ድለ

NKOREA-POLITICS-DEFENCE-DIPLOMACY-NUCLEAR NKOREA-POLITICS-DEFENCE-DIPLOMACY-NUCLEAR 

ኒክለሳዊ ኣጽዋር ምውናንስ ይኹን ምጥቃሙ ኢሞራላዊ እዩ! ር.ሊ.ጳ

190 ተወከልቲ ሃገራት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ምክልኻል ዝርጋሔ ኒክለሳዊ ኣጽዋር ንምዝታይ ኮንፈረንስ ጀሚሮም ክሳብ 26 ነሐሰ ክቅጽሉ ምዃኖም እንክምልከት ቅዱስነቶም ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፉሎም መልእኽቲ ነቲ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ራዕዲ ዘእቱ ዘሎ ጉዳይ ዘመዛዝን ሰላም ንምውሓስ ጸዓሩ እንክብሉ ሓደራ ከምዝበሉ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ከምቲ ደጋጊሞም ዝበልዎ ሎሚ እውን ‘ምውናን ኒክለሳዊ ኣጽዋርስ ይኹን ኣብ ጥቅሚ ምውዓሎም ኢሞራላዊ እዩ። ነቲ ብዘርዕድ ኣጽዋር ማዕረ ቢልካ ዝወሃብ ናይ ሓሶት ውሕስነት ከም ነባሪ ሰላምን ቅሳነትን ገርካ ምውሳድ ንሕዝብታት ብርግጽ ናብ ዝተመረዘ ርክባትን ንሓቀኛ ዘተ ዝዕንቅፍን እዩ’ እዩ ኢሎም። እዚ ከኣ ነቲ ኣረጊት ሰይጣናዊ ባህሊ ሰላም እንተደሊኻ ንውግእ ተዓጠቅ ጥራይ ዘይኮነ ማዕዶኻ ዘሎ ዝተዓጠቆ ወይ ማዕሪኡ ወይ ልዕሊኡ ተዓጠቅ ብሓይሊ እንተተመዛዚንካ ተፈራሪህካ ደው ትብል ዝብል ብሂል ቤተክርስትያን ፈጺማ ከምዘትድግፎን ንዝኾነ ኣቶሚካዊ ኣጽዋር ከምትቃወም ኣመልኪቶም። እቲ ኮንፈረንስ ክሳብ 26 ነሐሰ ኣብ ኒዮርክ ክቅጽል ምዃኑ ተመልኪቱ።

ተወከልቲ 190 ሃገራት ኣብ ኒውዮርክ!

ካብ ባሕቲ ነሐሰ ክሳብ 26 ነሐሰ 2022 ዓም ንኣርባዕተ ሳምንታት ዚኣክል ኣብቲ ብህንጻ ቨትሮ ዝፍለጥ ዓቢይ ቤትጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሓገራት ብዛዕባ ኒክለሳዊ ኣጽዋርን ንከይስፋሕፋሕ ምክልኻሉን ዝምልከት ተወከልቲ 190 ሃገራት ይዛተዩ ኣለው። እዚ ውዑል እዚ ቅድሚ 50 ዓመታት ዝጀመረ እንክኸውን ብቀንዱ ንኣቶሚካዊ ኣጽዋር ድሕሪ ህልቂት ሄሮሺማን ናጋሳኪን ንምቊጽጻር ኣብ ርእሲኡ ከኣ ነቲ ካብ ኣቶሚካዊ ጸዓት ብዝበለጸ ዝግለጽ ኒክለሳዊ ሓይሊ ኣብ ሲቪላውን ወታሃደራውን መዓላኡ ንምቁጽጻር ነበረ። ኒክለሳዊ ሰዓት ንሰላማዊ ጥቅሚ መሰል ናይ ኩሎም ምዃኖም እንክገልጽ ንዝኾነ ናይ ወተሃደራዊ ጥቅሚ ግን ይኽልክል። እንተኾነ ርእሰ ሓያላን ናይ ዓለምና ጥራይ ክሕዛን ክጥቀማን ብዝብል ፍርደ ገምድል እነሆ ሎሚ ቻይናን ፈረንሳን ዓዲ እንግሊዝን ሩስያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝብል ዝነበረ ካልኦት ኣሻፈረኝ ዝበላ ሃገራት እውን ወኒንኦስ ዓለምና ኣብ ዓቢ ስግኣት ትርከብ። እዚ ስለዝኾነ ከኣ ቅዱስነቶም ወትሩ ተጻይ እዚ ናይ ጽንተት መጋበሪ ውግእ ዓው ቢሎም ምስ ተዛረቡ እዮም።

ጻውዒታት ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ!

ዝሓለፈ ሰነ ካብ ዕለት 21 ክሳብ 23 ኣብ ቭየና ተጋቢኡ ንዝነበረ ቀዳማይ ጉባኤ ሃገራት ውዑል ምክልካል ኒክለሳዊ ኣጽዋር ቅዱስነቶም ናብ ፕረሲደንት ናይቲ ጉባኤ ኣምባሳደር ኣለክሳንደር ክመንት ኣብ ዝጸሓፍዎ ‘ካብ ኒክለሳዊ ኣጽዋር ሓራ ዝኾነት ዓለም ክትፈጥር ምድላይ ዋጋ ዘኽፍልን ሓደገኛን ሓላፍነት እዩ። ከመይ ኣቶሚካዊ ኣጽዋር ምውናን ኢሞራላዊ እዩ። ብስም ቅድስት መንበር ከኣ ብዝቀልጠፈ እዚ ኣጽዋር እዚ ክራገፍ። ቅድሚ ሕጂ ዝተገብረ ዓለምሓቆፍ ውዑላት ምውጋድ ኣቶሚካዊ ኣጽዋር ኣብ ግብሪ ክውዕል። ነዚ ምግባር ድኽመት ዘይኮነ ሓይሊ እዩ’ እንክብሉ ብዝቀልጠፈ እዚ ኣጽናቲ ኣጽዋር እዚ ካብ ገጽ ምድሪ ክእለ ተማሕጺኖም ነበሩ። ዝሓለፈ 8 ሚያዝያ እውን እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ጳጳሳዊ ኣካዳሚ ሳይንስ ኒክለሳዊ ኣጽዋር ዘስዕቦ ዕንወት ብዓቢኡ ከኣ ንመላእ ዘመደ ኣዳም ክሳብ ምጽናት ተኽእሎ ከምዘሎ ንኩሉ ብውግእ ኒክለሳዊ ኣጽዋር ዝስዕብ ሓደጋታት ዘርዚሩ ነበረ።

03 August 2022, 10:28