ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ርእየተ - ዓለም ከይህሉ የጠንቅቑ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 መስከረም ካብ መበል 43 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ካብ ሞንጎሊያ ኣብ ምምላሶም ኣብ ዝጓዕዙላ ነፋሪት ምስ ዘሰንይዎም ናይ ዝተፈላለያ ዜና ማዕከናት ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ዛዕባ እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝካየድ ሲኖዶስን ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ብሔራዊ መዓልቲ ካቶሊካውያ መንእሰያት ሩሲያ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ባህላዊ ወርሻታቶ ከይርስዑ ዝሃብዎ ምዕዳንን ካልእን ኣርእስታት ከም ዝዳህሰሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ንኹሎም ነቶም ዘሰንይዎም ጋዜጠይናታት ሰላምታ ድሕሪ ምቕራቦም ካብቶም ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ ሰፊሕ መልሲ ከም ዝሃቡን ቃለ መትት ቅዱስነቶም ከምዚ ዝስዕብ ነቕርበልኩም፥
ናይ ደጋክቶ ዕለታዊ ጋዜጣ ልኡኽ ጃራጋልሳኢክሃን ዳምባዳርጃ፥ ሞንጎሊያ ብምብጻሕኩም ብልቢ አመስግን፥ ሕቶይ ናይዚ ዘካየድክምዎ ምብጻሕ ቀንዲ ዕላማኡ እንታይ እዩ ነይሩ፥ ብእተረኽበ ውጽኢት ድማ ዓጊብኩም ዲኹም? እቲ ምብጻሕ ነቶም ኣብ መንጎያ ዝርከቡ ካቶሊካውያን ንምብጻሕን ከምኡ እውን ምስ ታሪኽን ባህልን ህዝቢ ሞንጎሊያን ንምልላይን፡ ምስቲ ናይቲ ህዝቢ ሰቂለ ህሊናዊ ባህሊ ንምዝታይን እዩ። ወንጌል ምስ ባህሊ ኣብ ዘተ ከም ዝኣትውን ባህሊ ስብከተ ወንጌልን ምስቲ ወንጌል ናይ ዝኣተዎ ቦታ ባህልን ምርኻብ የድሊ፥ ምኽንያቱ ክርስቲያን ማሕበረሰብ ክርስቲያን ክርስቲያናዊ ክብርታቶም ብናይ ገዛእ ርእሶም ባህሊ ዝገልጹ ክኾኑ ኣለዎም፡ እንተዘኮነ ግና ባዕዳዊ መግዛእቲ እዩ ዝኸውን! ንዓይ እቲ ጉዕዞ ንህዝቢ ሞንጎሊያ ንምፍላጥ ምስኦም ንምዝታይ ባህሎም ንምቕባል ከምኡ እውን ንቤተ ክርስቲያንን ኣብ ጉዕዞ ኣኽብሮትን ንዓኣቶምን ንባህሎምን ንምስናይ እዩ ስለዚ በቲ ውጽኢቱ ድማ ዕጉብ እየ።
ናይ ኡልስ ሱልድ እተሰምየ ናይ ሞንግሊያ ተለቪዥን ጋዜጠይና ኡልምባድራክ ማርካኩ፥ ሎሚ እውን እቲ ኣብ መንጎ ስልጣነታት ዘሎ ግርጭት ብዘተ ጥራይ እዩ ክፍታሕ ዝኽእል ከምቲ ንስኹም ዝበልክምዎ እውን። ናይ ሞንጎሊያ ርእሰ ከተማ ኡሉንባታር ገዛእ ርእሳ ከም መድርኽ ኣህጉራዊ ዘተ ኣብ መንጎ ኤውሮጳን እስያን ከተቕርብዋ ትኽእሉ ዶ? ከምኡ ይመስለኒ፥ እዚዩ መሳጢ ነገር ኣለዋ፡ እዚ እውን ነዚ ዘተ ዝድግፍ እዩ፡ . . . ኡላንባታር ሓንቲ ካብ ባሕሪ ዝረሓቐት ሃገር፡ መሬታ ድም ኣብ መንጎ ክልተ ዓበይቲ ሓይልታት ሩሲያን ቻይናን እዩ ዝርከብ ክንብል ንኽእል። ምስ ክልቲአን ሃገራት ጽቡቕ ርክብ ኣለዋ፡ ምስ ክብርታትካ ናይ ካልእ ክብርታት እውን ምቕባል የድሊ፡ እዚ እዩ ዘተ ኣብ መንጎ ስልጣነታት እንብሎ። . . . እቲ ካልእ መሬት ንምዳላይ ምውጻእ ማለት እውን የስምዕ፥ እዚ ግን ምስ መግዛእታዊ ኣመለኽታ ክደናገር የብሉን። መሬት ክትደሊ ምውጻእ ንዘተ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ እዚ መግለጺ ባህሊ ሞንጎሊያ እዩ . . .
ክርስቲና ካብረኻስ ናይ ኤፈ ልእኽቲ ጋዜጠይና፥ ዕለት 3 መስከረም ነቶም ኣብዚ ምብጻሕኩም ናብ ሞንጎሊያ ክመጹ ዝደለዩ ካብ ሰበ ስልጣን ቻይና ፍቓድ ንዘይረኸቡ ኣብ ዘመሓላለፍክምዎ መልእኽቲ፥ ክቶሊካውያን ቻይና ንፉዓት ዜጋታት ክኾኑ ሓቲትኩም፡ ኣብዚ እዋን ምስ ቻይና ዘሎ ርክብ እንታይ ይመስል? ከምኡ እውን ብዛዕባ ጉዕዞ ካርዲናል ጹፒ ናብ ቤጂንግንን ናብ ዩክሬይንን ሓድሽ ሓበሬታ ኣሎ ዶ? ተልእኾ ካርዲናል ዙፒ ኣነ ዝመደብክዎ ናይ ሰላም ተልእኾ እዩ። ከምኡ እውን ናብ ሞስኮ ኪየቭን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ምብጻሕ ኣካይዶም እዮም፥ ናብ ቤጂንግ እውን ክበጽሑ መደብ ኣሎ። ካርዲናል ዙፒ ዘታይን ኣድማሳዊ ራእይን ዘለዎም ሰብ እዮም፡ ድሕረ ባይታኦም ኣብ ሞዛምቢክ ኣብ ድልያ ሰላም ዝገበርዎ ጻዕሪ ተመክሮታቶም ዘጠቓልል እዩ። ስለዚ እየ ድማ ናይ ሰላም ልኡኽ ዝብል ሓላፍነት ዝሃብክዎም።
ምስ ቻይና ዘሎ ርክብ እዚዩ ምክብባር ዝዓሰሎ እዩ። ኣነ ብውልቀይ ንህዝቢ ቻይና ዓቢይ ኣድናቖት ኣሎኒ፡ ብዛዕባ ስሜት ጳጳሳት ዝምልከት ጉዳይ ምስ መንግስቲ ቻይና ዝሰርሕ ናይ ቫቲካን ሽማግለ ኣሎ። . . . ብዙሓት ካቶሊካውያን ዓለማውያን ምእመናን ካህናትን ገዳማውያን ምሁራት ኣብ ቻይና ኣስተምህሮታት ንኽህቡ ዝዕደሙ ኣለዉ፡ ንሓድሕድና ብዝበለጸ ንምርድዳእን ቻይናውያን ዜጋታት ቤተ ክርስቲያን ባህሎምን ክብርታቶም ከምዘይትቕበልን ጽግዕተይና ካልእ ኮይኖም ከምይስምዖን መታን ኣብ ሃይማኖታዊ መዳይ ብዙሕ ክንስጉም ኣሎና።
እዚ ምሕዝነታዊ መገዲ እዚ ብካርዲናል ፓሮሊን ዝምራሕ ሽማግለ ብጽቡቕ ይከታተሎ ኣሎ፡ ዘሕጉስ ዕዮታት ድማ ይፍጽሙ ኣለዉ፡ ዋላ ብወገን ቻይና እውን ንቕድሚት ይስጉም ኣሎ፡ ንህዝቢ ቻይና ዓቢይ ኣኽብሮት እዩ ዘሎኒ።
ገራርድ ኦ’ኮነል (መጽሔት ኣመሪካ)፥ ዝምድና ቨትናምን ቅድስቲ መንበርን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣዚዩ እወታዊ እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘደንቕ ስጉምቲ ንቕድሚት ዘበለ እውን እዩ። ብዙሓት ቬትናማውያን ካቶሊካውያን ከምቲ ንሞንጎልያ ዝገበርክምዎ፥ ክትበጽሕዎም ይሓትቱ ኣለዉ። ናብ ቬትናም ናይ ምብጻሕ ተኽእሎ ኣሎ ዶ? ካብ መንግስቲ ቬትናም ዝመጸ ዕድመ ኣሎ ዶ? ካልእ እንታይ ጉዕዞታትከ ትሓስቡ ኣለኹም? ቬትናም ሓንቲ ካብተን ኣብዚ ቀረባ እዋን ቤተ ክርስቲያን ዘጋጠማ ኣዝዩ ጽቡቕ ናይ ዘተ ተመኮራታት ሃገር እያ . . . ክልቲኦም ወገናት ነንሓድሕዶም ተረዳዲኦም ንቕድሚት ዝስጉሙሉ መገዲ ንምድላይ ሰናይ ድሌት ነይርዎምን ጸገማት እውን ነይሩ እዩ። ኣብ ቬትናም ግን ይንዋሕ ይሕጸር ጸገማት ክስገር እዩ።
ቅድሚ ቁሩብ ግዜ ምስ ርእሰ ብሔር ቬትናም ብናጽነትን ግልጽነትን ተዘራሪብና ነይርና፡ ብዛዕባ ምስ ቬትናም ዘሎ ርክብ ኣዚዩ እወታዊ እዩ። ጽቡቕ ስራሕ ካብ ዝካየድ ድማ ዓመታት የቑጽር ኣሎ። . . . ይዝከረኒ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣቢሉ ሓደ ጉጅለ ኣባላት ባይቶ ቬትናም ናብ ሃገረ ቫቲካን ንኽበጽሑ መጺኦምን ምስኦም ድማ ጽቡቕ ዘተ እዩ ተገይሩ። ኣኽብሮት ዝመል ዘተ። ሓደ ባህሊ ክፉት ምስ ዝኸውን ናይ ዘተ ተኽእሎ ይህልዎ። ምዕጻው ወይ ምጥርጣር እንተሎ ግን ዘተ ክህሉ የጸግም። ቀስ ብቐስ ንቕድሚት ዝኸይድ ዘሎ ዘተ እዩ፡ ገለ ጸገማት እኳ እንተነበረ ዳርጋ ተፈቲሖም እዮ እብል። ኣነ ንቬትናም ሓዋርያዊ መገሻ ከካይድ እንተዘይከኣልኩ ዮሓንስ መበል 24 ብርግጽ ናብ ቬትናም ክበጽሑ እዮም . . . ካብ መደባት ጉዕዞታተይ ኣብ ቀረባ እዋን ዝፍጸም ዑደት ማርሲሊያ ኣሎ። ደሓር እውን ናብ ሓንቲ ኣብ ኤውሮጳ ናብ እትርከብ ንእሽቶ ሃገር ናይ ምብጻሕ መደብ ኣሎ፡ ዝከኣል እተኾይኑ ንርእዮ። ምስ ኩነታተይ ዝተሓሓዝ እዩ፡ ብሓቂ ንጉዕዞ ዝድርቱ ጉዳያት ኣሎ . . . እዚ ዝረኣይ ይኸውን . . . ።
ፋውስቶ ጋስፓሮኒ (ካብ ኣገልግሎት ዜና ኣንሳ)፥ ቅዱስነቶም ኣብ ቀረባ እዋን ንካቶሊካውያን ሩሲያ ኣብ ዝመሓላለፍክምዎ መልእኽቲ ብዛዕባ ዓባይ ሩሲያ ተዛሪብኩም፥ ከም በዓል ጴጥሮስ ዓብይን ካተሪና ዳግማዊትን ዝኣመሰሉ ሰባት ጠቒስኩም። እዚ ግን ንዩክረይናውያን ኣዚዩ ኣቖጢዕዎም እዩ። ኣብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ሳዕቤን ይልዎ ድዩ? ብመጠኑ ንሃጸይነት ሩሲያ ምዝካርን ንናይ ፑቲን መምርሕታት ከም ምድጋፍ ኮይኑ ተራእዩ እዩ፡ ክሓተኩም ዝደልዩ፡ ንምታይ እዩ ንጴጥሮስ ዓብይን ካተሪናን ዳግማዊት ምጥቃስ ዘድለየ። . . . ከተነጽርዎ መታን! ብዛዕባ ሃጸይነት ሩሲያ እንታይ ከም እትሓስቡ ምነገርኩምና ዶ? ምስ መንእሰያት ሩሲያ እየ ዝዛረብ ነይረ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ዝርርብ ድማ መልእኽቲ ኣመሓላሊፈሎም፥ . . . ሓላፍነት መታን ክስምዖም። ኣብ ኩሉ ቦታ ሓደ ነገር እየ ዝብል። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ኣብ መምጎ ዓበይትን ደቃቶምን ዘተ ክህሉ መታን። ደቂ ደቆም ድማ ነዚ ሕድሪ እዚ መታን ክወርሱ። እዚ ኣብ ኩሉ ቦታ ዝብሎ እዩ። እቲ ካልኣይ ነጥቢ፥ ዓባይ ሩሲያ ዝብል ሓሳብ ጠቒሰ እየ። ምኽንያቱ ውርሻ ሩሲያ ኣዚዩ ዓብይን ጽቡቕን ስለ ዝኾነ። ብዛዕባ ዓውዲ ስነ ጽሑፋትን ስነ ሙዚቃን ብዛዕባ እቲ ብሱል ሰብኣውነት ዝዛረብ ዶሶየቭስኪ ምልስ ቢልና እሞ ንሕሰብ . . . ብዛዕባ ሕድሪ እየ ዝተዛረብኩ . . .
እቲ ሳልሳይ ነጥቢ፥ እቲ ካልእ ኣብ ታሪኽ ካብ ዝተመሃርናዮ ትምህርቲ ዝመጸ እዩ። መንእሰያት ሩሲያ ሕድሮም ክሕልዉ፡ እዚ ማለት ድማ ካብ ካልኦ ዘይኮነ ኣብ ሃገሮም ክረኽብዎ ከም ዘለዎምን እታ ዓባይ ሩሲያኸ እንታይ ውርሻ ገዲፋ? ባህሊ ሩስያ ዓቢይን ጽቡቕን ከምኡ እውን ዕምቆት ዘለዎ ኮይኑ ንፖለቲካዊ ጉዳያት ክምርዝ ግን የብሉን ኣብ ሩሲያ ናይ ጸልማት ዓመታት እኳ እንተነበረ። እቲ ሕድሪ ግን ወትሩ ከይተበላሸወ ጸኒሑን ይመሓላለፍን እውን ኣሎ። ንሃጸያውያን ሩሲያ እናሕሰብኩ ዝበልክዎ ሓሳብ ኣይነበረን፡ ብዛዕባ ባህሊ እየ ዝዛረብ ዝነበርኩ። ምትሕልላፍ ባህሊ ድማ ፈጺሙ ሃጸያዊ ክኸውን ኣይክልእን እዩ። ብዛዕባ እዚ እየ ዝዛረብ ዝነበርኩ።
ብርግጽ ሓቂ እዩ ስነ ሓሳባቶም ክጽዕኑ ዝደልዩ ሃጸያውያን ኣለዉ፡ . . . ባህሊ ተደፊኡ ናብ ስነ ሓሳብ ምስ ዝቕየር መርዚ እዩ ዝኸውን። ባህሊ መጋበርያ ስነ ሓሳብ ምስ ዝኸውን . . . ባህሊ ናይ ሓደ ህዝቢ ካብቲ ድሕረኡ ካብ ገለ ፈላስፋ ገለ ፖለቲከይና ዝረአ ስነ ሓሳብ ክንፈልዮ ይግባእ። እዚ ድማ ንኹሉ ሰብ እየ ዝብሎ ዘለኹ። ንቤተ ክርስቲያን እውን!
ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን መብዛሕቲኢ ግዜ ስነ ሓሳባት ኣለዉ፡ ንቤተ ክርስቲያን ካብቲ ካብ ሱር ዝመጽእን ንላዕሊ ዝኸይድን ህይወት ዝፈልያ። ንቤተ ክርስቲያን ካብ ጽልዋ መንፈስ ቅዱስ ዝፈልያ። ሓደ ስነ ሓሳብ ስጋ ናይ ምልባስ ዓቕሚ የብሉን። ሓሳብ ጥራይ እዩ። ስነ ሓሳብ ሓያል ኣኪቡ ፖለቲካ ምስ ዝኸውን ግን መብዛሕትኡ ግዜ ምልካዊ ስርዓት ይኸውን . . . ንምዝታይ ምስ ባህልታት ንቕድሚት ንምስጓም ዓቕሚ ዘይምህላው እዩ ዝኸውን። ሃጸያውያን ድማ ነዚ ይገብሩ። ሃጸይነት ኩሉ ግዜ ካብ ሓደ ስነ ሓሳብ ጀሚሩ እዩ ዝድልድል።
ኣብ ቤተ ክርስቲያን እውን ጠመቓዊ ትምህርቲ ካብ ስነ ሓሳብ ክንፈልዩ ኣሎና። ሓቀይና ጠመቓዊ ትምህርቲ ስነ ሓሳባዊ ኣይኮነን፡ ኣብ ቅዱስ እሙን ህዝቢ ኣምላኽ ዝተሰረተ እዩ፡ የግዳስ ስነ ሓሳብ ካብ ክውንነት ዝተነጸለ ካብ ህዝቢ ዝተነጸለ እዩ . . .
ሮበርት መስነር (ጋዜጠይና ዲፒኣይ)፥ ብዛዕባ ‘ስብሓት ሎቱ’ ዓዋዲት መልእኽቲ፥ ዝሃብክውሞ ሓድሽ ሓበሬታ ምስቶም እዋናዊ ወለዶታት ዝኣመሰሉ ሰልፍታት ዝፍጠር ተቓውሞታት ዘዳለዉ ደለይቲ ፍትሒ ከባቢ ከም መርኣያ ድንጋጸ ምርዳእ ይከኣል ዶ? ምናልባት ኣብቲ እተቕርብዎ ካልኣይ ክፋል እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ንመንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ ናብ ጎደናታት ዝወጺ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ዶ ኣለዎ? ብሓፈሻ ነቶም ብዛዕባ ምህዳር ኣኽራርያን ዝኾኑ ኣይትንክፎምን እየ። . . . እቲ ጸገም ስነ ሓሳብ ምስ ዝኸውን እዩ። እታ ካልኣይ ክፋል ዓዋዲ መልእኽቲ ስብሓት ሎቱ ዕለት 4 ጥቅምቲ ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ክትዝርጋሕ እያ። . . . ብዛዕባ እቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ ዛዕባ ምህዳር ዝዝትይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ እቲ ናይ ፓሪስ እውን ሓዊስካ . . . ዘይፈተሖ ነገራት ከም ዘሎ ዝሕብሩ ዜናታት ንሰምዕ፡ ስለዚህ ንምፍታሑ እውን ህጹጽነት ኣሎ . . . እቲ ካልኣይ ክፋል ከም ናይቲ ቀዳማይ መቐጸልታ እዩ . . .
ኤታይነ ሎራይለረ (ክቶ መደብር ተለቪዥን)፥ ኣብ መንጎሊያን ኣብ መላእ ዓለምን ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ክትህሉ ምደለኹ፥ ሲኖዶስ ወርሒ ጥቅምቲ ድሮ ጻማ ዕዮ ህዝበ እግዚኣብሔር እዩ። ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ዝተጠመቑ ሰባት ኣብዚ ምዕራፍ እዚ ከመይ ጌሮም ክሳተፉ ይኽእሉ? ስነ ሓሳባዊ ምትፍናን ብኸመይ ክተርፍ ይኽእል? ከምኡ እውን እቶም ተሳተፍቲ ምስኦም ብሓባር ክጓዓዙ ንምፍቃድ ነቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ብግልጺ ክዛረቡን ከካፍሉን ይኽእሉ ድዮም? ወይስ እቲ ኩሉ መስርሕ ብሕታዊ ኽከውን እዩ? ሲኖዶስ ብዛዕባ ዘተ እዩ . . . ኣብ ነንሕድሕድና ምዝታይን ከም ኣሕዋትን ኣሓትን! ብዛዕባ ትምህርቲ ቤት አክርስቲያን ምዝታይን ንቕድሚት ምጉዓዝን እዩ . . ። ሲኖዳውነት ናተይ ምህዞ ከም ዘይኮነ ከስምረሉ እደሊ፡ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ እዩ። ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምስ ተዛዘመ ኣብ ምዕራባዊት ቤት አክርስቲያን ናይ ሲኖዳውነት ሸነኽ ከም ዝሃሰሰ ተረዲኦምዎ እዮም ምብራቓዊት ቤተ ክርስቲያን ክሳብ ሕጂ እትኽተሎ መገዲ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣብዘን ስሳ ዓመታት ከም ቀጻሊ ምዕባለ ንቕድሚት እናሰጎመ ብሲኖዳውነት ኣገባብ ኣስተንትኖ ንቕድሚት ዘሰጋግር ናይ ሲኖዶስ ጳጳሳት ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ኣቑዩሞም እዩ።
እዚ ውሳኔ ጳውሎስ ሻድሻይ መበል 50 ዓመት ምስ ገበረ ሲኖዳውነት እንታይ ምዃኑን ብኸመይ ንቕድሚ ከም ዝሰገረን ዝገልጽ ሰነድ ከቲመ ኣመሓላሊፈ። ሕጂ ድማ ንቕድሚት ይኸይድ ኣሎ። ዝያዳ በሲሉ እዩ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ዝዝትይ ሲኖዶስ እንተዝህሉ ዝብል ሓሳብ ውሽጠይ ተሰመዓኒ። እዚ ድማ ዝንባለ ኣይኮነን፥ ጥንታዊ ክውንነት እዩ፡ ምብራቓዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ ቀደም ኣትሒዛ እትነብሮ ኩነት እዩ። ሲኖዳውነት ከም ክርስቲያን ኢና ክነብሮ ዘሎና፡ ነተሓሳስባታት ኢድና ከይሃብና . . . ኣብ መስርሕ ጉባኤ ሓደ ክንሕልዎ ዝግብኣና ነገር ኣሎ፡ ንሱ ድማ ናይ ሲኖዳውነት ሃዋሁ እዩ። እዚ ብዛዕባ ኩሉ ትዛረበሉ መደብ ተለቪዥን ኣይኮነን። ሃይማኖታዊ ህሞት እዩ፡ እምነት ምክፋል እዩ። ኣብቲ መኽፈቲ እቲ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሲኖዶስ ተጋባእያን ነፍሲ ወከፎም ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ደቓይቕ መደረ ከቕርቡ እዮም፡ . . . ድሕሪኡ ንጸሎት ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ደቓይቕ ጽሞና ክህሉ እዩ። . . . ብዘይ እዚ ናይ ጸሎት መንፈስ ሲኖዳውነት የሎን፡ ብዘይ ጸሎት ፖለቲካዊ ባይቶኣውነት እዩ ዝኸውን፡ ሲኖዶስ ባይቶ ኣይኮነን።
ብዛዕባ ናይ ግሊ ዘተ ብዶክተር ሩፊኒ ዝምራሕ ክፍሊ ኣሎ - ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ጉዳያት ዋና ሓላፊ እዮም። ንሶም ድማ ንገስጋስ ዲኖዶስ ብዝምልከት ጋዜጣዊ መግለጽታት ከውጽኡ እዮም። ኣብ ሲኖዶስ ሃይማኖት ምሕላውን ሓርነት ናይቶም ዝዛረቡ ምሕላውን የድሊ። ነዚ ድማ ብዶክተር ሩፊኒ ዝምራሕ ሽማግለ ክህሉ እዩ፥ እዚ እውን ብዛዕባ ምዕባሌታት እቲ ሲኖዶስ ሓበሬታ ዝህብ ይኸውን።
ኣንቶኒዮ ፐላዮ (ቪዳ ኑኦቫ መራኸቢ ብዙሓን)፥ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዛዕባ ሲኖዳውነት ዝበልክምዎ እዚ ሲኖዶስ ብዙሕ ናይ ምፍላጥ ድሌትን ብዙሕ ተገዳስነትን ከም ዘመንጭው ኩላትና ንሰማማዕ ኢና። እቲ ዘሕዝን ግን ካብ ካቶሊካዊ ክውንነት ብዙሕ ነቀፌታ እውን ምምጽኡ እዩ። ኣነ ብካርዲናል ብሩክ ዝተጻሕፈ መቕድም ዘለዎ መጽሓፍ እየ ዝውከስ፥ ሲኖዳውነት ንቤተ ክርስቲያን ዝኸውን ኩሉ መዓት ካብኡ እዩ ዝመጽእ ልክዕ ከም ሳንዱቕ ፓንዶራ እዩ ይብል። ብዛዕባ እዚ መርገጺ እዚ እንታይ ትብሉ? ብክውንነት ክስገር ድዩ ወይስ (እዚ ኣረኣእያ) ንሲኖዶስ ክጸልዎ ይኽእል ይመስለኩም? ቅድሚ ሕጂ ተዛሪበ ድየ ኣይፈልጥን፥ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ንሓንቲ ናይ ቅርመለሳውያን ደናግል ሓለቓ ደዊለ ነይረ፥ መነኮሳት ከመይ ኣለዋ ቢለ ምስ እተሓትከወን “ኩለን ጽቡቕ ኣለዋ” ምስ በላኒ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ሲኖዶስ ዝበሃል ግን ብዙሕ ፈሪሕና ኣለና፡ ሕጂ እንታይ እዩ ዝኸውን ዘሎ? ዝብል ሕቶ ምስ ኣቕረባለይ ኣነ ድማ ብዋዛ፥ “ካብ ደናግልክን ናብ ሲኖዶስ ክትልእኻ ተድልያ ዲኽን በልክወን” ኣይፋል ምስ በላኒ፥ ጠመቓዊ ትምህርቲ ከይትቕይሩ ንፈርሕ” በላኒ . . . ናብ ሱር ናይዚ ሓሳብ እዚ እንተኸይድካ ስነ ሓሳባት ኢኻ እትርከብ። ንቤተ ክርስቲያን ድማ በዚ ወይ በቲ ይኸስዋ፡ እንተኾነ ግን ብዛዕባ ሓቂ ዝኾነ ክሲ ፈጺሞም ኣየቕርቡን እዮም። ብዛዕባ ሓጢኣት ፈጺሞም ኣይዛረቡን . . . ንሓደ “ትምህርቲ” ይጣበቑ፡ መቕረት ዘይብሉ፥ ሓቀይና ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘይኮነ ትምህርቲ፥ ማለት ኣብ እምነት፡ እዚ ድማ ብዙሕግዜ የሕርቕ። እግዚኣብሔር ስጋ ኮነ እግዚኣብሔር ሰብ ኮነ እመቤትና ድንግልናኣ ሓልያ ዝብል ሓሳብ ክሳብ ክንደይ ንብዙሓት ዝዕንቅፍ ትምህርቲ እዩ . . .
ሲንድይ ዉደን ጋዜጠይና ሲኤንኤስ፥ ሰላም ቅዱስነቶኩም ብዛዕባ ሲኖዶስ ሓበሬታን ከምኡ እውን ጋዜጠይና ፈረንሳ ብጻየይ ምስ ዘቕረቦ ሕቶ ኣተሓሒዘ፥ ብዙሓት ዓለማውያን ምእመናን ግዜኦም ንጸሎትን ንዘተን ምስማዕን ጉዕዞ ሲኖዶስ ኣወፍዩም እዮም፡ ኣብ እዋን ሲኖዶስ እውን ሓበሬታ ክረኽቡ ይደልዩ፡ ከምኡ እውን ብዛዕባ ናይ ሲኖዶስ ተመክሮኹም ተዛሪብኩም፥ ከም ጋዜጠይናታት ብቐጥታ ኣብቲ ሲኖዶስ ናይ ምስታፍ ዕድል እውን የብልናን ካብ ዝወሃብ ጋዜጣዊ መግለጽታት ኢና እቲ ሓበሬታ እንረኽቦ፥ እቲ ዝንገረና ክሳብ ክንደይ ሓቂ ምዃኑ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፡ ስለዚ እቲ ጉባኤ ንጋዜጠይናታት ቁሩብ ክፉት ናይ ምዃን ተኽእሎ ይህልው ዶ? እወ ኣዚዩ ክፉት እዩ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ሩፊኒ ዝመርሕዎ ሽማግለ ሓበሬታ ክህሉ እዩ`፡መዓልታዊ ዜና ዝህብ፡ ዝያዳ ክፉት ዱዩ ኣይኮነን እንድዒ ዝፈልጦ ነገር የብለይን . . . እቲ ሽማግለ ጸብጻብን ሓበሬታን ንመደረታት ኩሉ ሰብ ኣዚዩ ዘኽብርን ንቤተ ክርስቲያን ሃናጺ ዝኾነ ነገራት ብልክዕ ኣብ ሲኖዳውነት ዝዛረብ ወይ ሓበሬታ ዝህብ እምበር በለካን ለኸዓካን ዓይነት ጸብጻብ ከይገብሩ ክጽዕሩ ክኾኑ እላበው። ፖለቲካዊ ሕሜታ ዓይነት ዘይኮነ። ብርግጽ እቲ ሽማግለ ሓበሬታ ቀሊል ዕማም ኣይክህልዎን እዩ፡ ከምዚ ተገይሩ ተባሂሉ ቢሉ ዘቕርቦ ጸብጻብ ነቲ ፖለቲካዊ መንፈስ ዘይኮነ ቤተ ክርስቲያናዊ መንፈስ ንምትሕልላፍ እዩ ዝሰርሕ። ባይቶን ሲኖዶስን ዝተፈላለየ እዩ፡ ናይ ሲኖዶስ ቀንዲ ተዋሳኢ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ኣይትረስዑ። እዚ ብኸመይ ክመሓላለፍ ይኽእል ነዚ እዩ ድማ እቲ ቤተ ክርስቲያናዊ ምዕባለ ክመሓላለፍ ዘለዎ።
ቪንቸንዞ ሮመዮ ካብ ራይ ትጂ ዱወ፥ . . . ንስኹም ናይ ብሓቂ ናይ ወሰናስን ኣብ ሕድጋት ናይ ዝኾነ ከባቢ ጳጳስ ኢኹም፡ ወሰናስን ከተማታት ኢጣሊያ ኣብ ዓቢይ ቃንዛ እዩ ዝርከብ፡ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ናይ ዓመጽ ናይ ምንቁልቋልን ንድሕሪት ናይ ምምላስን ኩነታት የጋጥም ኣሎ፡ ንኣብነት ኣብ ጥቓ ናፖሊ ሓደ ናይ ሰበኻ ካህን ኣባ ፓትሪጺዪ ከይተረፈ ነቲ ቦታታት ክትበጽሑ ዓዲሞሙኹም እዮም ድሕሪኡ ናብ ፖለርሞ እውን፡ ከምቲ ኣብ ቦኖስኣይረስ ትፍጽምዎ ዝነበርኩም፡ ስለዚ ቤተ ክርስቲያን ኮነ መንግስትን እውን ነዚ ውድቀት ወሰናስን ከባቢታት ንብምዳህ እቲ ከባቢ ብሓቂ ኣካል ሓንቲ ሃገር ምዃኑ ንምርግጋጽ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ? ብዛዕባ ደጋዊ ክፍለ ከተማታት ተዛሪብካ፡ ናብቶም ድኻታት ምኻድ የድሊ፡ ኣብኡ ምዕያይ። ከምቲ ኣብ ቦኖስኣይረስ ካህናት ዝገብርዎ ዘለዉ፡ ካህናት ብተራዳኢ ጳጳስን ዝምራሕ ጉጅለ፡ ኣብቲ ወሰናስን ከተማታት ዘገልግሉ፡ ስለዚ ነዚ ከምዚ ዓይነት ኣገልግሉት ክፉት ምዃን የድሊ፡ መንግስታት እውን ከምኡ። ኩሎም መንግስታት ዓለም እውን ከምኡ፡ እቲ ዘሕዝን ግን ሎሚ እውን ዝተረሰዐ ወሰናስን ከባቢ ምህላዉ እዩ።
ወሰናስን ከተማታት እትርድኦ ኣብ ወሳናስን ከተማታት ብምኻድ እዩ። ምስቲ ወሰናስን ከባቢታት ክንዝትን ክንዓይን እዩ ዘሎና። መግንስታት ጭቡጥ ማሕበራዊ ፍትሒ ኣብ ምኽዋን ቆሪጾም ክዓዩ ኣለዎም። . . . ንኣብነት ናይ ሮሂንግያ ኩነታቶም ንዘክር . . . ዝተመዛበሉን ናብ ወሰናስን ኩነት ዝተደፍኡን ብዙሕ ዓይነት ወሰናስን እዩ ዘሎ፡ . . . ኣብ ሓደ እዋን ሓደ ፈላስፋ ዝበሎ እሞ ዝተንከፈኒ፥ “ክውንነት ብዝብለጸ ኣትርድኦ ካብ ወሰናስን እዩ፡” ስለዚ ምስቶም ወሰናስን ከባቢታት ክንዝትይን ክንራኸብን ምስ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ወሰናስን! ምኽንያቱ ብዙሕ ግዜ ነቲ ማሕበራዊ ዘበራብር ወሰናስን እዩ። ወሰናስን ዓለም ቀሊል ኣይኮነን! እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።