ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቅድስቲ ስድራቤት ኣብ ግዜ ፈተና እግዚኣብሔር ምሳና ከምዘሎ ተርእየና

ፍራንቸስኮ ዕለት 31 ታሕሳስ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን በዓለ ቅድስቲ ስድራ ኣብ ዘብዓለትሉ ስንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔ፥፡ ዋላ እቶም ኣሉታዊ ክፋላት ዝስዕሩ ኣብ ዝመስሉሉ እዋን፡ ብናይ ገዛእ ርእስና ናይ ፍቕሪ ታሪኽ ክንድነቕ ዓቕምና ፈጺምና ክንስእን ከም ዘይብልና ይምዕዱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድስቲ ስድራ፡ ብዙሕ ጸገማትን ሓዘንን ዘጋጠማ ክንሱ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ከመይ ጌርና ከም እንግረም፡ ከመይ ጌርና ኣብ መንጎና ክንዕድሞ ሰላምን ፍቕርን ክሕደስ ከም እንፈቅድ የርእየና።

ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ መወዳእታ 2023 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋድ ተቐቢሎም ሰንበት ዕለት 31 ታሕሳስ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፡ ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ስድራ ቤት ከም ዘብዓልት ዘኪሮም

ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 2፥ 22 - 40 ብዛዕባ ምቕራብ ኢየሱስ ህጻን ናብ ጎይታ ዝገልጽ ምንባብ መሰረት ገይሮም ቅድስቲ ስድራ ንእግዚኣብሔር ዝቐርብ ህያብ ሒዛም ናብ ቤተ መቕደስ ከም ዝኣትት ዘኪሮም፡ ምስክርነት ድኽነቶም ዝገልጽን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ማርያም “ሓዘን ልብኺ ከምሰይፊ ኪስንጥቖ እዩ” ዝብል ትንቢት ከም እትቕበለት እውን የዘኻኽሩ።

“ብድኽነቶም ናብ ጎይታ ይመጹ፡ ብመከራ ዝኾነ ትንቢት ድማ ተሰኪሞም ይኸዱ” ክብሉ ቅዱስነቶም “ስድራ ቤት ኢየሱስ፡ ኣብ ታሪኽ ኣብ ክንዲ ሃብታም ዝኾኑ፡ ኣምላኽ ኣብ መንጎኦም ብስጋን ደምን ከምዘሎ ክምክሑ ዝኽእሉ እንኮ ስድራቤት፡ ድኻ ምዃና ገሊጾም!”

ካብ ሽግር ሓራ ኣብ ክንዲ ዚኾኑ፡ “እዛ ስድራ ቤት እዚኣ ኣብ ዓብዪ ሓዘን ትጥሕል!”

ቢሎም ኣስዒቦም ንስድራቤትና ኣዝዩ ጽቡቕ ነገር ይዛረቡ፡ እግዚኣብሔር ኪኖ ሽግር ዘይኮነ፡ “ንሕይወትና ምስ ጸገማቱ ክነብር” እዩ ዝመጸ፥

“ኣብ ማእከልና እናነበረ በዚ ኸምዚ ኣገባብ ድማ ኣድሓነና።”

ቅርበት ኢየሱስ

ከመይ ኢየሱስ ሕጻን ከሎ ናብ ዓለም ከም ዝመጸ፣ ምስ ወለዱ ኣብ ስድራ ቤት ይነብር ከም ዝነበረን ዝበዝሕ ግዜኡ ድማ እናዓበየን እናተማሃርን ከም ዘሕለፈ፥ “መዓልታዊ ሕይወት፣ ኣብ ሕቡእን ጽሞናን” ይነብር።

“ካብ ጸገማት ህይወት ፈጺሙ ከይረሓቐ።”

ቅዱስ ኣቦና “ክኢላ መከራ” ዝነበረት ስድራ ብምምራጽ፡ ንስድራቤታት እንታይ ከም ዝሳቐዩን እንታይ ከም ዘጋጥሞምን ከም ዝፈልጥ ይነግሮም ምኽንያቱ ንሱ ስለ ዘጋጠሞ።

“ኣነ፡ ኣደይን ኣቦይን፡ ንስድራቤትካ እውን፡ ‘በይንኻ ኣይኮንካን!’ ክንብሎም ምእንቲ፡ ተመኪርና ኢና።”

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተገረሙ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብነትን መልእኽትን ቅድስት ስድራን ናብ ኩሉ ስድራ ቤት ምዃኑ ድማ ገሊጾም

ቅድም ቀዳድም እቶም 'በቲ ብዛዕባ ኢየሱስ እተባህለ እተደነቑ' ከምኡውን በዚ ናይ ምምሳጥ ክእለቶም ከም ስድራቤቶ ንምዕባይ ዝድግፍ ምስጢር ክኸውን ይኽእል ኢዩ" ስለዚ ምመናን 'ናብ ቤቶም ክዕድምዎን ናይ ጸሎት ግዜ ብምንባር’ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክድነቑ ዓደሞም። "በዚ መንገዲ እዚ ንሱ ጥራይ ክህቦ ብዝኽእል ሰላምን ፍቕርን ክንሕደ እንፈቅድ"።

ምስ በሉ ወሲኾም “ብመጻምድትኻ ከመይ ጌርካ ከም እትግረም ምፍላጥ” ድሕሪኡ ድማ “ብተኣምራት ህይወትን ውሉድን ምግራም” ከምኡ’ውን ናብቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ንገር መታን ክንምለስ “ብጥበብን ቅሳነትን ህይወት ዝመልሱ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ምግራም” ጽቡቕ እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ

“ብተኣምር ህይወት ተገረሙ!”

ቅዱሰንቶም ኣብ መወዳእታ፡ ዋላ እቶም ኣሉታዊ ክፋላት ዝስዕር ኣብ ዝመስለሉ እዋን፡ ኣብቲ እግዚኣብሔር ዝኣምነሉ ናይ ገዛእ ርእስና ናቱ ዝኾነ ናይ ታሪኽ ፍቕሪ ምድናቕ የድሊ” ኢሎም።

ማርያም ንግስቲ ስድራቤት፡ “መዓልታዊ በቲ ሰናይ ነገር ክንድነቕ፡ ኣብ ገጽ እቶም ዝቐረቡና ድማ ከመይ ጌርና ከም እንርእዮ ክንፈልጥ ትሕግዘና” ቢሎም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ከም ዝደገሙ ኣፍሊጡ።

31 December 2023, 16:57