ድለ

መማክር ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጒባኤ ካርዲናላት ዓውደ ኣኼባ መማክር ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጒባኤ ካርዲናላት ዓውደ ኣኼባ 

መማክር ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጒባኤ ካርዲናላት ዓውደ ኣኼባ

ኣብዚ ካብ ዕለት 13 – 15 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መማክርት ጉባኤ ካርዲናላት ር.ሊ.ጳ. ፍራችነስኮ ኣብ ናይ ዕለት 14ን 15ን ታሕሳስ ዋዕላ ከምተሳተፉን

ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መማክርት ፍልዩ ጉጅለ ብጹዓን ካርዲናላት እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጸውዕዎ ዛዕባ ሲኖዶሳውነት ዝመክር ሲኖዶስ ኣብ መላእ ሰበኻታት ዓለም ድሮ ዝተበገሰ ምዕባሌታቱ እንታይ ይመስል ንኸለልይን ከምኡ እውን በቲ ኣብ ዓለም ተፈጢሩ ዘሎ ለብዒ ዘስዕቦ ዘሎ ቅልውላው ክንክን ጥዕናን ኣማእኪሉ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘካየዶ ናይ ሰለተ መዓልቲ ዓውደ ኣኼባ ዕለት 15 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ከምዝዛዘመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ከምዝሕብሮ፥ እቲ ጉባኤ መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍሉይ ጉጅለ ብጹዓን ካርድናላት ኣኼባ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ምክንያዱ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ኣኼባ መላእ ኣባላት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊ ብጹዕ ካርዲናል ጁሰፐ በርተሎ ብጹዕ ካርዲናል ኦስካር ሮድሪገዝ ማዳርዲያጋ ብጹዕ ካርዲናል ራይንሃርት ማርክስ ብጹዕ ካርዲናል ሲን ኦመለይ ብጹዕ ካርዲናል ኦስዋልዶ ግራሲያስ ብጹዕ ካርዲናል ፍሪዶ ኣምቦንጎ በሱንጉ ከምኡ እውን ናይዚ ጉባኤ መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ማርኮ መሊኖ ከምእተሳተፉን ዛዕባ ምስ ለብዒ ተተሓሒዙ ኣብ ዓለም ዝርአ ዘሎ ቅልውላው ፖለቲካውን ክንክን ጥዕናን” ከምዝመኸሩ ናይ ቅስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ፍሉዩ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ መማክርት ጉባኤ ካርዲናላት ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ማሪዮ ግረች ብዛዕባ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝጸውዕዎ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሲኖዶስ ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ድሮ ኣብ 2021 ዓ.ም. ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰበኻታት ዓለም ምእመናን ኣሳቲፉ ምብጋሱን ኪደቱ እንታይ ይመስል ድሕሪ ዝሃብዎ ሰፊሕ መብርሂ ኣማእኪሉ ከምእተመያየጠ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝተቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብዚ ካብ ዕለት 13 – 15 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መማክርት ጉባኤ ካርዲናላት ር.ሊ.ጳ. ፍራችነስኮ ኣብ ናይ ዕለት 14ን 15ን ታሕሳስ ዋዕላ ከምተሳተፉን ኣብቲ ምይይጥ ዝተገብረሉ ዝክረ ነገር ኣማእኪሎም መብርሂ ከምዝሃቡን እቲ ዓውደ ኣኼባ ዝቕጽል ኣኼብኡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2022 ዓ.ም. ንከካይድ ቆጸራ ወሲዱ ከምእተዛዘመ ኣፍልጡ።

17 December 2021, 08:35