ብጐይታ ወትሩ ተሓጐሱ! እንኮ ሕጊ ክርስትና ሓጐስ እያ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ሣልሳይ ሰንበት ዘምጽኣት ነቲ ቀድም ብትንቢት ኣብ ጸበባ ንዝነበሩ ሕዝበ እግዚአብሔር መሲሕ መድሓኒ ከምዝመጽእ ዝተነግረ እሞ እቲ መጺሕ እቲ መንፈስ ቅዱስ ዝመልኦ ንኩሉ ሓጐስ ዝኸውን ልዕሊ ኩሉ ከኣ ‘ንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ እሞ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ እዩ። ንስቡራት ልቢ ኽዘንን፡ ንምሩኻት ሓርነት፡ ንእሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ ለኣኸኒ። ዓመት ጸጋ እግዚኣብሄርን መዓልቲ ሕነ ኣምላኽናን ክእውጅ፡ ንዂሎም ሕዙናት ከጸናንዕ’ እንክብል ምጽንናዕ ይእውጅ እሞ በዚ ምጽንናዕ እዝን በዚ ተስፋ እዝን ኩሉ ክሕጐስ ይዕድም ከክንዲ እታ ነዚ ምጽንናዕ እዝን እዚ ተስፋ እዝን እትቅበል ቤተክርስትያን ኰይኑ ከኣ ‘እግዚኣብሔር ልብሲ ምድሓን ኣልቢሱኒ፡ ብመርግፍ ጽድቂውን ኣጐልቢቡኒ እዩ እሞ፡ ብእግዚኣብሔር ኣዝየ እሕጐስ፡ ነፍሰይ ብኣምላኸይ ባህ ይብላ ኣሎ’ ይብል ኣብ ትንቢት ኢሳያስ 61። ከምኡ’ውን እዚ ትንቢት እዚ ምስ ተፈጸመን ድሕነት ምስ ተዓደለን እቲ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ድሕነት ዝህቦ ሓጐስ ንተኸተልቲ ክርስቶስ ዘቅርቦ ሓደራ ‘ኵሉ ሳዕ ተሐጐሱ። ከየባተኽኩም ጸልዩ። እዚ ምእንታኹም ብክርስቶስ ኢየሱስ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብዅሉ ኣመስግኑ’ (1ተሰ 5.16-17) ንዝብሎ መሠረት ብምግባር ቅዱስነቶም ሕጊ ክርስትያን ሓጐስ ጥራይ ምዃና ገሊጾም። ነዚ ንምብርራህ ከኣ እዚ ሓጐዝ እዚ ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዝብሎ ጐይታ ቀረባ ስለዝኾነ ከምቲ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትናን መነባብሮናን ሓደ ብጣዕሚ እንፈትዎ ሰብ ክበጽሓኩም እመጽእ ኣሎኹ ቢሉና ክንጽበ እንከሎና ዘሎ ታሕጓስ እዩ ኢሎም።
ታሕጓስ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ!
ንምጽኣት ጐይታ ብዓቢ ሃንቀውታ ዝጽበዩ ካብ ዝነበሩ ድሕሪ እኖና ድንግል ማርያምን ቅዱስ ዮሴፍን ዮሓንስ መጥምቅ ከምዝነበረ ዝገብለጹ ቅዱስነቶም እዚ ከኣ ካብታ ኣብ ማሕጸን ኣዲኡ እንከሎ ገና ኣብ ጽንሲ ብዝነበረ ኢየሱስ ብታሕጓስ ካብ ዝተሰራሰረሉ ግዜ ጀሚሩ ክሳብ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ኣጠሚቑ ተልእኮኡ ፈጺሙ እነሆ በግዕ እግዚአብሔር ኣነ ትሕት ክብል ንሱ ክልዕል ኣለዎ ኣነ ሓጐሰይ ወሰን የብሉን ዓርኪ መርዓዊ ብድምጺ መርዓዊ ከምዝሕጐሶ እሕጐስ ኣሎኹ ክብል ይገልጾ።
ንኢየሱስ ማእከል ኩሉ ምግባር!
ቅዱስነቶም ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገለጾ ዕብየት ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ዳግም ብምዝካር ናይ ዘመነ ሓቀኛን ጽኑዕን ተባዕን መራሒ ሕዝቡ ከምዝነበረን ኣብ መላእ ይሁዳ ብኩሎም ፍሉጥን ህቡብን እኳ እንተነበረ ወትሩ ናብ ጐይታ የመልክት ነበረ ነዚ ከኣ ከምቲ እኖና ቅዱስት ድንግል ማርያም ትገብሮ ዝነበረት ናብ ኢየሱስ ብምምልካት ኢየሱስ ማእከል ኩሉ ማእከል ድሕነት ማእከል ሕይወትን ተልእኮን ንክገብሩ ንዝመጽዎም ናብ ኢየሱስ የመልክቱ ነበሩ። ምንጪ ሓጐሶም ከኣ እዚ ነበረ። ሎሚ ንዓና ንክርስትያን እውን ምንጪ ሓጐስና እዚ ክኸውን ከምዘለዎ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ነዚ ንምግባር ግን ከምዚ እንዛረቦ ቀሊል ከምዝኰነ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ኣብዚ ምስክርነት ናይ ጐይታ ንክበጽሕ ነዊሕን ጽንኩርን ጒዕዞ ከምዝፈጸመ ኣብ ዘጓነፎ ወሰንትን ወጠርትን ውሳኔታት ከኣ ሱር ነቀል ዝኾኑ ምርጫታት ከምዝገበረን ብዙሕ ነገር ራሕሪሑ ከምዝገደፈን ከምዝመነን ክንዝክር ሓደራ ኢሎም። በዚ ከምዝኸስ ንክርስቶስ ማእከል ምግባርን ብታሕጓሱን ኣብ ታሕጓሱን ምንባርን ቀሊል ጒዕዞ ከምዝይኮነ ንገንዘብ እውን ኢሎም።
ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ኣብነት ስብከተ ወንጌል!
ሽሕ’ኳ ሕይወት ቅዱስ ዮሓንስን ገድሉን ብጐይታ ታሕጓሱን ናይ ውልቁን ዘይድገሙን እንተኾኑ እቲ ዝህቦ ምስክርነት ግን ንትርጉም ሕይወት ሃሰስ ዝብልን ነታ ሕጐስ ጐይታ ንክረክብ ንዝደልን ኣብነት ክኾነና ከምዝኽእል ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
እግዚአብሔር ብኣኣ ቀረባና ዝኾነ ድንግል ማርያም!
ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ናብቲ ክመጽእ ዘለዎ እንከመልክትን እንክጽበን ኣብነት ሰብኽቲ ወንጌል እንተበልና ክንዮኡ ግን እታ ብኣኣ ኣቢሉ እግዚአብሔር ቀረባና ዝኾነ ምክንያተ ፍስሓነ ምኽንያት ሓጐስና ክትከውን ዝገበራ እኖና ድንግል ማርያም ኣላ።