ፓትሪያርካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ሶርያ ሕነ ምፍዳይ ስነ - መጐት ክውገድ ጻውዒት የቕርባ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሶርያ ምስ ዓልቃይዳ ምትእስሳር ዘለዎ ጉጅለ ሃያት ታሕሪር ኣል ሻም (HTS) ዝምራሕ መንግስታዊ ምልሻታት ብውሕዱ 147 ሰባት ከም ዝቐተሉን፣ እዚ ማዕበል ዓመጽ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከባ ዞባታት ላታክያን ታርቱስን ዝጀመረ ኮይኑ፣ ኣብቲ ዞባ ብዝርከቡ ገለ እሙናት ናይቲ ናይ ኣልባሽር ኣል ኣሳድ ሰራዊት ነበር ኣብ ልዕሊ ኣባላት ናይቲ ሕጂ ዘሎ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ሶርያ ዘሳልጥ ኣሃዱ ድሕሪ ዘካየዶ ድብያ ስዒቡ ዝተፈጸመ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሓበሬታ ሶሪያ ጠቒሱ ከመላኽት እንከሎ፣ ብመሰረት ፊደስ ኣገልግሎት ዜና፣ እቲ ሕነ ምፍዳይ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ቃርዳሃ፡ ትውልዲ ርእሰ ብሔር ኣሳድ ነበርን ኣብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ባኒያስን ዝቐነዐ ኮይኑ፡ ውጽኢቱ ድማ ኣብ ልዕሊ ስድራ ቤት ብሔር እቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝተገልበጠ መንግስቲ ኣሳድን ዓቢ ክፋል መራሕቲ ናይቲ ስርዓት ነበርን ዝምልከቶም ህዳጣን ሃይማኖታዊ መበቆል ሺዓ ዝኾኑ ማሕበረሰብ ዓላዊ ጭፍጨፋን ካብ ስርዓተ ፍርዲ ወጻኢ ቅትለትን የስዕብ ምህላዉ ይፍለጥ።
ጻውዒት ካብ ፓትሪያርካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ሶርያ
ኣብ ቅድሚ እዚ ሰዘክፍ ኩነታት፣ ኣብ ታሪኽ ሶሪያ ዝተሰረታ ኣቢያተ ክርስቲያን ሰለስተ ፓትሪያርካት፣ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ሓያሎ ዞባታት እታ ሃገር ብጅሃዳውያን ምልሻታት ዝፍጸም ዘሎ “ዘስካሕክሕ ህልቂት” ደው ክብል ናይ ሓባራዊ ጻውዒት መልእኽቲ ከም ዝኸተሙን፣ ብፍላይ ኣብ ህዳጣን ክፍሊ ማሕበረሰባት ከቢድ ጽልዋ የሕድር ከም ዘሎን፣ “ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት፡ እንኮላይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን መጥቃዕቲ ክፍጸም ዝገበረ ዓመጽ ምብራኹ” ከም ዝኾነኑ ዜና ቫቲካን ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።
ሰለስተ ፓትሪያርካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ሶሪያ “ህልቂት ንጹሃት ዜጋታት” ይኹንና
ሰንበት ዕለት 8 መጋቢት ኣብ ሶርያ፣ ናይ ግሪኽ ስረዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊ ፓትርያርክ ዮሃና ዓስራይ፣ ፓትሪያርክ ግሪኻዊት መለካዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ዩሱፍ ቀዳማይ ኣብሲን ናይ ሶርያ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ማር ኢግናጺዮስ አፍረም ዳግማውን ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ናይ ጻውዒት መልእኽቲ፣ እቶም ፓትርያርክ ንብቤተ ክርስቲያናቶም ወኪሎም “ኣብ ልዕሊ ንጹሓን ዜጋታት ዝፍጸም ዓመጽን ህልቂትን” ኮኒኖም፣ እቲ “ኵሉ ሰብኣውን ግብረ -ገባውን ክብርታት ዝጻረር ግፍዒ” ብቕጽበት ደው ክብል ከም ዝሓተቱ ዜና ቫቲካን ሓበሬታ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።
“ስነ - መጐት ሕነ ምፍዳይን ኣድልዎን” ምቅዋም
እቶም ሰለተ ፓትሪያርክ “ሃገራዊ ዕርቂ ህዝቢ ሶርያ ንምዕዋት” ዘድሊ ኩነታት ክፍጠርን ካብ “ስነ - መጐት ሕነ ምፍዳይን ኣድልዎን” ዝረሓቐ፣ ናብ “ማዕርነት ዜግነት” ዝተመስረተ መንግስትን ሕብረተሰብን ዝግበር ምስግጋር ክጅምር’ውን ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ነቲ ግዝኣታዊ ሓድነት ህዝቢ ሶርያ ንምብታን ዝግበር ግምታትን ፈተነታትን እውን ከም ዝነጸጉ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ዝሃቦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።