ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጋዛ ሰብኣዊ ሕጊ ክኽበር ዘቕረብዎ ጻውዒት የሐድሱ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጋዛ ሰብኣዊ ሕጊ ክኽበር ዘቕረብዎ ጻውዒት የሐድሱ 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጋዛ ሰብኣዊ ሕጊ ክኽበር ዘቕረብዎ ጻውዒት የሐድሱ

“ኣብ ጋዛ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ዘኽእል መተሓላልፎ ውሑስነት ምህባን ንመላእ ህዝቢ ምድሓንን ህጹጽ ኣድላይነት ዘለዎ ከም ዝኾነን ሰብኣዊ ሕጊ ክኽበር ዘቕረብክዎ ጻውዒት ደጊመ አሐድስ”

ፍራንቸስኮ “ኩሉ ውግእ ስዕረት እዩ” ዝብል እምነቶም መሰረት እቲ ኣብ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዘሎ ዓመጽ ደው ክብል ህጹጽ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን ዝመጽ ዘሎ ሰሉስ ዕለት 17 ጥቅምቲ ኩሎም ምእመናን ምእንቲ ሰላም ኣብ ቅድስቲ መሬት ጾምን ጸሎትን ከካይዱ ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንፍልስጥኤምን እስራኤልን ተዋጋእቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ዓመጽን ‘ምፍሳስ ደም ንጹሃንትን ንጹሓንን’ ደው ከብሉ ህጹጽ ጻውዒት ደጊሞም ከም ዘቕረቡን ዕለት 15 ጥቅምቲ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተረኽቡ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፥ ነቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘሎ ኩነታት፥ “ብብዙሕ ቃንዛ ይከታተሎ ኣለኹ፡ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ህጻናትን ኣረጋውያንን ብዙሕ እሓስብ” ከም ዝበሉ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ክፍትሑን ህጻናት ኣረጋውያን ደቂ ኣንስትዮን በርገሳውያን ግዳያት እቲ ግጭት ኮይኖም ከም ዘለዉ ብምሕባር” ጻውዕተይ አሐድስ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ምኽባር ሰብኣዊ ሕግን ሰብኣዊ መተሓላልፎን

“ኣብ ጋዛ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ዘኽእል መተሓላልፎ ውሑስነት ምህባን ንመላእ ህዝቢ ምድሓንን ህጹጽ ኣድላይነት ዘለዎ ከም ዝኾነን ሰብኣዊ ሕጊ ክኽበር ዘቕረብክዎ ጻውዒት ደጊመ አሐድስ” ከም ዝበሉን፥

ውግእ ወትሩ ስዕረት እዩ

“ድሮ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን በቲ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ሞትን ማህሰይትን የጋጥሞም ከም ዘሎን እቲ ኣብ ቅድስቲ መሬትን ኣብ ዩክረይን ኮነ ኣብ ካልእ ከባቢታት ዓለም ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ናይ ንጹሓን ደም እዩ ዘፈስስ” እንክብሉ ብዓውታ ገሊጾም፥ ውግእ ስዕረት እዩ” ቢሎም ዕለት 17 ጥቅምቲ ኩሎም ምእመናን ምእንቲ ሰላም ኣብ ቅድስቲ መሬት ጾምን ጸሎትን ክፍጽሙ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን፥ “እቲ ዝፈሰሰ ደም ይኣክል ደጊም ደም ንጽሃን ኣይተፍስሱ” እንክብሉ ብትረት ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

በሸሓት ዝቝጸሩ ግዳያት

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ስዒቡ፡ ሰራዊት እስራኤል ንጋዛ ብመሬትን ብባሕርን ብኣየርን ከጥቕዕ ምዃኑ ግምት ምህላዉ ክሕበር እንከሎ ኣብ ሰሜን ጋዛ ዝነብሩ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ፍልስጥኤማውያን ናብ ደቡብ ገጾም ንኽወጹ ካብ እስራኤል ድሕሪ ዝተወሃበ መጥንቀቕታ ብዙሓት ብመካይንን ብኻል መጓዓዝያታትን በእግሮም እውን ከይተረፈ ይወጹ ምህላዎምን ካብቲ ኣብ ሰሜን ጋዛ ካብ ዝረክብ መእለዪ ህሙማን እውን ከይተረፈ ክወጹ እስራኤል ዝሃበቶ መጠንቀቕታ ነቶም ብብርቱዕ ዝሓመሞ ናይ ሞት ፍርዲ እዩ እንክብል ዓለም ሓቆፍ ውድብ ጥዕና ከም ዝገለጸን፡ ኣብ ጋዛ ዝርከባ ኣባይቲ ሕክምና ድሮ ዕንወት ከም ዘጋጠመንን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እስራኤል ኣብ ጋዛ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ልዕሊ 2 ሺሕ ሰባት ከም ዝሞቱን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ከም ዝቖሰሉን ሕክምና እውን ከም ዘድልዮም ይሕብር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ማዕከናት ዜና ከም ዝሕብርኦ ኣብቲ ጋዛ ምስ ሲናይ ምስሪ ኣብ ዘዳብው ዞባ ናይ ወጻኢ ሰብኣዊ ሓገዝ ተኣኪቡ ከም ዘሎን ናብቲ ሓገዝ ዘድልዮ ከባቢ ንምብጻሕ ዘይከኣል ኮይኑ ከምዘሎን ካብ ዮርዳኖስ ቱርክን ኢሚራት ዓረብን ዝተላእከ ሰብኣዊ ሓገዝን ከምኡ እውን ካብ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ጥዕና ዝተላእከ ናውቲ ሕክምና ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሲናይ ዝበጽሐ እኳ እንተኾነ ናብቲ ዘድሊ ቦታ ንምብጻሕ ኣጸጋሚ ኮይኑ ከም ዘሎ ክፍለጥ እንከሎ፥ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክፍጸምን ወይ እቲ ውግእ ከስፍሕ ዝኽእል መጥቓዕቲ ንምዕጋት ‘ድዋይት ኣይዘንሃወር’ እተሰምየት ናይ ውግእ መርከብ ከም ዘዋፈረት ኣብ እስራኤል ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቤት ጽሕፈት ልኡከ መንግስቲ ከም ዘፈልጠን ከምኡ እውን ዜጋታቱ ካብ ሃይፋ ናብ ቆጵሮስ ንምውጻእ ኣብ ዝግበር ተልእኾ ክትዋፈር ምዃና ይንገር።  

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ሰሜን እስራኤል ኣብ ዝርከብ ሽቱላ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ካብ ሊባኖስ ብዝተተኮሰ ጸረ ታንኪ ሚሳይል ሓደ ሰብ ከም ዝተቐትለ መግለጺ ስራዊት እስራኤል ክሕብር እንከሎ፡ ወሃቢ ቃል ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ዳኔል ሃጋሪ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ “ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ቶኽሲ ብምኽፋት መልሲ ከም ዝሃበን መደብራት ሂዝቦላህን ምንጪ ናይቲ ባርዕ ሓውን ከም ዘዕነወ” ክሕብር እንከሎ መርበብ ሓበሬታ ሃሬትዝ ብወገኑ ካልኦት ሰለስተ ሰባት ከም ዝተጎድኡ የመላኽት።

እቲ ግጭት እዚ ዝተበገሰ ፍልስጥኤማዊ ዕጡቓት ጉጅለ ሓማስ ዕለት 7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድሕሪ ዝፈጸሞ መጥቓዕቲ ክኸውን እንከሎ፡ 1300 ሰባት ከም ዝሞቱን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ሓዊሱ ጅሆ ከም ዝኾኑ ይዝከር።

17 October 2023, 09:32