ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE

ዜና ካብ ምብራቕ - 26 መጋቢት 2025 ካብ ምብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያን

ኣብዚ ሰሙን እዚ ካብ ምብራቓውያን ኣብያተ-ክርስትያን እተላእከ ዜና ከም ዝሕብሮ ክርስትያን ምእመናን በዓለ ትስብእት ከም ዘኽበሩን፣ ካቶሊካውያን ሊባኖስ ድማ ክብረ በዓል ናይ ሓደ ማሮናዊ ቅዱስ ዘኽብሩን፣ ዘመነ ጾም ዓቢይ ድማ ኣብ መስቀል ብምትኳር ይቕጽል ኣሎ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

በዓለ ትስብእት ኣብ ምብራቕ

ዝሃልፈ ሰሉስ ዕለት 25 መጋቢት ምስራቓውያን ክርስትያን፣ ነቲ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ን ኣደ ኣምላኽ እኖና ድንግል ማርያም ዘበሰራ ብምዝካር በዓለ ትስብእት ኣኽቢሮም።

ኣብታ ቅድሚ እዛ ዕለት ዝነበረት መዓልቲ እቶም ናይ ላቲናዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊ ቤተክርስቲያን ፓትርያርክ ኢየሩሳሌም ብፁዕ ካርዲናል ፔርባቲስታ ፒዛባላ ብካህናትን ምእመናንን ተሰንዮም ናብ ቤተ-ክርስትያን ደብረ ብስራት ንግደት ኣካይዶም። ሃገረ ሊባኖስ ነዚ በዓል እዚ ኸም ህዝባዊ በዓል ገይራ ብምኽባር ድማ ብኽብ ዝበለ ድምቐት ዘኪራቶ ውዒላ።

ቅዱስ ራፍካ

ዝሓልፈ ሰንበት ዕለት 23 መጋቢት ክርስቲያን ምእመናን ሃገረ ሊባኖስ ክብረ በዓል ቅድስቲ ራፍካ ኤር-ሬየስ እትስመ ናይ እምነትን ተጻዋርነትን ኣብነት ዝዀነት ጠበቓኦም ኣኽቢሮም ውዒሎም።

ኣብቲ ቅርያታ ብኽብሪ ኣብ ዝርከበሉ ከተማ ካናኒር እቶም ተቐማጦ እታ ከተማ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብምዕራግን ብመዛሙራት ከምኡውን ብዕምባባታት ብምፋይን ብፍሉይ መደብ ጽሎት እተሰነየ ዑደት ኣብ ጐደናታት እታ ከተማ ኣካይዶም።

እዛ ብ1832 እተወልደት ማሮናይት ፈላሲት፣ ንዘጋጠመ ከቢድ ስቓይ ዑረት ዓይንን መልመስቲ ኣካላትን ብእምነት ብትዕግስቲ ተቐበለቶ። ብ1914 ድማ ናብ ሰማያዊ ቤታ ተሳገረት፣ ብ2001 ድማ ቅድስናኣ ተኣወጀ ። እቲ ብፍቕርን ብትብዓትን ዝሕለፈቶም ሕይወት ኣብነት ነቶም እሙናት ዘነቓቕሕ ኢዩ ዝነበረ ።

ዝመነ ዓቢይ ጾም ይቕጽል

ዝሓለፈ ሰንበት ምብራቓውያን ኣብያተ-ክርስትያን ብመሰረት ሊጡርጊያዊ ሥርዓታቶም ጕዕዞ ዘመነ ዓቢይ ጾም ይቕጽሉ ኣለዉ።

ሥርዓተ ቢዛንታይን ቤተክርስቲያን ዝሃልፈ ሰንበት፣ ሰንበት ዘቅዱስ መስቀል ኣኽቢሮም ውዒሎም፣ እዚ ኸኣ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ሞት ከም እተዓወተ ዜመልክት ዓቢይ ክብረ በዓል ኢዩ።

ቅዱስ መስቀል ኣብ ክርስቲያናዊ ሕይወት ፍሉይ ቦታ ኢዩ ዘልዎ። መስቀል ኣብ ማእከል ኣብያተ-ክርስትያን ወትሩ ተተኺሉ ኢዩ ዝርከብ፣ እዚ ኸኣ ነቶም ምእመናን ድሕነትን ብእኡ ኣቢሎም ከኣ ኸም ዚሓልፉን ኣብ ተጋድሎ ዘመነ ጾም ከም ዜተባብዖምን የዘኻኽሮም።

ኣርበንያዊ ባህሊ ዝኽተላ ኣብያተ-ክርስትያን ከአ በቲ ብዛዕባ እቲ እሙን መጋቢ ዚገልጽ ምሳልያዊ ዛንታ ተሰንዮም ሰንበት ቍጠባዊ ሕይወት የብዕሉ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርቶስ ኣብ ወንጌሉ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብመንፈሳዊ መዳይ ምእንቲ ኺድሕን ንምድራዊ ዋኒኑ ብጥበብ ኪጥቀመሉ ተማሕጸነ።

 

28 Mar 2025, 15:59
Prev
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930   
Next
May 2025
SuMoTuWeThFrSa
    123
45678910
11121314151617
18192021222324
25262728293031