ዜና ካብ ምብራቕ - 26 መጋቢት 2025 ካብ ምብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያን
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
በዓለ ትስብእት ኣብ ምብራቕ
ዝሃልፈ ሰሉስ ዕለት 25 መጋቢት ምስራቓውያን ክርስትያን፣ ነቲ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ን ኣደ ኣምላኽ እኖና ድንግል ማርያም ዘበሰራ ብምዝካር በዓለ ትስብእት ኣኽቢሮም።
ኣብታ ቅድሚ እዛ ዕለት ዝነበረት መዓልቲ እቶም ናይ ላቲናዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊ ቤተክርስቲያን ፓትርያርክ ኢየሩሳሌም ብፁዕ ካርዲናል ፔርባቲስታ ፒዛባላ ብካህናትን ምእመናንን ተሰንዮም ናብ ቤተ-ክርስትያን ደብረ ብስራት ንግደት ኣካይዶም። ሃገረ ሊባኖስ ነዚ በዓል እዚ ኸም ህዝባዊ በዓል ገይራ ብምኽባር ድማ ብኽብ ዝበለ ድምቐት ዘኪራቶ ውዒላ።
ቅዱስ ራፍካ
ዝሓልፈ ሰንበት ዕለት 23 መጋቢት ክርስቲያን ምእመናን ሃገረ ሊባኖስ ክብረ በዓል ቅድስቲ ራፍካ ኤር-ሬየስ እትስመ ናይ እምነትን ተጻዋርነትን ኣብነት ዝዀነት ጠበቓኦም ኣኽቢሮም ውዒሎም።
ኣብቲ ቅርያታ ብኽብሪ ኣብ ዝርከበሉ ከተማ ካናኒር እቶም ተቐማጦ እታ ከተማ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብምዕራግን ብመዛሙራት ከምኡውን ብዕምባባታት ብምፋይን ብፍሉይ መደብ ጽሎት እተሰነየ ዑደት ኣብ ጐደናታት እታ ከተማ ኣካይዶም።
እዛ ብ1832 እተወልደት ማሮናይት ፈላሲት፣ ንዘጋጠመ ከቢድ ስቓይ ዑረት ዓይንን መልመስቲ ኣካላትን ብእምነት ብትዕግስቲ ተቐበለቶ። ብ1914 ድማ ናብ ሰማያዊ ቤታ ተሳገረት፣ ብ2001 ድማ ቅድስናኣ ተኣወጀ ። እቲ ብፍቕርን ብትብዓትን ዝሕለፈቶም ሕይወት ኣብነት ነቶም እሙናት ዘነቓቕሕ ኢዩ ዝነበረ ።
ዝመነ ዓቢይ ጾም ይቕጽል
ዝሓለፈ ሰንበት ምብራቓውያን ኣብያተ-ክርስትያን ብመሰረት ሊጡርጊያዊ ሥርዓታቶም ጕዕዞ ዘመነ ዓቢይ ጾም ይቕጽሉ ኣለዉ።
ሥርዓተ ቢዛንታይን ቤተክርስቲያን ዝሃልፈ ሰንበት፣ ሰንበት ዘቅዱስ መስቀል ኣኽቢሮም ውዒሎም፣ እዚ ኸኣ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ሞት ከም እተዓወተ ዜመልክት ዓቢይ ክብረ በዓል ኢዩ።
ቅዱስ መስቀል ኣብ ክርስቲያናዊ ሕይወት ፍሉይ ቦታ ኢዩ ዘልዎ። መስቀል ኣብ ማእከል ኣብያተ-ክርስትያን ወትሩ ተተኺሉ ኢዩ ዝርከብ፣ እዚ ኸኣ ነቶም ምእመናን ድሕነትን ብእኡ ኣቢሎም ከኣ ኸም ዚሓልፉን ኣብ ተጋድሎ ዘመነ ጾም ከም ዜተባብዖምን የዘኻኽሮም።
ኣርበንያዊ ባህሊ ዝኽተላ ኣብያተ-ክርስትያን ከአ በቲ ብዛዕባ እቲ እሙን መጋቢ ዚገልጽ ምሳልያዊ ዛንታ ተሰንዮም ሰንበት ቍጠባዊ ሕይወት የብዕሉ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርቶስ ኣብ ወንጌሉ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብመንፈሳዊ መዳይ ምእንቲ ኺድሕን ንምድራዊ ዋኒኑ ብጥበብ ኪጥቀመሉ ተማሕጸነ።