ ከም መጋበርያ እቶት ዝጥቀምሉ ግብረ ጭውያታት ክብ ይብል ምህላዉን ኣብ ልዕሊ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ገዳማውያንን ገዳምውያትን ዒላማ ዝገበረ ዘሰክፍ ማዕበል ጭውያታት ገና ይቕጽል ምህላዉ ዜና ቫቲካን

ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ዝሃቦ ጸብጻብ ተወኪሱ እንከመላኽት፣ ካብ 2015 – ክሳብ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ብድምር 145 ካህናት ከም እተጨውዩን፣ ዓሰርተ ሓደ ድማ ከም እተቐትሉን፣ ካልኦት ኣርባዕተ ድማ ክሳብ ሕጂ ሃለዋቶም ከም ዘይፍለጥ ዜና ቫቲካን ጸብጻብ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ ክሕብር እንከሎ፣ እቲ ዳሕረዋይ ጭውያ ዕለት 5 መጋቢት ዝተፈጸመ ኮይኑ፣ እዚ እውን ኣባ ሲልቨስተር ኦከቹኩ ናይ ክፍለ ግዝኣት ካዱና ካህን ሃገረ ስብከት ካፋንቻን፣ ተጨውዮም ዝነበሩ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ናጻ ከም እተለቁ ዜና ቫቲካን ኣሲ - Aci Africa agency reported. እተሰምየ ኣገልግሎት ዜና ዝሃቦ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ሃገረ ስብከት ኣውቺ፣ ግዝኣት ኤዶ፣ ተጨውዮም ዝነበሩ ኣንድሪው ፒተር እተባህለ ተመሃራይ ዘርኣ ክህነትን ካህን ኣባ ፊሊፕ ኤክዌሊ ድሕሪ ዓሰርተ መዓልታት  ኣብ መወዳእታ ብዕለት 13 መጋቢት ናጻ ከም እተለቁ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ጭውያ፡ ኣብ ናይጀርያ ዓቢን ቀጻልን ጉዳይ

ኣብ ናይጀርያ ካብ 1990ታት ጀሚሩ ጭውያ ዓቢ ዘሰክፍ ጉዳይ ኮይኑ ይቕጽል ከም ዘሎን፣ ኣብቲ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነ ዞባ ደልታ ዝርከቡ ዕጡቓት ጉጅለታት፣ መንግስቲ ኣብ ማሕበረሰቦም ብዛዕባ እተን ነዳዲ ዘውጽኣን ዘጻርያን ዓበይቲ ትካላት ኣብቲ ከባቢ ዘውርድኦ ብከላ ንምፍታሕ ጸቕጢ ንምግባር፣ ናይ ወጻኢ ኣካየድቲ ነዳዲ ሰራሕተይናታት ክጭውዩ ከም ዝጀመሩን፣ ካብ 2009 ዓ.ም. ጀሚሩ እስላማውያን ዕጡቓት ጉጅለታት ቦኮ ሓራም ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕን ሰሜናዊ ምዕራብን ናይጀርያ ካብ ቤት ትምህርቲ ሕጻናት ብጃምላ ዝፍጽምዎ ጭውያ ሓዊሱ ንብዙሕ ግብረ ጭውያታት ተሓተትቲ ከም ዝኾኑን፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን ጅሆ ምሓዝ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኣሰቃቒ ቁጠባዊ ኩነታት ተደሚሩ፣ ካብ 2011 ዓ.ም. እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ መጋበርያ እቶት ኮይኑ ከም ዘሎን፣ ካብ ሓምለ 2022 - ሰነ 2023 ዓ.ም. ብዝተፈጸመ 582 ጭውያ፣ 3,620 ሰባት ጅሆ ከም እተተሓዙን፣ ኣስታት 3.88 ሚልዮን ዶላር ድማ በጃ ከም ዝተኸፍለን ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ዝሃቦ ጸብጻብ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ብዝሒ ካህናት ዝጭወይሉ ዞባ

ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፣ እቲ ፍጻመ ብፍላይ ኣብ ገለ ግዝኣታት ከም በዓል ኣዋሪ፡ ኦኒሻን ካዱናን ዝለዓለ ከም ዝኾነን፣ ኣዋሪ 47 ዝተጨወየሉ ዞባ እውን እንተኾነ ካህናት ብብዝሒ ዝጭወዩሉ ዞባ ድማ ካዱና ከም ዝኾነን፣ ኣብቲ ዞባ 24 ካህናት ክም እተጨውዩን ካብኣቶም 7 ከም እተቐትሉን ከመላኽት እንከሎ፣ እዚ ልዑል ቁጽሪ ሞት ካህናት እዚ፣ ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ግብረሽበራዊ ንጥፈታትን ዓመጽ ዝመልኦ ጽንፈይናነትን ሃይማኖታዊ ወጥርን ዘንጸባርቕ ብምዃኑ፣ እቲ ዞባ ንካህናት ኣዚዩ ሓደገይና ኮይኑ ከም ዘሎ ዜና ቫቲካን ጸብጻብ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

ካልኦት ዝለዓለ ቁጽሪ ሞት ዘጋጠሞ ግዝኣታት ናይጀርያ፣ ክልተ ካህናት ዝተቐትሉ ኣቡጃ፡ ሓደ ካህን ዝተቐትለላ ቤኒንን ሓደ ካህን ዝተቐትለላ ኦኒሻን ከም ዝኾናን። እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ዝተጨውዩ ካህናት ክሳብ ሕጂ ዝጠፍኡለን ዞባታት ናይጀርያ ይዝርዝር። ዞባታት ካዱና፡ ቤኒንን ኦዌሪን ብቐዳምነት ዝጥቀሳ ከም ዝኾና ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ብኣንጻሩ፡ ኣብ ግዝኣታት ሌጎስ፡ ኢባዳንን ካላባርን ውሑድ ዝተጨውዩ ንኽፍትሑ ዝኽፈል ገንዘብ ብብዝሒ ከም ዘይተራእየን ኩሎም ኣብዘን ከባቢታት ዝተጨውዩ ካህናት ብዘይ ስግኣት ናጻ ከም እተለቁን ብፍላይ ሌጎስ ብሰንኪ ዝሓየለ ስጉምትታት ጸጥታ ዝበለጸ ውሕስነት ዘለዎ ዞባ ምዃኑ ጸብጻብ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

መግለጺ ናይ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ጉባኤ ጳጳሳት ሕብረት

ነቲ ኣብ መላእ ዞባና ኣብ ልዕሊ ካቶሊካውያን ካህናት ዝፍጸምን ዝካየድ ዘሎ ዓመጽን “ቀስ ብቐስ እናሰፈሐ ዝኸይድ ዘሎ ግብረ ክፍኣት” እንክብል ናይ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ጉባኤ ጳጳሳት ህብረት ብትሪ ኮኒኑ፣ ጭውያ ብፍጹም ምኽንያት ክህልዎ ከም ዘይክእል ብምምልካት፣ ብፍሉይ ናይጀርያ ብምጥቃስ እቶም ጳጳሳት ኣብ ናይጀሪያ ዜና ጭውያ ካህን ወይ ገዳማውን ገዳማውያትን ከይተሰምዐ ሓደ ወርሒ ከምዘይሓልፍ ኣመልኪቶም፣ እቶም ኣብ ኢድ ጨወይቶም ዘለዉ ኣባላት ቤተ ክርስቲያን ብቕልጡፍ ክፍትሑ ጸሎት ክግበር ድማ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ካህናት ዋላ እኳ ሓደጋ እንተሃለወ ንድኻታትን ንዝተገለሉን ናይ ምግልጋል ተልእኾኦም ተወፋይነት ክገብሩ ከም እተላበዉ ኣሲ ኣገልግሎት ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

18 Mar 2025, 16:23
Prev
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930   
Next
May 2025
SuMoTuWeThFrSa
    123
45678910
11121314151617
18192021222324
25262728293031