2021.10.01 World food forum 2021 logo lancio 2021.10.01 World food forum 2021 logo lancio 

ነዚ ብለበዳ ተናዊጹ ዘሎ ዓለምና ዳግም ከምዝውለድ ግበሩ! ር.ሊ.ጳ ንመንእሰያት

ዎርልድ ፉድ ፎረም መጋባእያ መግቢ ዓለም ካብ ዕለት 1 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 5 ጥቅምቲ 2021 ዓም ብመንእሰያት ውድብ መግብን ሕርሻን ፋኦ ብመራኸቢ ብዙሓን ብበይነ መረብት ይካየድ ኣሎ። ዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን ክንዲ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኰይኖም ቃሎም ብቪድዮ ከምዝሃቡን ‘ብለበዳ ኮቪድ 19 ተናዊጹ ንዘሎ ዓለምና ሓዲስ ሕይወት ንምርካብ ዳግም ከምዝውለድ ክገብርዎ’ ጻውዒት ኣቅሪቦም።

ዜና ቫቲካን!

ንዓለምና ዘንጸላሉ ጥሜትን ዓጸቦን ኩለንትናዊ ፍታሕ ንምርካብ ዓውለማዊ ጥበባት ንምውዳድ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ መጽናዕትታን ሃሰሳን ዘካይድ ጨንፈር መንእሰያት ውድብ ሕርሻን መግብን ዓለምና ዳብልዩ ኤፍ ኤፍ ብዝብል ምሕጻረ ቃል ዎርድ ፉድ ፎረም ማለት መጋባእያ መግቢ ዓለም ብምስንዳእ ወትሩ ምስ ዘተየ ኰይኑ ሎምዘመን ግን ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ብኣካል ክራኸቡ ኣብ ዘይከኣሉሉ ዘመነ ለበዳ ኮቪድ ብበይነ መረብ ርክብ ኣብ ዘካይዱሉ እዋን ቅድስት መንበር ወትሩ ቃል ር.ሊ.ጳ ምስ ኣቅረበት ብምዃኑ ነዚ ኣብ ትሕቲ ፍሉይ ኩነታት ዝፍጸም ዘሎ መጋባእያ ቃል ር.ሊ.ጳ ዘቅረቡ ዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን ብቪድዮ ነበረ።

ቅዱስነቶም ኣብ ዝሃብዎ ቃል ንዘሎናዮ ኩነታት ምናዳ ለበዳ ኮቪድ 19 ዘስዓቦ ነውጺ ነቲ ብቀደሙ ብዋሕዲ መግቢ ዝሳቀ ዘሎ ዓለምና ኣብ ዝገደደ ዓዘቅቲ ከምዝሸመሞ ብምግንዛብ መንእሰያት ነዚ ኣብ ቅልውላው ዝርከብ ዓለምና ሕይወት ክዘርኡሉ ብኩሉ ኩሉ ተሓዲሱ ዳግም ከምዝውለድን ንነፍሲወከፍ ዜጋ ዝግብኦ ክብሪ ከልብሱ ብሓባር ኣብ ምስራሕ ከይስልችው ሓደራ ኢሎም።  ልዕሊ ኩሉ ዝበለጸ መጻኢ ዓለምና ከም ዕላማ ሒዞም ብሕብረት ክሰርሑን ጸኒዖም ጻዕሮም ክቅጽሉን ከምዘድሊ እውን ኣዘኻኺሮም።

ከምዝዝከር ዝተፈላለዩ ጨናፍር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገለ ብሓለዋ ጥዕና ገለ ብትምህርትን ኩስኰሳን እንክሰርሑ ብፋኦ ዝብል ምሕጻረ ቃል ዝፍለጥ ንውሕስነት ሕርሻን መግብን መላእ ዓለምን ዝቃለስ ክፍሊ ካብ ሓጺር ዘይብሃል ግዜ ጀሚሩ ብናኣሽቱ ወለዶ ማለት ብመንእሰያት ዝቆመ ንውሕስነት መግቢ ጥራይ ዝምልከት መጋባእያ ብምቋም ካብ ምሉእ ዓለም ተጋቢኦም ንመላእ ዓለም ዝኸውን ፍታሕ ኣብ ምንዳይ ተዋፊሮም ዝተፈላለየ መጽናዕታትን ሃሰሳትን ፈተነታትን የካይዱ ኣለው።

እዚ ብመንእሰያት ዝምራሕ ምንቅስቃስ እዚ ነቲ ካብ ሾቶታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓደ ዝኾነ ጥሜት ኣልቦ ዓለም ንምርኣይ ዝህንጠ ብምዃን ኣብ ከብዲ እቲ መግብን ሕርሻን ከውሕስ ዝቆመን ቀንዲ ቤትጽሕፈቱ ኣብ ሮማኣ ዝገበረን ፋኦ ውድብ መግብን ሕርሻን ብመንእሰያት ዝቆመ ጨንፈር እዩ። ቀንዲ ዕላማኡ ከኣ ዓለምለኸ ጻዕሪ ጥሜትን ዓጸቦን ንምብዳህ የካይድ ኣሎ።

ጥሜት ፍትሒ!

ኣተኲሮ ቃል ቅዱስነቶም ንዋና ኣመሓዳሪ ፋኦ ኩ ዶንግዩ ኣብ ዝምልከት ክፍሉ ነዞም ሓደስቲ ወለዶ ዝኾኑ መንእሰያት ንምሕጋዝን ነቲ ዘለዎም ጥሜት ንምዕንጋል ምናዳ ከኣ ኣብ መሪሕነት ንዘለዎም ጥሜት ፍትሒ ምንዳይ ንክሕግዙ ነዚ መጋባእያ እዚ ክውን ዝገበሩ ስለ ጥበቦም ኣመስጊኖም። እቶም በዚ መንፈስ እዚ ካብ መላእ ዓለም ተዋጺኦም ዝሰርሑ ዘለው መንእሰያት ኣብቲ ዝገብርዎ ጻዕሪ ቀንዲ ዕንቅፋት ብምዃን ቅልውላው መግቢ ዝፈጥሩ ዘለው ካብ ውግኣት ጀሚርካ ክሳብ ክሊማዊ ለውጢ ብዙሓት ከምዝኾነ ተገንዚቦም ፍታሕ ዘናድዩ መንእሰያት ውሑዳት ከምዘይኮኑ ጻዕሮም ብምንኣድ ናብዚ ዘብጽሖም ምኽንያት ኣሕጽር ኣቢሎም ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።

“ኣባላት ሓንቲ ኅብረተሰብ ምዃኖምን ኣብ ሓባራዊት ገዛ ዝኾነት ዓለም ብሓባር ምንባሮምን ነቲ ንዘመደ ኣዳም ብሓዲስ መንገዲ ዝፈታተን ዘሎ ግድላት ፍታሕ ንምርካብ ብዘይወዓል ሕደር ብሕጹጽ ክንቀሳቀሱን ፍታሕ ክረኽቡን ሓያል ምልዕዓል ኣሕዲርሎም። እዚኦም ሓደስቲ ወለዶ እዚኦም ንዝሸምገለ ዓለምናን ኣረግቶት ጸገማቱን ዝተሓደስ ፍታሕ ከምጽኡ ዝተዋህቡና ጸጋ ስለዝኾኑ ትብዓቶም ብሓጺር ኣመለኻኽታን ኣተሓሳባን ክቊጸ የብሉን ኢሎም።”

ጥሜት ካብ ገጽ ምድሪ ምውጋድ!

ቅዱስነቶም ኣብ ቃሎም ነቲ ኣብ ዝሓለፈ መስከረ 23, 2021 ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሥርዓተ ኣመጋግባ ዓለምና ብዝምልከት ዝገበሮ ጉባኤ ዘኪሮም ካብቲ ቀንዲ ምሕጽንታ መራሕቲ ዓለምና ነቲ ሓደ ካብ ሸቶታቱ ዝኾነ ጥሜት ካብ ገጽ ምድሪ ንምውጋድ ክውን ንክኸውን ብሓባር ክሰርሑ ሓደራ ዝበልዎ ዳግም ጠቂሶም። እዚ ቃላት እዚ ግን ቃላት ጥራይ ዘይኮነ ‘ንመጻኢ ወለዶ ማለት ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ደቅናን ደቅናን ዝተኣትወ ኪዳን ተስፋ እዩ’ ኢሎም። በዚኸስ መንእሰያት ወትሩ ጽኑዓት ኰይኖም ብዘይምቁራጽ ቃልሶም ክቅጽሉ ንዝበለጸ መጻኢ ክሓልሙ እሞ ነዚ ሃረርታ እዚ ጭቡጥን ትርጉም ብዘለዎን ተግባር ክውን ክገብርዎ ብምዝኽኻር ክንዮ ብልማድ ዝግበር ዕንኪላሎን ምድንጋራትን ሰጊሮም ነዚ ብለበዳ ተናዊጹ ዘሎ ዓለምና ዳግም ከምዝውለድ ክግብሩ። መንእሰያት መጠን ምድግጋፍን ፈጠራን መንፈስ ክብርን ዝዘርኡሉ መጠኑ ኩሉ ብሓጐስ ክፍጸም እዩ’ እንክብሉ ሓደራ ምስ በሉ መራሕቲ ዓለም ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዕለታት ዝኣተውዎ ቃል ከይዓጸፉ ነዞም ሓደስቲ ወለዶ ካብ ምዕንቃፍ ብምጥንቃቅ ዓይኒ ዓይኖም እናጠመቱ ንሻቅሎቶም ክሰምዑን ነቲ ‘ንመጻኢኦም ዝውስን ናይ ሎሚ ኣነባብራ እዩ ዝብል’ ራእዮም ክቅበሉ ግዱዳት ምዃኖም ብምግላጽ ቃሎም ሃቡ።

ብድምጺ ንምክትታል!
02 October 2021, 18:25