ሓዋርያዊ ዓቃቤ መንበር ኣለፖ፥ ዳግማይ ሓድነታ ዝዓቀበት ሶርያ ተድልየና!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሶርያ ዳግማይ ክትጥርነፍን ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ጻዕርታት ሰላም ኣበርክቶ ክገብርን ኣለዎ ዝበሉ ኣብ ከተማ ኣለፖ ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ዓቃቤ መንበር ጳጳስ ሃና ጃሉፍ ነታ ዝተኸፋፈለት ሃገር ዝዕብልል ዘሎ ዘሕዝን ኩነታት መሰረት ገይሮም ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሶርያ ምስ ዓልቃይዳ ምትእስሳር ዘለዎ ጉጅለ ሃያት ታሕሪር ኣል ሻም (HTS) ዝምራሕ መንግስታዊ ምልሻታት ዝፈጥርዎ ዘለዉ ዓመጽ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከባ ዞባታት ላታክያን ታርቱስን ዝጀመረ ኮይኑ፣ ኣብቲ ዞባ ብዝርከቡ ገለ እሙናት ናይቲ ናይ ኣልባሽር ኣል ኣሳድ ሰራዊት ነበር ኣብ ልዕሊ ኣባላት ናይቲ ሕጂ ዘሎ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ሶርያ ዘሳልጥ ኣሃዱ ድሕሪ ዘካየዶ ድብያ ስዒቡ ዝተፈጸመ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፣ ብመሰረት ፊደስ ኣገልግሎት ዜና፣ እቲ ሕነ ምፍዳይ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ቃርዳሃ፡ ትውልዲ ርእሰ ብሔር ኣሳድ ነበርን ኣብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ባኒያስን ዝቐነዐ ኮይኑ፣ ውጽኢቱ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ብሔር እቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝተገልበጠ መንግስቲ ኣሳድን ዓቢ ክፋል መራሕቲ ናይቲ ስርዓት ነበርን ዝምልከቶም ህዳጣን ሃይማኖታዊ መበቆል ሺዓ ዝኾኑ ማሕበረሰብ ዓላዊ ጭፍጨፋን ካብ ስርዓተ ፍርዲ ወጻኢ ቅትለትን የስዕብ ምህላዉ ይፍለጥ። ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ልዕሊ 1300 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ብዙሓት ካብኣቶም ሰላማውያን ዜጋታት እዮም። ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብቲ ዞባ ዝተፈጸመ ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ኣባላት ብሔር ዓላዊ ኣባይቲ ስድራ ከምዝተቐትሉን፣ ብዙሓት ሰላማውያን ማሕበረሰብ ኣባላት ብሔር ዓላዊ ኣባይቶም ብሓዊ ከም ዝነደደን፣ ግዱድ ምምዝባል እውን የጋጥሞም ምህላዉ ክፍለጥ እንከሎ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ምላሽ ንዘይምሃቡ ምኽንያት እቲ ኩነታት ይጋደድ ምህላዉን፣ መርመራን ተሓታትነትን ክህሉ ጻውዒት ይቐርብ ከም ዘሎ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ኣብ ሶርያ እንታይ ይፍጸም ኣሎ? ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ዕጥቃዊ ግጭታት ነታ ሃገር ናብ ኲናት ሓድሕድ ይደፍኣ ድዩ? ሓድሽ ስርዓት ኣሕመድ ኣል- ሻራ ነቲ ሃገራዊ ምጥርናፍን ኣብ ልዕሊ ውሑዳት ምጽውዋርን ዝብል መብጽዓታት ይጠልም ድዩ?
ካብቲ ብምእመናንና ኣቢልና ዝኣከብናዮ ጸብጻባትን ብሰበስልጣን መንግስቲ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጽን፣ ነቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ርእሰ ብሔር በሽር ኣል ኣሳድ ነበር እሙናት ዝኾኑ ዕጡቓት፣ ነቲ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ንምውዳቕ ዝዓለመ ዕጥቃዊ ናዕቢ ከም ዝፈተኑ ዝሕብር እዩ፣ እዚ ተበግሶ እዚ ብሓይልታት ደገፍቲ መንግስቲ ተሪር ግብረ መልሲ ከም ተወሃቦ ይንገር።
ብመሰረት እቲ ቐዳማይ ዝተረኽበ ሓበሬታ፣ እቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ኣንጻር ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት፣ ኣብ መንጎ ኣላዋውያን ሰበ - ስልጣን መንግስቲ ኣሳድን ጨንፈር ህዝቡላ ሶርያን ደገፍቲ ኢራን ዝኾኑ ሚሊሻታት ሺዓን ድሕሪ ዝተገብረ ኣኼባ ስዒቡ ዝተፈጸመ ምዃኑ ይንገር - ቢሎም - ይኹን እምበር እቲ ግጭት ካብ ያብል ጀሚሩ ብዞባ ላታክያ ኣቢሉ ናብ ውሽጣዊ ዶብ ሆም ዝበጽሕ፣ ኣብ ገማግም መዲተራነያን ወሽመጥ ጥራይ ዝተሓጽረ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ቀዳማይ መጥቃዕቲ ኣስታት ዕስራ ወተሃደራት ናይቲ ሓድሽ መንግስቲ ከምዝተቐትሉ ይንገር፣ ተመሳሳሊ ቁጽሪ ኣብ ልዕሊ ሓደ ነቑጣ መፈተሺ ኣብ ዝተፈጸመ ካልኣይ ከምዝተቐትሉ ይግለጽ። እዚ ድማ ብሓይልታት መንግስቲ ዝተፈጸመ ግብረ መልሲ ሞት ኣማኢት ኣስዒቡ ኣሎ። እቲ ዘሕዝን በዚ ኣጋጣሚ እዚ ግን ገለ ክርስትያናት እውን ከም ዝተቐትሉ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖም ገሊጾም፣ በጋጣሚ እምበር ክርስቲያን ስለ ዝኾኑ ከም ዘይኮነ ይሕብሩ።
ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ምውጋድ ስርዓት ኣሳድ፣ ኣብ ሶርያ ኲናት ሓድሕድ ክምለስ ንርኢ ኣለና ዶ ምበልኩም?
ኣይፋል ክብል ይሓይሽ፣ ብቐዳምነት እቲ ዝረተራእየ ዘሕዝን ፍጻመታት ክሳብ ሕጂ ናብ ካልእ ክፋል ሃገር ዘይተዘርግሑ ምዃኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ኣለፖ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ደማስቆ ዘሎ ኩነታት ፍጹም ህዱእ እዩ።
ካልኣይ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዕለት 8 ዝተፈጸመ ናይ ስርዓት ለውጢ ድሮ ነታ ንዓመታት ብዝጸንሐ ኲናት ሓድሕድ ዝተሳቐየት ሃገር - ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ወተሃደራውን ምርግጋእ ክህልዋ ምግባር ግዜ ዝሓትት እዩ። ኣብዚ ናይ ምስግጋር እዋን ሓያል ወጥሪ ክቕልቀል ዝከኣል እዩ። ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣተዉ ውልቃውን ዓሌታውን ረብሓታት እውን ኣለዉ፣ ገለ ጉጅለታት ሕነ ክፈድዩ ክደልዩ ይኽእሉ እዮም።
ሳልሳይ፡ ብዛዕባ ‘ሓይልታት መንግስቲ’ ክንዛረብ እንኮለና፣ እቲ ብሃያት ታሕሪር ኣል - ሻም ዝምራሕ ዕጡቓት ጉጅለታት ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ዝተዋቐረን ቅርጺ ዝሓዘን ሓይሊ ምክልኻል ኣይኮነን። ንሓደ ውሁድ ትእዛዝ ስለዘይምልሱ፣ ገለ ካብዞም ጉጅለታት ዕጡቓት ገሊኣቶም ከቢድ ዓመጽ ዝፍጽሙ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።
እቲ ህልው ኩነታት እታ ሃገር ነቲ ድሕሪ ምልዋጥ ስርዓት ኣሳድ፣ ብሓድሽ ኣመራርሓ እታ ሃገር ምስ ዘቕርቦ ዘሎ ጻውዒት ሃገራዊ ዕርቂ ዝጋጮ ድዩ?
ኣብዚ ቀረባ ሰዓታት ብግዝያዊ ርእሰ ብሔር ኣል - ሻራ ዝተዋህበ መግለጺታት ጥንቃቐን ሓላፍነትን ዘንጸባርቕ እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ብሓደ ወገን ካብ ደገፍቲ ነበር ስርዓት ተጻባኢ ተቓውሞ ትጽቢት ዝግበረሉ ምዃኑ ብኣጽንዖት ክግለጽ ዘለዎ ጉዳይ እንክብል እውን ኣተሓሳሲቡ እዩ። ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ሃገርና ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ብሄራውን ሃይማኖታውን ማሕበረሰባት ሓቢርካ ንምንባር ብጀካ ሃገራዊ ዕርቂ ካልእ መንገዲ ከምዘየለ እውን ኣረጋጊጹ እዩ።
ኣብ ዶብ ሶርያን እስራኤልን ዘሎ ኩነታት ብኸመይ ምገለጽክምዎ?
እስራኤል ኪኖ እቲ ጥንታዊ ዶብ ጎላን ዝርከብ ግዝኣታት ሶርያ ምሓዛ ትቕጽል ኣላ፡ እዚ ግዝያዊ ከም ዝኸውን ድማ ዝኾነ ምልክት ዘይብሉ ጉዳይ እዩ ዝመስል። እስራኤል ነቲ ዳሕረዋይ ወተሃደራዊ ስጉምታታ ንህዝቢ ድሩዝ ምክልኻልን ደገፍን እዩ ዝብል ምኽንያት እውን ተቕርብ።
ኣብ ሱወይዳን ኣብ ከባቢ ንኡስ ርእሰ ከተማ ጃራማናን ኣብ ልዕሊ ድሩዛውያን ገዛእ ርእሶም ብዘመሓድሩ እስላማውያን ምልሻታት ዓመጽ ከምዝተፈጸመ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ መንግስቲ ደማስቆ ክከላኸሎ ኣይከኣለን። ይኹን እምበር፣ ሓቀይና ዕላማ እስራኤል እንታይ ምዃኑ ዛጊት ንጹር ኣይኮነን። ብተመሳሳሊ፣ ሓቀይና ድርኺት ካልኦት ኣብ ታሪኽ ዝግለጹን ዘለዉን ተዋሰእቲ ናይዚ ዞባ፡ ማለት ሩስያ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ቱርክን እውን እንታይ ምዃኑ ዝፍለጥን ርጉጽን ኣይኮነን።
ንውሽጣዊ ምፍልላይ ዘጓሃህር ተወሳኺ ናይ ወጻኢ ረብሓታት ከይህሉ ተስፋ ንገብር። ሶርያ ዳግማይ ክትጥርነፍ ኣለዋ፡ እዚ ንኽኸውን ድማ መጀመርታ ናጻ ክትከውን ኣለዋ።
ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይተረጋገጸን ወጥሪ ዝመልኦን ኵነታት፡ ተራ ማሕበረሰብ ክርስቲያን እንታይ እዩ ትብሉ?
ናይ ግዚያዊ መንግስቲ ርእሰ ብሔር ኣል - ሻራ ንኣኽብሮትን ምሉእ ተሳትፎን ኩሎም ህዳጣን ብሔራትን ሃይማኖታትን ውሑስ ኮይኑ ከም ዝቕጽል ቃል ኣትዩ እዩ። ሕጂ ኣብዚ መዳይ እዚ ካብቲ ሓድሽ መንግስቲ ጭቡጥ ስጉምትታት ክንርኢ ንደሊ።
ብሓቂ ድሕሪ ሕጂ ከም ህዳጣን ክንረአ ኣይንደልን ኢና - ኣብታ ሓዳስ ሶርያ ማዕረ መሰላትን ግቡእን ክንረክብ ንደሊ። ምስ ካልኦት ካብ ዝተፈላለየ ክርስትያናዊ ሃይማኖታት ዝመጹ ጳጳሳት ኮይኖም ኣብቲ ሓድሽ ቅዋም ንምንዳፍ ዝተኻየደ ጉባኤ ከም እተሳተፉን ብመንጽር ሰላም፣ ሓድነትን ናጽነትን ሓባራዊ ናብራ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሓቢርካ ምንባር ዝብል እማመታት ብሓባር ከም ዘቕረቡ እውን ገሊጾም። እቲ ካብ መራሕቲ ሃይማኖታት ክርስቲያን ዝቐረበ እማመታት እውን ተመዝጊቡን ተቐባልነት እውን ከም ዝረኸቡ ሓቢሮም፣ “ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ሶርያ እውን ሰላም ኣብ ምህናጽ ኣበርክቶ ክገብር ትጽቢት ንገብር” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።