ድለ

ዝኽሪ መበል 51 ዓመት ማዕርገ ክህነት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝኽሪ መበል 51 ዓመት ማዕርገ ክህነት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 

ዝኽሪ መበል 51 ዓመት ማዕርገ ክህነት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ዕለት 21 መስከረም 1953 ዓ.ም. ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብላቲናዊ ስርዓተ ኣምልኾ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ማቴዎስ ወንጌላዊ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ወዲ 17 ዓመት እንከለዉ ዓቢይ ድላይ ምስጢረ ንስሓ ሓዲርዎምን ክናዘዙ ናብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ኣተዉ ክህነታዊ ጸዋዕታ ክምእተሰመዖም

ቅድሚ 51 ዓመት ዕለት 13 ታሕሳስ 1969 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብታ ዕለት እቲኣ ቅድሚ 16 ዓመት ምዃኑ እዩ ክህነታዊ ጸዋዕታኦም ኣለልዮም፡ ዕለት 21 መስስከረም 1953 ዓ.ም. ዓመታዊ  በዓል ቅዱስ ማቴዎስ ወንጌላዊ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ እተብዕለሉ ዕለት መንእሰይ በርጐሊዮ ምስጢረ ንስሓ ክስርዓሎም ብርቱዕ ድላይ ይሓድሮም እሞ ክናዘዙ ናብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ኣተዉ ጸጋ ክህነታዊ ጸዋዕታ ዝተለገሰሎም ዕለት ምዃኑ ናይ ታሪኽ ማህደሮም ይሕብር።

ኣብ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ክህነቶም
ኣብ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ክህነቶም

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ከም ሎሚ ዕለት 13 ታሕሳስ ቅድሚ 51 ዓመት ቀዳማይቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ክህነታዊ ሕይወቶም ኣሃዱ ዝበሉላ ዕለት ኮምዝኾነትን ካብታ ዕለት ቁሩብ መዓልታት ንደሓር እውን ብትኽክል ዕለት 17 ታሕሳስ መበል ሳላሳን ሰለስተን ዓመት ዕድመኦም ከብዘብዓሉን፡ ማዕርገ ክህነት ቅድሚ ምቕባሎም ዕለት 11 መጋቢት 1958 ዓ.ም. ኣብ ማሕበር ኢየሱሳውያን ናይ ተመክሮ ዓመታቶም ከምጀመሩን ዕለት 22 ሚያዝያ 1973 ዓ.ም. ከኣ ከም ወዲ ማሕበር ኢየሱሳውያን ዓቢይ መብጽዓ ከምዝፈጸሙ ኣብ ናይ ቅዱስነቶም ናይ ታሪኽ ማህደር ነንብብ።

ዕለት 21 መስከረም 1953 ዓ.ም. ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብላቲናዊ ስርዓተ ኣምልኾ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ማቴዎስ ወንጌላዊ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ወዲ 17 ዓመት እንከለዉ ዓቢይ ድላይ ምስጢረ ንስሓ ሓዲርዎምን ክናዘዙ ናብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ኣተዉ ክህነታዊ ጸዋዕታ ክምእተሰመዖምን ካብታ ዕለት እቲኣ ኣትሒዞም እውን እግዚኣብሔር ዝዓደሎም ጸዋዕታ ከምዝሰዓቡ እነሆ ሎሚ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ይጓስዩ ኣለዉ።

ዝጽበየካ ከምዘሎ ክስቆረካ እንከሎ

ምስ ዘይፈልጥዎም ካህን ተራኺቦምን ዝተሰረዓሎም ምስጢረ ንስሓ ህይወቶም ከምዝለወጦ፡ ባዕሎም ቅዱስነቶም ነታ ዕለት እቲኣ እውን፥ “ናይ ምርኻብ ተመክሮ ዝገበርኩላ ዕለት እያ፡ ዝጽበየኒ ከምዘሎ ዘስተውዓልኵላ ዕለት” እንክብሉ ገሊጾም፡ “እንታይ ከምዘጋጠመኒ እውን ኣይተረድኣንን፥ ኣይዝከረንን እውን፡ እቶም ካህን ኣይፈልጦምን እየ፡ ክናዘዝ ግን ብርቱዕ ድላይ ተሰመዓኒ፥ እቲ ሓቂ ግና ዝጽበየኒ ከምዘሎ እዩ ዝተሰመዓኒ” እንክብሉ ዕለት 13 ግንቦት 2013 ዓ.ም. ኣብ ዋዜማ በዓለ በራቅሊጦስ ምስ ዝተፈላለያ ካቶሊካውያን ምንቅስቓሳት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተራኺቦም ኣብ ዝለግስዎ ቃል ከምዝሓበሩ እውን ይዝከር፡ “ካብ ነዊሕ እዋን እትሒዙ ምስ ዝጽበየኒ ዝነበረ ኣካል ዝተራኸብኩላ ዕለት እያ፡ ምስ ተናዘዝኩ ኣባይ ዓቢይ ለውጢ ተሰመዓኒ፡ ካህን ክኸውን ብርቱዕ ድላይ ተሰመዓኒ” እንክብሉ ኣብ ሕይወቶም ህላዌ ፍቕሪ  እግዚኣብሔር ከምዘስተውዕሉን፡ ኣብ ልቦም ምሕረት እግዚኣብሔር ከምዝበጸሖምን ኣብ ማሕበር ቅዱስ ኢግናዚዮስ ዘሎዮላ ንገዳማዊ ሕይወት እውን ክመዝጸወዖም ኣስተውዓሉ፡ ‘ርህራሄን ሕርየትን’ ዝብል መርሖ እውን ናይ ር.ሊ.ጳጵስናኦም መለለዪ ክኸውን ከምዝገበሩን እዚ ኸኣ ምስ ናይ ቅዱስ ማቴዎስ ጸዋዕታ ዝተጣምረ እዩ፡ ቅዱስ በዳ ካህን ናይ ማቴዎስ ጸዋዕታ “ማቴዎስ ዚብልዎ ሰብኣይ ኣብቲ በሪ ተጎ ተቐሚጡ ረኣየ እሞ፡ ስዐበኒ፡ በሎ። ተንሲኡ ኸኣ ሰዐቦ“ ዝብል ቃለ ወንጌል ከብርህ ዝተጠቀመሉ ቃል እውን ከምዝኾነ ቅዱስነቶም የብርሁ።

ካህናት ኣብ ልቢ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዙሕ እዋን ኣብ ዝለግስዎ ስብከት ብዛዕባ ካህናት ይዛረቡን ንካህነት ዝኣመተ መልእኽቲ እውን የመሓላልፉ፡ ብፍላይ ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝርኣየሉ ዘሎ እዋን ኣብዚ ቅልውላው ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ካህናት ዝፍጽምዎ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብፍሉይ ይገልጹ፡ ዕለት 31 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ኣብ እዋን መስዋዕተ ቅዳሴ ምብራኽ ቅዱስ ዘይት ከምቲ ልሙድ ምስ ካህናት ክራኸቡ ድላይ እውን እንተነበሮም፡ ብኮቪድ 19 ምኽንያት ዝተደንገገ ሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ እዋጅ ምኽንያት ዘይፈጸመዎ እውን እንተነበረ፡ ንካህናት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ብዛዕባ ናይ ሕዝቦም ስቓይ በእዳዎም ዝተንከፉ ካህናት ይዛረቡ፡ ናይ ሕዝቢ ጉዕዞ ዝካፈሉን ሕዝቦም ዘጸናንዑን ዘጽንዑን ካህናት፡ ከም ማሕበረሰብ ካህናት ንክውንነት መጻእተይናን ብመስኮት ኣርሒቖም ዝምልከቱ ኣይኮናን፡ ኣብቲ ዝግዕር ማዕበል ገዛእ ርእሱን ዘሳትፉን ንሕዝቦም ኣብቲ ጽንኵር እዋን ርሒቖም ዘይኮነ ኣብ ማእከሉ ተረኺቦም ዘሰንይዎ፡ ቅድሚ ሕዝበይ ዝብሉን  ቅድሚ ሕዝቢ ንኽንከውን ዝተጸዋዕና ኢና፡ ተዅላ ክመጽእ ርኢዅም ንመጓሰይ ንበይኑ ራሕሪሕኵም ዘይሃደምኵም” ቢሎም፡ ካህን ደላይ ንጥበብን ርሑቕ ኣማትነን ንናይ ሓባር ጻዕር ትጉህ ንኽኸውን ኣነቓቒሖም፡ ጽን ናይ ምባል ተስፋ ዝዓሰሎ ልዑል ዝምባለ፡ ቅሱን ግን ጽኑዕ ዘላቒ ግን ዘይርብጹ ብምዃን ነቲ ጐይታ ዘሰናድዎ መገዲ ዘቕንዕ እዩ፥ ከም ካህናት ናይቲ ካህን ሕዝቢ ውላዱን ኣካሉን ኢና፡ ነዚ ሕዝቢ እዚ ንመጻእን ሕውነት ዘማዕደውን ክኸውን ብሓላፍነት እነሰንይ ኢና” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ቅንኣት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ምትብባዕን

ዕለት 20 ሰነ 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ንሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ንዞባ ሎምባርዲያን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ “ናይ ካህናት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ናይ ምትብባዕን ቀናእነትን” ዝብል ሓሳብ ኣሞርኵይዞም ካህናት ሕዝቢ ኣብ ናይ እምነት ጉዕዞ ክስጉምን ኣብ ቅድሚ እቲ ስቓይን ፍርሕን በይኖም ከምዘይኮኑን ዘተባብዑን ኣብ ጐድኒ ዝሳቐዩ እያቶም” እንክብሉ ናይቶም ካህናት ሓዋርያዊ መንፈሶምን ነሕዝቢ ብለብዒ ምኽንያት ተወሺቡ ንዝነበረ ኵሉ ብናይ ኢድ ተለፎን ድዩ ብኣካል እውን ማዕጾ ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር እናዃሕኵሑን ዝፈጸምዎ ምጽንናዕ ዝነኣድ እዩ፥ ቅርበትን መሓዝነትን ብዘይይ ዝኾነ ይዅን ምድሕሓር፡ ንሕዝቦን ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ናይ ሕዝቢ ዝዋስኡን ቀረባ ብምዃን ናይ እግዚኣብሔር ናይ ምጽንናዕ ትእምርቲ ኮይኖም ከምእተረኽቡን” ገሊጾም “ኣብዚ ኣገልግሎት’ዚ ልክዕ ከምቶም ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ካህናት ከምዘለዉ እዝክርን፡ ብዙሓት ካህናት እውን ኣብዚ ኣገልግሎት’ዚ ብኾሮና ተሕዋስ ከምእተለኽፉን ብዙሓት ከምዝሓወዩን እውን ክዝርክ እፈትው፡ ኣብዚ ኣገልግሎት’ዚ ንመላእ ናይ ኢጣሊያ ካህናት ከመስግን እፈትው፡ ትብዓቶምን ንሕዝቦም ዘለዎም ፍቕርን ክነስተውዕል ዝገበረ ኵነት እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

14 December 2020, 15:46