ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
La Battaglia di Legnano
መርሓ ግብሪ ፈነወ
ፓትሪያርካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ሶርያ ሕነ ምፍዳይ ስነ - መጐት ክውገድ ጻውዒት የቕርባ ፓትሪያርካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ሶርያ ሕነ ምፍዳይ ስነ - መጐት ክውገድ ጻውዒት የቕርባ  (ANSA)

ፓትሪያርካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ሶርያ ሕነ ምፍዳይ ስነ - መጐት ክውገድ ጻውዒት የቕርባ

ኣብ ታሪኽ ሶሪያ ዝተሰረታ ሰለስተ ደቀባት ኣብያተ ክርስቲያን ፓትርያርክ፣ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ሓያሎ ዞባታት እታ ሃገር ብጅሃዳውያን ምልሻታት ዝተፈጸመ “ዘስካሕክሕ ህልቂት” ደው ክብል ሓባራዊ ናይ ጻውዒት መልእኽቲ ከቲሞም ወግዓዊ ከምዝገበሩን፣ እቲ ጻውዒት “ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት መጥቃዕቲ ዘስዓበ እናሰፈሐ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽ” ይኹንን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሶርያ ምስ ዓልቃይዳ ምትእስሳር ዘለዎ ጉጅለ ሃያት ታሕሪር ኣል ሻም (HTS) ዝምራሕ መንግስታዊ ምልሻታት ብውሕዱ 147 ሰባት ከም ዝቐተሉን፣ እዚ ማዕበል ዓመጽ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከባ ዞባታት ላታክያን ታርቱስን ዝጀመረ ኮይኑ፣ ኣብቲ ዞባ ብዝርከቡ ገለ እሙናት ናይቲ ናይ ኣልባሽር ኣል ኣሳድ  ሰራዊት ነበር ኣብ ልዕሊ ኣባላት ናይቲ ሕጂ ዘሎ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ሶርያ ዘሳልጥ ኣሃዱ ድሕሪ ዘካየዶ ድብያ ስዒቡ ዝተፈጸመ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሓበሬታ ሶሪያ ጠቒሱ ከመላኽት እንከሎ፣ ብመሰረት ፊደስ ኣገልግሎት ዜና፣ እቲ ሕነ ምፍዳይ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ቃርዳሃ፡ ትውልዲ ርእሰ ብሔር ኣሳድ ነበርን ኣብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ባኒያስን ዝቐነዐ ኮይኑ፡ ውጽኢቱ ድማ ኣብ ልዕሊ ስድራ ቤት ብሔር እቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝተገልበጠ መንግስቲ ኣሳድን ዓቢ ክፋል መራሕቲ ናይቲ ስርዓት ነበርን ዝምልከቶም ህዳጣን ሃይማኖታዊ መበቆል ሺዓ ዝኾኑ ማሕበረሰብ ዓላዊ ጭፍጨፋን ካብ ስርዓተ ፍርዲ ወጻኢ ቅትለትን የስዕብ ምህላዉ ይፍለጥ።

ጻውዒት ካብ ፓትሪያርካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ሶርያ

ኣብ ቅድሚ እዚ ሰዘክፍ ኩነታት፣ ኣብ ታሪኽ ሶሪያ ዝተሰረታ ኣቢያተ ክርስቲያን ሰለስተ ፓትሪያርካት፣ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ሓያሎ ዞባታት እታ ሃገር ብጅሃዳውያን ምልሻታት ዝፍጸም ዘሎ “ዘስካሕክሕ ህልቂት” ደው ክብል ናይ ሓባራዊ ጻውዒት መልእኽቲ ከም ዝኸተሙን፣ ብፍላይ ኣብ ህዳጣን ክፍሊ ማሕበረሰባት ከቢድ ጽልዋ የሕድር ከም ዘሎን፣ “ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት፡ እንኮላይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን መጥቃዕቲ ክፍጸም ዝገበረ ዓመጽ ምብራኹ” ከም ዝኾነኑ ዜና ቫቲካን ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

ሰለስተ ፓትሪያርካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ሶሪያ “ህልቂት ንጹሃት ዜጋታት” ይኹንና

ሰንበት ዕለት 8 መጋቢት ኣብ ሶርያ፣ ናይ ግሪኽ ስረዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊ ፓትርያርክ ዮሃና ዓስራይ፣ ፓትሪያርክ ግሪኻዊት መለካዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ዩሱፍ ቀዳማይ ኣብሲን ናይ ሶርያ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ማር ኢግናጺዮስ አፍረም ዳግማውን ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ናይ ጻውዒት መልእኽቲ፣ እቶም ፓትርያርክ ንብቤተ ክርስቲያናቶም ወኪሎም “ኣብ ልዕሊ ንጹሓን ዜጋታት ዝፍጸም ዓመጽን ህልቂትን” ኮኒኖም፣ እቲ “ኵሉ ሰብኣውን ግብረ -ገባውን ክብርታት  ዝጻረር ግፍዒ” ብቕጽበት ደው ክብል ከም ዝሓተቱ ዜና ቫቲካን ሓበሬታ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

“ስነ - መጐት ሕነ ምፍዳይን ኣድልዎን” ምቅዋም

እቶም ሰለተ ፓትሪያርክ “ሃገራዊ ዕርቂ ህዝቢ ሶርያ ንምዕዋት” ዘድሊ ኩነታት ክፍጠርን ካብ “ስነ - መጐት ሕነ ምፍዳይን ኣድልዎን” ዝረሓቐ፣ ናብ “ማዕርነት ዜግነት” ዝተመስረተ መንግስትን ሕብረተሰብን ዝግበር ምስግጋር ክጅምር’ውን ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ነቲ ግዝኣታዊ ሓድነት ህዝቢ ሶርያ ንምብታን ዝግበር ግምታትን ፈተነታትን እውን ከም ዝነጸጉ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ዝሃቦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

11 Mar 2025, 16:23
Prev
March 2025
SuMoTuWeThFrSa
      1
2345678
9101112131415
16171819202122
23242526272829
3031     
Next
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930