ር.ሊ.ጳ. ኣብ ማሊ ተጨውየን ዝነበራ እናቴ ናርቫኤዝ ናጻ ምልቓቐን ዝፈጠረሎም ሓጐስ
ኣብ ማሊ ዘገልግላ ዝመነራ ተወላዲት ኮሎምቢያ ኣባል ማሕበር ደናግል ፍራንቸስካውያን ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት ተጨውየን ድሕሪ ምጽናሕ ዕለት 9 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ናጻ ከምእተለቃን ኣብ ጽቡቕ ኵነታት እውን ከምዝርከባን ኢጣሊያ ከምዝኣተዋን ምስ ተሰምዐ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መለኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ዝተሰምዖን ሓጐስ ከምዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ እቲ ንመኽፈቲ ሲኖዶስ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ፍጻሜ ኣብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝተረኽባ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ተጨውየን ዝነበራ ዕለት 9 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ናጻ ተለቒቐን ኢጣሊያ ዝኣተዋ ኣባል ማሕበር ፍራንቸስካውያን ደናግል እናቴ ግሎሪያ ቸቺልያ ናርቫአዝ ብሓጐስ ከምእተቐበልወን ዝተሰምዖን ሓጐስ እውን ከምዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እዘን 59 ዓመት ዝዕድመአን ተወላዲት ኮሎምቢያ እናቴ ናርቫኤዝ ናጻ ከምእተለቓ ዕለት 9 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ብወግዒ ዝሓበረ ናይ ኢጣሊያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ መግለጺ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ማሊ በቲ መግረባዊ ዓል ቃይዳ ዝፍለጡ ዕጡቓት ሓይሊ ተጨውየን ከምዝነበራን ሳላ ናይ ኢጣሊያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ምስ ናይ ማሊ ላዕለዎት ኣካላት ብዘካየዶ ሓባራዊ ጻዕሪ ናጻ ተለቒቐን ጥዕናአን ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።
ጸሎት ማሕበረ ክርስቲያን ማሊ
እተን ኣብ ማሊ ንሸሞንተ ዓመት ዘገልግላ ዝነበራ ኣባል ማሕበር ፍራንቸስካውያን ደናግል ኣብ ማሊ ከም ሎሚ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመትን ሸሞንተ ወርሕን ማሊን ብርኪናፋሶን ኣብ ዘዳብው ካብ ባማኮ ብወገን ምብራቕ ኣርባዕተ ሚእቲ ኪሎ ሜትር ርሕቐት ኣብ እትረከብ ቁምስና ካራንጋሶ ዝተጨውያ ናጻ ተለቒቐን ዕለት 9 ጥቅምቲ ለይቲ ሮማ ከምዝኣተዋን፡ ኣብ ኢድ ጨወይተን እንከለዋ ጨወይተን ዓል ቃይዳ ናይቲ ግብረ ጨወያ ተሓታቲ እየ ዝብል መልእኽቲ፡ ኣመሓላሊፉ ከምዝነበረ ብሓገዝ ዓለም ሓቆፍ ቀይሕ መስቀል እውን ንሓወን ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን ብዛዕባ ኵነታትን ሓቢረን ከምዝነበራ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ቡርኪና ፋሶ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ናጻ ምእንቲ ክልቀቓ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ናይ ናይ ጸሎት መደባት ከምዘካየደን ኣብ 2020 ዓ.ም. መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቡርኪና ፋሶ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ካብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተመሳሳሊ ናይ ጸሎት መደባት ምክያዱ ይሕብር።
ኣኽብሮት ንትብዓተን
እዘን መበቈለን ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኮሎምቢያ እትርከብ ዞባ ፓስቶ ዝኾና እናቴ ግሎሪያ ኣባል እታ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ 17 ሃገራት ናይ ዘገልግል ኣብ 1893 ዓ.ም. ኣብ ስዊዘርላንድ እተመስረተ ማሕበር ፍራንቸስካውያን ንጽሕት ድንግል ማርያም ከምዝኾናን ናጻ ብምልቃቐን ናይ ኮልምቢያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ማሪዮ ደ ኸሱስ ኣልቫረዝ ጐሞዝ ብስሞምን ብስም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኰሎምቢያ ዝተሰምዖም ሓጐስን ኣኽብሮት ንትብዓት እናቴ ግሎሪያ ከምዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።