2023.12.30 ፍራንቸስኮ፡ መዝሙር ልቢ ክትንክፍን ጸሎት ከዕምቖን ይኽእል 2023.12.30 ፍራንቸስኮ፡ መዝሙር ልቢ ክትንክፍን ጸሎት ከዕምቖን ይኽእል  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ፍራንቸስኮ፡ መዝሙር ልቢ ክትንክፍን ጸሎት ከዕምቖን ይኽእል

ዕለት 30 ታሕሳስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ መንእሰያት ኣባላት ፈደራላዊ ማሕበር መዘምራን ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ከም እተራኸቡን፥ መዝሙር ንጸሎት ማሕበረሰብ ቤተ ክርስቲያን ዘሐጉስ መሰነይታ ምዃኑ ገሊጾም እቶም መዘምራን ዘቕርብዎ ኣገልግሎት ከም ዝነኣዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“መዝሙር ልቢ ክትንክፍ፡ ጽባቐ ክህብ፡ ፍናንን ተስፋን ክመልስ ይኽእል” ከም ዝበሉን፡ እቲ ዓለም ሓቆፍ ፈደራላዊ ማሕበር መዘምራን መንሰያት ኣብ 1950 ብኣባ ፈርናንድ ማይለት ኣብ ፈረንሳ ዝተመስረተን ካብ 25 ሃገራት ዝተዋጽኡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኣባላት ከም ዘለውዎን ኣብ ዓዓመት ካብ እተፈላለየ ዅርናዕ ዓለም ንዝመጹ ሕጻናትን መንሰያትን ሰላም ክረኽቡን ንጐይታ ንኽውድሱ ከምኡውን ብሓባር መዝሙር ኣብ ምቕራብ ዝሓብሩ ከም ዝኾኑን ዝሓበረ ዜና ቫቲካ ኣስዒቡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ሰባት ንኺጽልዩን ልቦም ናብ ጐይታ ንኺኸፍቱን ዝሕግዙ ምዃኖም ገሊጾም ስለቲ ዝህብዎ ኣገልግሎት ነመስግን ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ሓጎስ ዝመልኦ ስኒት

ቅዱሰንቶም ኣብቲ ሓጎስ ጸሎትን ትሕትናን ኣብ ዝብሉ ሰለስተ ቃላት ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን

"መዝሙር ሓጎስ እዩ፡ ብፍላይ ብሓባር ዝቐርብ ክኸውን እንከሎ፡ ንብዙሓት ማእለያ ዘይብሎም መንሰያትን ህጻናትን ነቲ እተቕርብዎ መዝሙር ናቶም ገይሮም ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከም ዘቕርብዎም እዚ እውን ሕብረት ክህሉ ዝሕግዝ እዩ ከም ዝበሉን፡ መዝሙር ነቲ ኣብ መንጎ መንእሰያት ዘሎ ህይወትን ሕልምን ፍቕርን ብሓባር ከም ዝገልጽዎን ከምኡ’ውን በቲ ህያባቶም ኣቢሎም ንኻልኦት ንምምሃርን ንምርኢትን ንምዝርጋሕን ብለጋስነት እትወፍዩ ኢኹም። ሙዚቃ ህይወት ሰባት ክትንክፍን ካብ ዘይሕጉስነቶም ወይ ካብቲ ዘይምሹእ ኩነታቶም ንኽላቐቑ ዝድርኽ ሓይሊ ኣለዎ . . . ኣብ መዛሙራትኩም ኒሕ ምስ እትውስኹሉ፡ ነቶም ዝሰምዑኹም ዓቢ ህያብ ተቕርቡ . . . “ኣብ ዓለምና ክንደይ ሓጐስ የድልየና!” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ብጸሎት ዚግበር ምትሕብባር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጸሎት ናብ ዝብል ቃል ኣተኩይሮም ነቶም መንእሰያት ዘመርቲ "ተዋሳእቲ" ዘይኰኑስ ንኻልኦት ብዘቅርብዎ መዝሙር ኣቢሎም ንኽጽልዩ ዝሕግዝዎም ምዃኖም ኣዘኻኸርዎም። "ነቲ ብህላወ ኢየሱስ ዝተመልአ ልብኻ ብመዝሙር ኣቢልካ ነቲ ምልኣት ጋህዲ ትግበሮ. . . ልክዕ ከምቲ ንልቢ ሰባት ዚትንክፍ ፍላጻ እዩ።"

ቅዱስ ኣጎስጢኖስ እቶም ዝዝምሩ ሰባት ክልተ ሳዕ ይጽልዩ ብተወፋይነትን ስነ-ጥበብን ክዝምሩ ኣንከለዉ ድማ ናይ ፍቕሪ ተግባር ይፍጽሙ” ይብል፡ "ብሓባር ብምዝማርን ብምጽላይን ብስኒት ብምስምማዕ ንሓድሕድኩም ብምጽብባይ ናይ ገዛእ ርእስኹም ድምጺ ኣዋዲድኩም ክትዝምሩ እንኮለኹም ነቶም ዓበይቲ ማሕበረሰብ ስኒት ክህልዎም ትሕግዝዎምን ተተባብዖዎም ኢኹም . . . ብሓባር ምጉዓዝን ምዕባይን ክሳዕ ክንደይ ጽቡቕ ምዃኑ ትምህሩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ትሑታት ኣገልገልቲ ኣምላኽ

ቀጺሎም ትሕትና እትብል ቃል ኣማእኪሎም፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ኣገልግሎት ካልኦት ክኸውን ስለዘለዎ እቲ ናይቲ ሙዚቃን መዘሙርን መዘምራንን መራሒ እውን ከይተረፈ ዘቕርቦ ኣገልግሎት “ቤት ትምህርቲ ትሕትና” ምዃኑ ኣመልኪቶም። “መዝሙርኩም፡ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ዝያዳ ትሕትና ኣለዎ . . . ንኻልኦት ምስ ጎይታ ንኽራኸቡ ክሕግዞም እንከሎ፡ ኣብ ትኽክለይና ሰዓት ክህሉ ዝግብኦ ስቕታ ተመላኽቱ ምእንቲ ኩሉ ሰብ ነቲ ኢየሱስ ጥራይ ንነፍሲ ወከፍና ክብሎ ዝደሊ ቃላት ክስማዕ መታን” ቢሎም ነቶም መንእሰያት መዘምራን ብመዛሙራቶም ኣቢሎም ኣቓልቦ ናብ ገዛእ ርእሶም ከይስሕቡ ኣጠንቂቖም፣ ምኽንያቱ ንጻዕሪ ምሉእ መዘምራን ከበላሽዉን ኣብ ሓደጋን ከእትው ስለ ዝኽእል . . . ስለዚ፡ ፍሉያት ክትኮኑ ኣይትፈትኑ፡ ሓደ ኮይንኩም ክትዝምሩ ድለዩ፡ ምስቲ ካብ ትሕትና ዝመጽእ ሓድነት፤ ኣብቲ ብሓባር ምዝማርኩም ምስ ኣምላኽን ኣብ ንሓድሕድኩምን ናይ ሓቂ ዕርክነት ዝገልጽ ክኸውን ስለ ዝኽል።”

ብኒሕ ምዝማር

ኣብ መደምደምታ፥ ስኒትን ጽባቐን ንምርካብ ብዙሕ ጻዕሪ ኸም ዝሓትት ገሊጾም . . . ከምኡ እውን እቲ ቅዱስ ሙዚቃ ንማሕበረሰብ ክርስቲያን ብዙሕ ነገራት ክምህሮም ይኽእል ኢዩ ብፍላይ ከኣ "ነፍሲ ቓል ኣምላኽ" ስለ ዝዀነት ቢሎም መዘምራን ብሓገዝ መምህራኖም ብውዕዉዕ ስምዒት ክዝምሩ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

30 December 2023, 17:17