ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ብዛዕባ ምጽኣት ኢየሱስ ዚምስክሩ ምእመናን ክንከውን ንጽዓር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ሰንበት ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር አብ ዝለገስዎ አስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ስቕታን ጽን ኢልካ ምስማዕን ብዛዕባ ምጽኣት ወዲ ኣምላኽ ዚምስክሩ ምእመናን ንኽንከውን ዘለዎ አገዳስነት አስተንቲኖም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብቲ ናይ ዕለቱ ንባብ ክፍሊ ወንጌል ተመኲሶም ብዛዕባ ኣብነት ቅዱስ ዮሓንስ መጥመቕ ዝገልጽ “አብ ምድረበዳ ዝጨሕ ድምጺ!” እንክብሉ አስተምሃሩ።

ኣብ አስተንትኖኦም ቅዱስ አቦና፣ ብዛዕባ እቲ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ዚመስል ምስልታት "ድምጺ ከም መጋብሪ ዝርርብ" ኸምኡውን "እቲ ምስ ማንም ዘይትራከበሉ ባዶ ምድረ በዳ" ከም አብነት ብምውሳድ አስተምሂሮም።

ምድረ በዳ ኣብ ስብከት ሓዋርያ እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ብምግላጽ ድማ "አብ ዮሃንስ መጥምቕ እዞም ክልተ ምሳሌታ ድምጽን ምድረበዳን ከም ንረኽቦም" ገለጹ ።

ክቡራትን ክብራንን ሰማዕትና ካብዚ ብምቕጻል ምልኡእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስነቶም ዝለገስዎ አስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ነቕርበልኩም፡-

ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ከመይ ሓዲርኩም!

            ኣብዛ ካልአይቲ ሰንበት ናይ ዘመነ ምጽኣት ዘንበብናዮ ክፍሊ ወንጌል፣ ብዛዕባ እቲ ጸራጊ-መንገዲ ናይ ኢየሱስ ዝነበረ ብዛዕባ ዮሓንስ መጥምቕ ይነገረና ። (ማር 1፡ 1-8) ንኣኡ ድማ "ኣብ ምደረ በዳ ዝጭርሕ ድምጺ" (ቍ. 3) ክብል ይገልጾ ። ምድረ በዳ ምስ ወላ ሓደ እኳ ክትዘራረበሉ ዘይትኽእል፣ ባዶ ቦታ ኢዩ፣ ብኣንጻሩ ድማ ድምጺ መጋብሪ ናይ ዝርርብ ኢዩ፣ እዞም ክልተ ሓሳባት ከአ ምድረ በዳን ድምጽን ክልተ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ምስልታት እዩ ዚመስል ። እንተዀነ ግን አብ ዮሓንስ መጥምቕ ክልቲኦም ብሓደ ንረኽቦም።

            ምድረ በዳ ፦ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ ኣብ ጥቓ ፈለግ ዮርዳኖስ፣ ማለት ኣብ ጥቓ እቲ ቕድሚ ሓያሎ ዘመናት ሕዝቢ አምላኽ ናብታ ምድሪ ተስፋ ዝተሳገሩሉ ቦታ እዩ ዝሰብኽ ዝነበረ (ኢያሱ 3፡ 1-17)። ከምዚ ብምግባሩ እምበዓር ፣ ንኣምላኽ ምእንቲ ኽንሰምዖን ጽን ክንብሎን ፣ ናብቲ አምላኽ ንኣርብዓ ዓመት ንህዝቡ አብ ዘሰነዮምን ዘዕቆቦምን ዘምሃሮምን ቦታ ናብ ምድረ በዳ ኽንምለስ ኣሎና ማለቱ ኢዩ ዝነበረ ። እዚ ቦታ እዚ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ዘይጠቅም ነገራት ዝሓስበሉን ዝጭነቐሉን ዘይኮነ፣  የግዳስ ኣብቲ ብህይወት ንምንባር ዜድሊ ነገራት እተተኩረሉን ናይ ጸጥታን  ናይ ቁምነገርን ቦታ እዩ።

            እዚ ኸኣ ወትሩ አገዳሲ ዝኾነ መዘኻኸሪ ኢዩ - ኣብ ጕዕዞ ህይወት ንምቕጻል ካብቲ "ዝያዳ ዝያዳ" ዝብል ድሌታት ክንላቐቕ ኣሎና፣ ከመይሲ ጽቡቕ ናብራ ምንባር ክበሃል ከሎ ብዘይረብሕ ነገራት ምምላእ ማለት ዘይኰነስ፣ ካብቲ ደረት ዘይብሉ ድሌት ናይ ነገራት ሓራ ምውጻእ ማለት ኢዩ፣ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብሓቂ አገዳሲ ዝኾነ ኣጽኒዕና ንምሓዝ ኣብ ውሽጥና ኣዕሚቝና ክንኣቱ ኣሎና ማለት ኢዩ ። ብጽሞናን ብጸሎትን ጥራይ ኢና ከአ ነቲ ቃል ኣቦ ዝዀነ ኢየሱስ ቦታ ብምሃብ ካብቲ ኸንቱ ዝኾነ ዘረባን ዕላልን ብኸመይ ሓራ ክንወጸ ከም እንኽእል እንፈልጥ ። ኣብ ኣጠቓቕማ ቃላትን ነገራትን፣ አብ ብመራኸቢ ብዙሓንን፡ አብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ጽሞናን ርእስኻ ምግታእን - ሓደ ሰብ ክገብሮ ዝለዎ ንእሽቶ መስዋእቲ ወይ መንፈሳውነት ወይ ውን ውርዝና ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ክርስትያናዊ ህይወት ሓደ አዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ረቛሒ ኢዩ።

            ናብቲ ኻልኣይ ምሳሌ ከአ ንመለስ፣ ንሱ ድማ ድምጺ ኢዩ፦ ነቲ እንሓስቦን ኣብ ልብና ዘሕደርናዮም ነገራት ብድምጺ አቢልና ኢና እነንጸባርቕ ። ስለዚ ነቲ መንፈስ ዝብሎ ጽን ኢልካ ብምስማዕ ኣብ ውሽጥና ብሱል ዝዀነ ነገር ንኽህልወና ስለ ዝገብር፣ ምስ ስቕታን ጽሞናን ኣጸቢቑ ከም ዝተኣሳሰር ንፈልጥ ኢና ። ኣሕዋትን ኣሓትን ሓደ ሰብ ብኸመይ ስቕ ከም ዚብል ዘይፈልጥ እንተ ዀይኑ፣ ጽቡቕ ዘረባ ኺዛረብ ይኽእል ኢዩ ምባል ዘይመስል ነገር እዩ፣ ጽን በሃልን መስተውዓልን ብዝኾንካሉ መጠን ቃላትካ ከአ ብሱላትን ቁምነገር ዘለዎም ኮይኖም ይርከቡ። ኣብ ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ እዚ ድምጺ እዚ ምስ ሓቀይና ዝኾነ ተመክሮኡን ንጽህና ልቡን ዝተተሓሓዘ ኢዩ ዝነበረ ።

ንርእስና ኸምዚ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና ፦ ኣብዚ ግዜ እዚ ስቕታ አብ ህይወትና ከመይ ዝበለ  ቦታ እዩ ዘለዎ ? ባዶ ዝኾነ ምናልባት እውን ጨቋኒ ዝኾነ ስቕታ ድዩ ዘሎና ? ወይስ ንምስማዕን ንምጽላይን ንልቦናኻ ንምሕላውን ዝኸውን ቦታ እዩ ? ህይወተይ ብነገራት ዝሰኸረ ድዩ ወይ ድማ ብብዙሕ ነገራት ዝመልአ? ኣንጻር ማዕበል ምኻድ ዝሓትት እኳ እንተዀነ ንስቕ ምባልን ህድኣትን ምስማዕን ኣኽቢርና ክንርእዮም አሎና ።

ቅድስቲ ድንግል ማርያም አዴና ነቲ ናይ ምድረበዳ ስቕታ ኸነፍቅርን ነቲ ዚመጽእ ወዳ ዚምስክሩ ምእመናን ንክንከውንን ትሕግዘና።

11 December 2023, 13:53