ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ኣሰናዳእቲ ‘መጽሔት ጎደና” ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ተራኺቦም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ሓያሎ ጸገማት ዘጋጥሞም ዝራኸብን ኩነታቶምን ጸገማቶም ዘዘንትዉ ሰሙናዊ መጽሔት ኣበርክቶ ዝገብሩን ጸሓፍትን ስነጥበባውያንን ጋዜጠይናታትን ተራኺቦም፡ ኣብ ድኽነት ዝነብሩ ሰባት ኣቃልቦ ክግበረሎም ዝጽዕሩ እውን ብምዃኖም እቶም ኣሰናደውትን ጋዜጠይናታትን ምስቶም ኣብ ግዳም ሓደር ዝኾኑን ኣብ ጥቓ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝርከብ ጎደና ዝሓድሩ ቤት ኣልቦ እሓትን ኣሕዋትን ዝራኸቡን ድምጾም ክስማዕ ዝተሓባሩን ምዃኖም ክፍለጥ እንከሎ፥
ምሕዝነታዊ ርክብ
ኣተሓባባሪ ናይታ መጽሔት ፒየሮ ዲ ዶመኒካንቶንዮ እቶም ሰራሕተኛታትን ጸሓፍትን ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ድኻታትን ዝተነጸሉን ዝተረስዑን ቀረባ ምዃን ዝብል ብቓልን ግብርን ዘመሓላልፍዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ናቶም ገይሮም ዝዓዩ ብምዃኖም ቅዱስነቶም ስለ እቲ እንህቦ ኣገልግሎት ኣመስጊኖምና እንክብሉ ምስ ዜና ቫቲክን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቶም ጋዘጠይናታት በቲ ናይ ሎ ሶርቫቶረ ሮማና ናይ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢ ፕሮፈሰር ኣንድረያ ሞንዳን ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓ ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ ተሰንዮም ኣብቲ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራናቸስኮ ዘካየድዎ ርክብ ናይ ዕርክነትን ምቅርራብን ንኻልእ ብፍላይ ንዝተሸገሩ ቀረባ ናይ ምዃን ባህሊ ከስፍሑ ከም ዘተባብዕዎምን ኣብቲ ርክብ ምስ ዝተሳተፉ ኩሎም ሓደ ብሓደ ሰላምታ ከም እተለዋወጡን “ነፍሲ ወከፍና ንውሑዳት ደቓይቕ ክንቀርቦን ሰላም ክንብሎን ክንዛረቦን ክኢልና፡ ልዕሊ ዅሉ ግን ከም እነፍቅሮን ከም እንጽልየሎምን ቀሪብና ከነረጋግጸሎም ክኢልና” ኢሎም።
ሓልዮት ንር.ሊ.ጳ.
እቲ መጽሔት ታሪኽ ህይወት ናይ ብዙሓት ግዳም ሓደርን ዝተነጸሉን ዘዘንትውን ምስቶም ታሪኾም ዘዘንትወሎም ብቐጥታ ብምርኻብ ብዝተኻእለ እውን ካብ ጎደና ተላቒቖም ምስ ስድራ በቶም ክራኸቡ ከም ዝገብርን ብዙሓት እውን ካብ ግዳም ሓደር ምዃን ሓራ ከም ዝወጹን ሓድሽ ህይወት እውን ዝመርሑ ከም ዘለዉን ካልእ እውን ዘሕዝን ፍጻሜ ዘለዎ ታሪኽ ከም ዘሎን እቲ መጽሔት ነቲ ናይ ምራኻብን ንኻልእ ብፍላይ ነቶም ዝተናዕቁን ዝተሓረጉን ናይቲ ጓሓፋይ ባህሊ ግዳያት ዝኾኑን ቀረባ ምዃንን ኣብኦም ህያው ንኽኸውን ምስ ዝመረጸ ክርስቶስ ምራኻብ ዝብል ስልጣናዊ ትምህርቲ ቅዱስነቶም ዝነብርን ነዚ ትምህርቲ እዚ እውን ታሪኽ ገይሩ ዘቕርብ ምዃኑ ዲ ዶመኒካንቶንዮ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።