ዒራቕ፥ ድሕሪ ዝወረደ መጥቃዕቲ ር.ሊ.ጳ. መገዲ ሰላም ክብገስ ዝብል ናይ ተስፋ መልእኽቲ
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ክታም ብዝተነብሮ መልእኽቲ ኣቢሎም ነቶም ካብ ዝተፈጸመ ናይ መቕተልቲ መጥቓዕቲ ዘምለጡ ናይ ዒራቕ መራሔ መንግስቲ ሙስታፋ ኣል ካድሂሚን ነዅሎም ነቶም ማህሰይቲ ዝወረዶምን ቅርበቶም ገሊጾም ናይ ሞት ሓደጋ ንዘጋጠሞም እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎም ጸሎተይ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
መራሔ መግንስቲ ዒራቕ ሙስጦፋ ኣል - ካድሂሚ ባቕዳድ ኣብ ዝርከብ መንበሪኦም ዕለት 7 ሕዳር ብለይቲ ካብ እተፈነወ መጥቃዕቲ ከምዘምለጡን እተን ክልተ ነፈርቲ ድሮን ብናይ መራሔ መግንስቲ ናይ ጸጥናን ደሕንነት ሓይሊ ከምእተወቕዓን እታ ሳልሰይቲ ድሮን ድማ ንኽልተ ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ ንሞት ሓደጋ ከምዘቃልዐትን ክንገር እንከሎ፥ ነዚ ምኽንያት ዝገበሩ ቅዱስነቶም በቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ መልእኽቶም ኣቢሎም፥ ቅርበቶምን ጸሎቶም ከምዘረጋገጹን ንስድራ ቤት መራሔ መግንስቲ ዒራቕ ቅርበት ኣረጋጊጾም ነቲ ዝተፈነወ ዘሰንድብ ግብረ ሽበራ ኮኒኖም ንመላእ ሕዝቢ ዒራቕ በረኸት ኣምላኽ ተማሕጺኖም ብዘተን ሓድነትን ኣቢሉ መገዲ ሰላም ብጥበብን ብቘራጽነት ክስዕብ ከም ዝኽእል ዘለዎም ኣመኔታ ከምዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ነቲ ፍቱው ህዝቢ እንክብሉ ዝገለጽዎ ህዝቢ ዒራቕ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ናብ ዒራቕ ዘቕንዕን ኣብ ዒራቕ ዝፍነው መጥቓዕቲ ብሓደ ድምጺ ክዅንን ጻውዒት ከምዘቕረቡን ቅዱስነቶም ኣብታ ሃገር ካብ ዕለት 5 ክሳብ ዕለት 8 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶ ከምዝነበሩን ኣብ ባቕዳድን ክራኮሽን ከምኡ እውን ዔርቢልን በጺሖምን ንስቓይ ህዝቢ ዒራቕን ናይ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ስቓይ ከምዝተንከፉን፥ ዒራቕ ወትሩ ኣብ ልበይ እያ ከምዝበሉ የዘኻኽር።
“ኣብ ሕግን ዜግነትን ስርዓትን ፍትሕን እተመስረተት” ሕንጸት ሓያል ዒራቕ ንምዕጋት ዝዓለመ መጥቓዕቲ፥ ኣብ ዒራቕ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ካርዲናል ልዊስ ራፋኤለ ሳኮ ምስ ኤሺያን ኣገልግሎት ዜና ብዛዕባ እቲ ካብ ዕለት 6 ሕዳር ናብ ዕለት 7 ሕዳር ኣብ ዘሰጋገረ ለይቲ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ቤት መራሔ መንግስቲ ዒራቕ ሙስታፋ ኣል ካድሂሚ ዝተፈጸመ ናይ መቕተልቲ ፈተነ ኣማእኪሎም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥ “እቶም ኣብ ዓለም ዘይተነጸለት ሃገር ክሃንጹ ዝደልዪ መራሔ መግንስቲ ዒራቕ ዝጀመርዎ ጉዕዞ ንምስንኻልን ምዅላፍን ዝሓቀነ እዩ” ቢሎም፡ “እቲ መራሔ መግንስቲ ዘሳልጥዎ ዘለዎ ተሓድሶ ሓቅነቱ እተረጋገጸን ጠቓሚ ከም ዝዀነ ብብዝሓት ዝእመን ከምዝኾነን ክሳብ ሕጂ ጸገማት ንምፍታሕ ኣዋጽዋር ዘይተጠቀሙ ምስ ኵሎም ጸላእቲ ዒራቕን ተጻረርቶም ፖለቲከይናታት ዝዝትዩን ብምርኻብ መሰረታዊ ስርዓት ኣብ ምዝርጋሕ ዝጽዑር እዮም፥ ንዅሎም እቶም ኣብ ዒራቕ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ምእንቲ እታ ሃገር ክጽልዩ ብህድኣትን ብምትእምማንን ክጽበዩ በቲ ናይ ተጻባእቲ ጽልእን ውጥረትን ኪድቈሱ ዘይኮነስ ምንጪ ሚዛን ህዝባዊ ማዕርነት ኣብ ምዃኖም ክቕጽሉ ሓደራ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።