ር.ሊ.ጳ. ምስ ኢየሱሳውያን፥ ዛዕባ ጒስነትን ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድርን
ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዝዓረፍሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ልምስቶም ኣብ ካዛኪስታን ዘገልግሉ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ንሓደ ሰዓት ዝኸውን ግልጽን ክፉትን ሕውነታዊ ምድምማጽን ዝተራእዮ ኣብ እዋናዊ ጉዳያትን ዛዕባ ኢየሱሳውያን ማሕበር ኣብ ዞባ ሩሲያ ዘለዉን ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታ ኣሞርኵይዞም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅርበትን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ንሓድነት ኣብ ዘቕንዐ ዘተን! እዚ እቲ ቀንዲ ናይቲ ዝተኻየደ ርክብ ሕመረት ክኸውን እንከሎ፥ ቅዱስነቶም ከም ኣባል ማሕበር ኢየሱሳዊ እቲ ሕውነታዊ መንፈስ ዝዓሰሎ ህሞት ብዓቢ ግልጽነት ዝመልኦ ምንባሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብዚ እዋን ካብ ሩሲያን ብላሩስን ኪርጊስታንን ታጂኪስታንን ዝመጹ ብጠቕላላ 25 ኣባላት ማሕበር ኢይሱሳውያን ከም ኣተሳተፉ ገሊጹ፥ ኣብቲ ርክብ እውን ኣብቲ ከባቢ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ውሁድ ክፍሊ ሕብረተሰብ ምዃኑ ግን ከኣ ኣብ መዳይ ህንጸትን ክንክን ጥዕናን ካልእ ተመሳሳሊ ናይ ኣገልግሎት መዳይ ዝዓበየ ግደ ከም ዘለዎ ዝፍለጥ ክኸውን እንከሎ፥ ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው እውን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ምትብባዕን ንሓድነት ዝኣመተ ናይ ሓባር ዘተ ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስትያንን ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘጉለሐ ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ኣፍሊጡ።