ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
Missa Solemnis, in Re Maggiore, Op.123, per soli, coro e orchestra
መርሓ ግብሪ ፈነወ
ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዓለም ዕለት 25 መጋቢት ፍርቂ መዓልቲ ብሓባር ጸሎት ኣቡነ ዘበሰማያት ክደግም ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዓለም ዕለት 25 መጋቢት ፍርቂ መዓልቲ ብሓባር ጸሎት ኣቡነ ዘበሰማያት ክደግም 

ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዓለም ዕለት 25 መጋቢት ፍርቂ መዓልቲ ብሓባር ጸሎት ኣቡነ ዘበሰማያት ክደግም

“ዝተፈተኹም ኣሕዋተይን ኣሓተይን፡ ኣብዚ ጽንኩር እዋን ፈተና’ዚ መላእ ዘርኢ ሰብ ብለበዳ ኮቪድ 19 ሕማም ኣብ ከቢድ ስግኣት ወዲቑ ኣብ ዘለሉ እዋን፡ መላእ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ብሓባር ድምጹ ናብ ሰማየ ሰማይ ከስምዕ

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 25 መጋቢት 2020 ዓ.ም. መላእ ማሕበረ ክርስቲያን ዓለምን ኣቢያተ ክርስትያንን እቲ ብኮቪድ 19 ምኽንያ ተኸሲቱ ዘሎ እዋን መከራን ጭንቅን ከብቕዕ ብሓባር እታ ኢየሱስ ዝመሃረና ኣቡነ ዘበሰማያት እትብል ናይ ምህለላን ልመናን ጸሎት ክደግም ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካ

ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር ዝብል ጸሎት መላእ ማሕበረ ክርስቲያን ዘዋህድ እዩ፡ ኢየሱስ ንእግዚኣብሔር ኣቦ ቢልና ጸዊዕና ክንጽልዮ ዝመሓረና ዕለታዊ እንጌራና ክህበናን ካብ ፈተና ናጻ ከውጽኣናን እነቕርቦ ጸሎት ሎሚ ዕለት 25 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ መላእ ዓለም ብዝርከብ ማሕበረ ክርስቲያንን ኣቢያተ ክርስቲያንን ብሓባር ክደግም ተማሕጺኖም፡ እዚ ኸኣ እግዚኣብሔር እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ከብቅዕ ንምሕታትን ንምምህላልን ብዝብል ሓሳብ ከምዝዀነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሰንበት ዕለት 22 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ቅዱስነቶም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ፡

“ዝተፈተኹም ኣሕዋተይን ኣሓተይን፡ ኣብዚ ጽንኩር እዋን ፈተና’ዚ መላእ ዘርኢ ሰብ ብለበዳ ኮቪድ 19 ሕማም ኣብ ከቢድ ስግኣት ወዲቑ ኣብ ዘለሉ እዋን፡ መላእ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ብሓባር ድምጹ ናብ ሰማየ ሰማይ ከስምዕ እናተበዅ፡ ኩሎም ናይ ዝተላፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መንፈሳውያን መራሕትን ማሕበረአሰብ ክርስቲያንን ብሓባር ነቲ ልዕሉ ከሃሌ ኵሉ እግዚኣብሒር ብሓደ ድምጽን ኣብ ሓደ ውሱን ሰዓትን እታ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኽንደግማ ዝመሃረና እቡነ ዘበሰማያት እትብል ጸሎት ንኽደግም እምሕጸን፡ …  ኵሉ ነዛ ጸሎር እዚኣ ዕለት 25 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር ጸሎት ይድገም ሓደራ፡ … ዕለት 25 መጋቢት ብዙሓት ክርስቲያን ዓመታዊ በዓለ ትስብእቱ ዘብዕለሉ ዕለት ብምዃኑ፡ ምስ እዚ ቅዱስ ገብርኤል ንማርያም ኢየሱስ ክትወልዲ ኢኺ ቢሉ ዘበሰረላ ዕለት እዩ፡ ስለዚህ ኣብዛ ዓባይ ዕለት እዚኣ እቲ ትንሳኤ ዘእግዚእነ ንምብዓል ዝቐራረብ ዘሎ መላእ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዓለም ብሓደ መንፈስ ኣቡነ ዘበሰማያት ጸሎት ክደግም እላበው” ከምዝበሉን ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዘቕረብዎ ጻውዒት ሓቢሮም ኣቡነ ዘበሰማያት ክደሙ እንከለዉ ብቐጥታ ብናይ ምስማዐ ርእየት ውሕዘት ከምዝመሓላለፍን ስዒቡ ብፁዕ ካርዲናል ኮማስትሪ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘዕርገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ክስዕብ ምዃኑ ኣሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ንዘቕረብዎ ጻውዒት ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለምዎስ ቀዳማውን፡ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ዩስቲን ወልባይን ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣብቲ ጸሎት ክሓብሩ ምዃኖም ድሮ ከምዘፍለጡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

25 Mar 2020, 11:01
Prev
March 2025
SuMoTuWeThFrSa
      1
2345678
9101112131415
16171819202122
23242526272829
3031     
Next
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930