ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ጐይታ ሰማዒ ልቢ እዩ ዚደሊ!

እታ ዓባይ ተባሂላ ተገሊጻ ዘላ ትእዛዝ ኣባና ክትወሃሃድን ናይ ሕልናና ድምጺ ክትከውንን ኣለዋ። መንፈስ ቅዱስ ንዘራኢ እቲ ቓል ኣብ ልዕሌና ከም ዚበቝል ስለ ዚገብሮ እታ ትእዛዝ ዝሞተት ቃል ኣይኰነትን ቃል ኣምላኽ ከኣ ህያውን ውጽኢታውን እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ሓዋርያዊ መስኰት ኮይኖም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ብሓባር ቅድሚ ምዕራጐም፥ ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ወንጌል ማርቆስ ምዕ. 12 ካብ ፍቕዲ 28-34 ዝተወስደ ምንባብ ኣሞርኲይዞም፥ ቃል ጐይታ “ከም ዝኾነ ዓይነት ዜና ክትቅበሎ ዘይኰነስ ክድገምን ክሕሎን ክንበርን ዘለዎ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብታ ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ መወዳእታ ሰንበት፥ ከምቲ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ማርቆስ እነንብቦ፥ እቲ መምህር ሕጊ “ነቲ ኢየሱስ ዝሃቦ መልሲ ምስ ሰምዐ ቅኑዕ ምዃኑ ይፈልጥ ጥራይ ዘይኰነስ እቲ ኢየሱስ እተዛረቦ ቓላት እውን ዝነብር እዩ” . . . እቲ ኢየሱስ ዝምህረና ምድጋም ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ግብሪ ምትርጓም እውን ዝሓትት እዩ፡ ኣምላኽ ዚደልዮ ንፉዕ ተዛራባይ ዘይኮነ ነቲ ቓል ሰሚዑ ክነብሮ ዝኽእል ልቢ እዩ፥

ቃል ጐይታ ከም ዝዀነ ይዅን ዓይነት እንቅበሎ ዜና ኣይኮነን፡ ኪድገምን ክሕሎን ኣለዎ። ገዳማዊ ባህሊ ቃል ኣምላኽ ክስትንተን ከምዘለዎ ይነግረና።

ጐይታ ኣብ ልቢ ምስ ዚነብር

ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ክንቀርብ እንኰለና ንፍሲ ወከፍ መዳይ ሕይወትና ይምግብ። እንተ ዀነ ግን እዚ ንኽፍጸም ኣብ ውሽጥና ክስማዕን ክስትንትንን ኣድላዪ እዩ፥

እዚዩ ዘዕግብ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ኣብ ኵሉ መዳይ ሕይወት ኪበጽሕ ኣለዎ። ኣብ ውሽጥና ኼቃልሕ ኣለዎ። እዚ ውሽጣዊ ኣቅዋውማ እዚ ኽህሉ ከሎ ጐይታ ኣብ ልቢ እዩ ዝነብር ማለት እዩ። ከምቲ እቲ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል እነንብቦ “ንስኻ ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ርሑቕ ኣይኰንካን” ዝተባህለ ንፉዕ ናይ ሕጊ መምህር፥

ምርዳእ ጥራሕ ንበይኑ እኹል ኣይኮነን

ስለዚ ኸኣ እዩ “ንኣምላኽን ንብጻይካን ምፍቃር ከምዘድሊ ምርዳኡ ጥራሕ እኹል ዘይኰነ ልክዕ ከምቲ ንወንጌል ምልላይ ንበይኑ እኹል ዘይኮነ፥

. . . ንወንጌል ኣጸቢቕካ ክትፈልጦ ወትሩ ክትራኸቦን ከተንብቦን እንደገና ከተንብቦን ብውዕዉዕ ስምዒት ክትነግረሉን ኣዚዩ ኣገዳስሲ እዩ። ከምዚ ምስ እንገብር እቲ ቃል ኣቦ ዝኾነ ኢየሱስ ናብ ልብና ይኣቱ ጥልቂ ምርኻብ ይኸውን ንሕና እውን ብእኡ ፍረ ነፍሪ፡

እታ ዓባይ ትእዛዝ

እታ ንኣምላኽን ንብጻይናን ከነፍቅር እትእዝዝ “ዓባይ ትእዛዝ” ቃላት ጥራሕ ኮይና ክትቕጽል ኣይግባእን። “ኣምላኽ ዚህበካ ቓል ፍቕሪ ህያው ልብን እተፈልየን ናይ መጀመርታን ትርጉም ሕይወትን” ክኸውን ቅዱስነቶም እንክላበዉ፥

እታ ዓባይ ተባሂላ ተገሊጻ ዘላ ትእዛዝ ኣባና ክትወሃሃድን ናይ ሕልናና ድምጺ ክትከውንን ኣለዋ። መንፈስ ቅዱስ ንዘራኢ እቲ ቓል ኣብ ልዕሌና ከም ዚበቝል ስለ ዚገብሮ እታ ትእዛዝ ዝሞተት ቃል ኣይኰነትን ቃል ኣምላኽ ከኣ ህያውን ውጽኢታውን እዩ።

ቅኑዕ ሕቶ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣገባብ ሕቶ ከተምልጦ ዘይከኣል ሕቶ ምዃኑ እንከመላኽቱ፥

ንርእስና እዛ ትእዛዝ እዚኣ ብሓቂ ዶ ንሕይወተይ እትመርሕ እያ? ኣብዚ ዕለታዊ ሕይወተይ አረጋግጾ ዶ? ሎሚ ምሸት ቅድሚ ምድቃስና ሕልናና ኣብዚ ቓል እዚ ብምስትንታን ብመርማር ሎሚ ንጐይታ ነፍቅሮ እንተ ዄንና ነቶም ዝረኽብናዮም ከኣ ቍሩብ ሰናይ እንህቦም እንተ ዄንና ክንርኢ መታን!

እንክብሉ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተንትኖ ጉባኤ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዛዚሞም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ከምዝድገሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 November 2021, 08:30