ድለ

Giornata delle Nazioni Unite Giornata delle Nazioni Unite  (ANSA)

ር. ሊ. ጳ. ፦ ተጸምዶ ንሰብኣዊ መሰላት ፈጺሙ ኣይተዛዘመን!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ብዛዕባ ዝኽሪ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ኣዘኻኸሩ፣ ምእንቲ ዅሎም እቶም ብሰንኪ ውግእ ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ድማ ጸለዩ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰንበት ዕለት 10 ሕዳር መበል 75 ዓመት ዝኽሪ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት እተፈረመሉ ዕለት ከም ምዃኑ ኣዘኻኸሩ ። እዚ ኣዋጅ እዚ "ቀንዲ ውጥን" ሰብአዊ ክብርን መሰላትን ኢዩ ድማ በሉ ። ኣስዕብ አቢሎም ድማ "ብዙሕ ስጕምትታት ተወሲዱ አሎ፣ ይኹን እምበር ገና ብዙሕ ስጕምትታት ክውሰድ ኣለዎ፣ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ድማ ሓደ ሓደ ግዜ ኸኣ ንድሕሪት ዝተመለስናሉ ኩነት ውን አሎ ።" ክብሉ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ዕለት ዝኽሪ ኣመልኪቶም ቃልምሕጽንታ ኣቕሪቦም።

ወሲኾም ድማ ቅዱስነቶም፣ ምስ ኵሎም እቶም ኣብ መዓልታዊ ናብራ ንሰብኣዊ መሰላት ንምጥባቕ ዝሰርሑን ዝቃለሱን ኩሎም ሰባት አብ ጐኖም ደው ከም ዝብሉ አመልከቱ ።

ኣብ ደቡብዊ ካውካሱስ ሰላም ንምስፋን ዘሎ ተስፋ

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ደድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዝለገስዎ ምሕጽንታ፣ ኣርመናውያንን ኣዘርባጃንን ዝገብርዎ እሱራት ናይ ምፍታሕ ተበግሶታት ምስ ሰምዑ ዝተሰምዖም ሓጐሱ ገለጹ ። ቅዱስነቶም አብ ምሕጽንታኦም ንኽልቲአን ሃገራት ምስ መራሕተን ኰይነን ውዕል ሰላም "ብእተኻእለ መጠን ብዝቐልጠፈ" ከካይድ ድሕሪ ምትብባዕ "እዚ ኣብ መንጎ ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ዘሎ ኣወንታዊ ምልክታት ኣብ ደቡባዊ ኮውካሱስ ሰላም ንምርካብ ከም ዓቢ ተስፋ ገይረ ኢየ ዝርእዮ" ድማ በሉ።

ንሰላም ዚኸውን ጭቡጥ ስጕምትታት ምውሳድ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ምእንቲ ዅሎም እቶም ብውግእ ዚሳቐዩ ዘለዉ ህዝብታት ምእመናን ከየቋረጹ ክጽልዩ ተማሕጸኑ ። "ናብ በዓለ ልደት ኢና ንቀራረብ ዘሎና፣ ብሓገዝ ኣምላኽ ንሰላም ዝኸውን ጭቡጥ ስጕምትታት ክንወስድ ድማ ንኽእል ዲና?" ክብሉ ኣተባብዑ ። ቅዱስ ኣቦና ነቲ ዓሚቝ ታሪኻዊ መበቈል ዘለዎ ግጭታት ንምፍታሕ ዘለዎ ክበድ ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃብ፣ ኣብነት ናይቶም ኩሎም "ብሓባር ብሰላም ንምንባር እንክብሉ ብጥበብን ብትዕግስትን ዝዓየዩ ሰብኡትን ኣንስትን" ክስዕቡ ከም ዝለዎም ንኹሉ ጻውዒት አቕረቡ ።

አብቲ ውግእ ዝለዎ ከባቢታ ንሰብኣዊ መሰላት ምጥባቕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ጕዳይ ሰብኣዊ መሰላት ምልስ ብምባል ኸኣ ሰላማውያን ሰባትን፡ ሆስፒታላትን ከምኡውን ናይ አምልኾ ቦታታት ዕቝባ ክግበረሎም ከም ዝለዎምን፣ እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዝለዉ ሰባት ናጻ ኽወጽኡን ከምኡውን ኣብቲ ግጭታት ዝርከበሉ ዘሎ ቦታታት ናይ ግብረ - ሰናይ ሰብአዊ ረድኤት አተኵሮ ክወሃቦ ከም ዘለዎ ጻውዒት ኣቕረቡ ።

ወሲኾም ድማ ቅዱስነቶም "ነተን ዝሳቐያ ዝለዋ ዩክረይንን ፍልስጤምን ከምኡውን ንእስራኤል ኣይንረስዓየን" ክብሉ ተማሕጸኑ ።

ኣብ መወዳእታ እቲ መበል 28 ዓውደ ጉባኤ ብዛዕባ ምዝባዕ ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር አብ ዱበይ ዝካየድ ዘሎ አብ ምዝዛሙ ስለዝርከብ ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ነታ ንሓባራዊ ቤትናን ንህዝቢ ንምዕቋብን ጽቡቕ ውጽኢት ምእንቲ ኺህልዎን" ብዛዕባ እዚ ሓሳብ እዚ ውን ጸሎት ክግበር ተማሕጸኑ ።

11 December 2023, 13:56