ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
Allegro moderato - Andante - Allegro grazioso
መርሓ ግብሪ ፈነወ
ር.ሊ.ጳ. ንበርገሳውያን ሰበ ስልጣን፥ ሕሉፍን ህልውን ታሪኽኩም ኣሳንዩ! ር.ሊ.ጳ. ንበርገሳውያን ሰበ ስልጣን፥ ሕሉፍን ህልውን ታሪኽኩም ኣሳንዩ! 

ር.ሊ.ጳ. ንበርገሳውያን ሰበ ስልጣን፥ ሕሉፍን ህልውን ታሪኽኩም ኣሳንዩ!

ዝኽሪ ካዛኪስታን “ናይ ባህልን ሰብኣውነትን መከራን ክቡር ታሪኽ” ዝሓዘ ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ ኣብ ታሪኽ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ መዓስከራት ቤት ማእሰርትን ጃምላዊ መስጐጒትን ከምኡ እውን እዚ እናህለወ “ካዛኪስታናውያን ናይቲ ኣብ ልዕለኦም ዝተፈጸመ ግፍዒ እሱራት ኮይኖም ክነብሩ ኣይፈቐዱን

ቅዱስ ኣቦና ንዅሎም ኣብቲ ናይ ጒባኤ ጽርሓ ንዝተረኽቡ ናይ መንግስትን ናይ በርገሳውያን ማሕበራት ላዕለዎት ኣካላትን ናይ ሃይማኖታት መራሕትን ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ኵሎም ልባዊ ሰላምታኦም ኣቕሪቦ፥ ሰላንም ደሞክራስን መታን ክሰፍን ከምቲ ካዛኪስታውያን ዘካይድዎ ዘለዉ፥ ታሪኾምን ባህልታቶም ከሳንዩ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዓለምና ኣብዚ እዋን እዚ ዘድልያ ዘሎ ኣዚዩ ህጹጽ ዝኾነ ሰላምን ስኒትን ክምለስ ዶምብራ እተሰምየ ናይታ ሃገር ባህላዊ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ከም ኣብነት ብምጥቓም ኣዘኻኺሮም፡ ኣብ ካዛኪስታን ከም ናይ ሰላም ነጋድን ደላይ ዘተን ሓድነትን ኮይኖም ዘካይድዎ ዘለዉ ምብጻሕ ከም ዝኾነ ድማ ገሊጾም፥

ዶምብራ

ናይ ካዛኪስታን ባህላዊ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ “ዶምብራ” ኣብ ማእከላይ ዘመን እተመሃዘ ንሕሉፍ ምስ ህልው ዘተኣሳስር ቅያታትን ግጥምታትን ኣሳንዩ ዘቅርብ” ምዃኑ ገሊጾም፥ “ከም ምልክት ቀጻልነት ኣብ ብዙሕነት ድማ ብህርመታቱ ኣቢሉ ንዝኽሪ ሃገርኵም የሰንይ ካብ ትማሊ ናብ ሎሚ ድማ የሰጋግር፡ በዚ ከምዚ ድማ ኣብ ሞንጎ ናይ ሎሚ ቅልጡፍ ቁጠባውን ማሕበራውን ለውጢ ነቲ ዘራኽበና ዘተኣሳስረና ሸለል ዘይምባል ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑን ምስቶም ቅድሜና ዝሓለፉ መላግቦ ክህልወና ከም ዘለዎ መዘኻኸሪ ኮይኑ የገልግል” ኣሎ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ንበርገሳውያን ሰበ ስልጣናት፥ ሕሉፍን ህልውን ታሪኽኩም ኣሳንዩ!
ር.ሊ.ጳ. ንበርገሳውያን ሰበ ስልጣናት፥ ሕሉፍን ህልውን ታሪኽኩም ኣሳንዩ!

ዝኽሪ ካዛኪስታን “ናይ ባህልን ሰብኣውነትን መከራን ክቡር ታሪኽ” ዝሓዘ ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ ኣብ ታሪኽ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ መዓስከራት ቤት ማእሰርትን ጃምላዊ መስጐጒትን ከምኡ እውን እዚ እናህለወ “ካዛኪስታናውያን ናይቲ ኣብ ልዕለኦም ዝተፈጸመ ግፍዒ እሱራት ኮይኖም ክነብሩ ኣይፈቐዱን። ዝኽሪ ናይቲ ዝተጻወርክምዎ ስቓይን ፈተናን መተካእታ ዘይብሉ ኣካል ናይቲ ናብ መጻኢ ኣብ እንገብሮ ጉዕዞ ንሰብኣዊ ክብሪ ንኽብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ከምኡ እውን በዘይ ንነፍሲ ወከፍ ብሄርን ማሕበራውን ሃይማኖታውን ምጉጅጃ ፍጹም ቀዳምነት ክህብሉ ዘነቓቕሕ ይዅን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ቅዱስነቶም ናብ ምስሊ ዶምብራ ምልስ ቢሎም፥ እቲ ጊታር መሳሊ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ክልተ ገመድ ጥራሕ ብምጥቓም ጥዑም ውሁድ ቃና ከም ዝፍነውን እቶም ክልተ ገመዳት ከኣ ነቲ ዝፈራረቕ ወቕትን ዘሎ ፍልልያትን ዘቃድው ናይ ስኒት ኣብነት ገይርና ክንገልጾ ንኽእል። ብፍላይ ከኣ እቲ ክልተ ገመዳቱን ዝህቦ ጥዑም ቃና ህርመት ከኣ እስያን ኤውሮጳን ዘራኽብ ዘሳንይ ገርና ክንምልከቶ ዝከኣል እዩ። እቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ 550 ብሄራት ልዕሊ 88 ቋንቋታት ምስቲ ዝተፈላለየ ታሪኾምን ባህላውን ሃይማኖታውን ልምድታቶም ንካዛኪስታን “ፍሉይ ህብረ ብሄራትን ህብረ ባህልታትን ህብረ ሃይማኖታትን ቤተ ሙከራ ይገብራ፡ ማለት ናይ ኣራኻቢት ሃገር ናይ ምዃን ጸዋዕታ ከም ዘለዎ ዝምስክር እዩ - ፍልልያት እተራኽብን እተዛትይን ኣብነታዊት ሃገር” እንክብሉ ከም ዝገጽዋ ዜና ቫቲካ ኣፍሊጡ።

ኣበርክቶ ሃይማኖታት

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ር.ሊ.ጳ. ኣብታ ሃገር ምርኻቦም “ናይቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ንምጒላሕ” ምዃኑ ኣመላኪቶም፡ እዚ ድማ ሃይማኖታት ኣብ ፍልልያት ስኒት ክህሉ ኣብ ምድግጋፍ ዓቢይ ኣበርክቶ ከም ዘለወን ዘረጋገጽ እዩ፡ ናይ ሃይማኖት ናጽነት “ንሰላማዊ ማሕበራዊ ናብራ ዝበለጸ ባይታን ዝውክልን እዩ” ቢሎም ኣስዒቦም፥ “ካዛክ” ዝብል ቃል ብናጽነትን ብሉኣላውነትን ምጒዓዝ ዝብል ክብሪ ዘመልክት እዩ” ነዚ ብምስትብሃል እምበኣር እዚ ክብሪ፡ ፍርዲ ሞት ብምስዓር ዝተሰነየ ክቡር ዋጋ ህይወት ሰብ ንምርግጋጽ ዝድርኽ ኽኸውን ተስፋ ኣሎና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ንበርገሳውያን ሰበ ስልጣናት፥ ሕሉፍን ህልውን ታሪኽኩም ኣሳንዩ!
ር.ሊ.ጳ. ንበርገሳውያን ሰበ ስልጣናት፥ ሕሉፍን ህልውን ታሪኽኩም ኣሳንዩ!

ዘርኢ ተስፋ

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ካዛኪስታን ስርዓት ደሞክራሲ ንምትእትታው ዝድርኽ መስርሒ ከም እተበገሰ ድማ ዘኪሮም፥ “ብቕዓት ባይቶን ምምሕዳራት ከባብን ንምሕያልን ብሓፈሻ ድማ ዝዓበየ ምክፍፋል ስልጣን ዝዓለመ” እዩ። እዚ ብቝዕን ኣገዳስን መስርሕ እዚ ግና ብዙሕ ጠለባት ዘቕርብ እዩ።”

ካዛኪስታን ኣብ መልክዓ ምድራዊ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መስቀላዊት መገዲ ምዃና ኣብ ግምት ብምእታው “ኣብ ምንካይ ጒዳያት ግጭት መሰረታዊ ተራ ኣለዋ” ቢሎም፥ “ብፍላይ ብዛዕባ ዓለማዊ ተወፋይነት ንስለም ብምሕሳብ እዛ ሃገር ኑክለሳዊ ኣጽዋር ኣፍይፋል ብምባል ኣብ ምንካይ ጽግዕተይና ኣብ ነዳዲ ፈሓምን ናብ ጽሩይ ምንጪ ጸዓት ዝግበር ወፍሪን ዘማእከለ መምርሒ ጸዓትን ከባብን ንምምዕባል እተግበሮ ጻዕርን ብዓቢይ ሞሳ እዝክር።” እዚ ሓሳብ እዚ እውን ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣብዛ ሃገር ኣብ እተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ምርኢት ዝተቓልሐ እውን ምንባሩ ኣዘኻኺሮም፡ እዚ ምስቲ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ተደሚሩ ኣብ ሓባራዊ መሬት ደቂ ሰብ እተዘርአ ተስፋ እዩ። “ንሕጅን ንመጻእን ዝትንክፍ ውሳነታት ክንገብር ከሎና፡ ኣርዚና ክንርእዮ ዘሎና ባህግታት መንእሰያት ምእንቲ ዝመጽእ ወለዶታት ኢልና ነዚ ዘርኢ እዚ ምኹስኳ ኣባና ኢዩ ዝምርኰስ።” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ኣብቲ ጽርሓ ንዝተረኽቡ ኵሎምን ስለ እተገበረሎም ኣቀባብላን ነዘን መዓልታት እዚኣተን ምስ መራሕቲ ዝተፈለያ ሃይማኖታት ብሕውነታዊ ርክብን ዘተን ከሕልፉ ንዝተወሃቦም ዕድልን ኣመስጊኖም። “ንዓዅም ናይ ሓባር ጥቕሚ ውሑስ ንምግባር ቀዳማይ ሓላፍነት ዘለኵም ከምኡ እውን ንዅሉ ህዝቢ እዛ ሃገር ኣብዛ ሃገርኵም መሬትኩም ምርኻበይ ዘሕድረለይ ሓጐስ እገልጽ እቲ ምዕባለን ስኒትን ንምርግጋጽ ዝግበር ዘሎ ኵሉ ጻዕሪ ብጸሎትን ቅርበተይን ከሰንዮ ድልውነተይ እገልጽ” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

14 Sep 2022, 16:28
Prev
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930   
Next
May 2025
SuMoTuWeThFrSa
    123
45678910
11121314151617
18192021222324
25262728293031