ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ንካቶሊካውያን ሃገረ ቻይና 'ንፉዓት ዜጋታት' ኪዀኑ ተማሕጸንዎም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰንበት ዕለት 3 መስከረም ኣብቲ ኣብ ኡላንባታር ርእሲ ከተማ ሞንጎልያ ዚርከብ ዓቢይ ናይ ምርኢታት አዳራሽ ሃን አብ ዝስመ፣ አብ ምዝዛም መስዋዕተ ቅዳሴ ኽልተ ቻይናውያን ጳጳሳት ናብ መንበረ ታቦት ብመእዳም ሓንሳእ አብ ጐድኖም ደው ክብሉ ጸውዕዎም ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንካርዲናል ጆን ቶንግ ሆን ልሂቅ ጳጳስ ሆንግ ኮንግን ከምኡውን ነቶም ንካርዲናልነት ተመሪጾም ዘለው አቡነ ስቲቨን ቻው ሳው-ያንን ጳጳስ ናይ ሆንግ ኮንግ ዝኾኑን ሰላምታኦም አቅረቡሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣእዳው እዞ ክልተ ጳጳሳት ሒዞም ሓፍ ብምባል "ንኽቡር ህዝቢ ቻይና ሰላምታና ይብጻሕኩም" ድሕቲ ምባል "ንኵልኹም ድማ ኩሉ ሰናይ ዘበለ ንምነየልኩም" ክብሉ ድማ ሰላምታን ሰናይ ምንዮቶምን ገለጹ።
ንህዝቢ ቻይና "ወትሩ ንቕድሚት ክትግስግሱን ክብልጽጉን" ኣተባብዕዎም።
ብድሕሪ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ካቶሊካውያን ምእመናን ሃገረ ቻይና ምልስ ብምባል ንቻይናውያን ካቶሊክ "ብርቱዓት ክርስትያንን ንፉዓት ዜጋታትን ኪዀኑ" ጻውዒት ኣቕረበሎም።
"እዞም ክልተ አሕዋተይ ጳጳሳት ኢዮም ፣ ማለት እዚአቶም ልሂቅ ጳጳስ ናይ ሆንግ ኮንግን እዞም ህልው ናይ ሕጂ ጳጳስ ሆንግ ኮንግን ኢዮም። ነዚ ናታቶም አብ መንጐና ምህላዎም ምኽንያት ብምግባር ንክቡር ህዝቢ ቻይና ምዉቕ ሰላምታይ ኽሰድደሎም ደስ ይብለኒ። ንኹሉ ሕዝቢ ቻይና ድማ ሰናይ ምንዮተይ እገልጸሎም። ንቕድሚት ክትስጉሙ ጸዓቱ ወትሩ ድማ ንቕድሚት ገጽኩም ገስግሱ ። ንካቶሊካውን ምእመናን ሃገረ ቻይና ከኣ ብርቱዓት ክርስትያናትን ንፉዓት ዜጋታትን ኪዀኑ ጸዋዕታትይ የቕርበሎም” ክብሉ ሰላምታን ምስጋናን አቕርቡሎም።
ምብጻሕ ናብ ሞንጎልያ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብ ወጻኢ ሃገር አብ እስያ ናብ እትርከብ ሞንጎልያ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ እዚ መበል 43 ሓዋርያ ጕዕዞ ኢዩ።
ሰንበት ንግሆ ኣቐድም ኣቢሎም ምስ መራሕቲ ሃይማኖታት ሞንጎልያ ኣብ እተገብረ ናይ ዝተፈላለያ አብያተ ክርስቲያናትን ናይ ዝተፈላልዩ ሃይማኖታትን መራሕቲ እተሳተፍዎ አብ እተገብረ አኼባ ብምርካብ ተሳቲፎም ኢዮም።
እዚ ናይ ዕለተ ሰንበት ዘዕረግዎ መሰዕተ ቅዳሴ ናይ መወዳእታ ፍጻመ ናይ ዕለቶም ከም ዝነበረ ድማ ዜና ቫቲካን አመልኪቱ።