ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኩርያ ሮማና፡ ‘እቶም ዘፍቕሩ ጥራይ እዮም ንቕድሚት ዝኸዱ’
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ፍራንቸስኮ ንኩርያ ሮማና ላዕለዎት ሓዋርያውያን ኣካላት ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ርሑስ በዓለ ልደት ምንዮትን ሰላምታን ቃለ ምዕዳን፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ህርኩት ወንጌላዊ ተልእኾ ብውህደት ምእንቲ ክሳተፍ፡ ንምእመናን ምስማዕን ምፍላጥን ብሓባር ምስኦም ምጉዓዝን ዝሓትት ቀጻሊ መስርሕ ሲኖዳውነት መንፈስ ዘቃልሕን ምስማዕ ጽን ምባል ዘለዎ ኣገዳስነት የጉልሑ።
ብልቢ ምስማዕ
ናብቲ ኣብነታዊ ኣርኣያ ድንግል ማርያም ኣቓልቦ ገይሮም፡ ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ብኣእዛኖም ጥራይ ዘይኮነስ ብልቦም ክሰምዑ ነቲ "ብእዝኒ ልቢ" ምስማዕ ዝብል ቅዱስ በነዲክቶስ ዝገልጾ ጥበብ የቃልሑ።
ማርያም ንመልእኽቲ ገብርኤል መልኣኽ ብኽፉት ልባ ምቕባላ፡ ሓቀይና ምስማዕ ካብ ምልውዋጥ ሓበሬታ ንላዕሊ ዝኸይድ ውሽጣዊ ክፉትነት ከም ዘጠቓልል መዘኻኸሪ ኮይኑ ከም ዘገልግልን፥
ካብ ዝኾነ ትእዛዝ ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝኾነ ነገር እንተሃልዩ ነቲ ንሱ ዘምጽኣልና ህያብ ፍቕሪ ብምቕባል ምስ ኣምላኽ ዝምድና ምምስራት እዩ።"
ቅዱስነቶም ቀጺሎም ኣብ ምስማዕ ዘሎ ትሕትና ኣስሚሮም፡ "ካብ ምብርካኽ ንላዕሊ ክንሰምዕ ዝሕግዝ መንገዲ የለን" ኢሎም።
እዚ ትሑት ኣቃውማ እዚ፡ ኣቐዲሙ ዝተሓስበ ኣተሓሳስባን ጽልእን ንጐድኒ ንምግዳፍ ድልውነት ዘርኢ ምዃኑን፡ ሃረርታን መሰረታውያን ጠለባትን ካልኦት ብሓቂ ክንርዳእ ዘኽእለና ምዃኑ ኣመላኺቶም፡ “ብሓቂ ንኻልእ ሰብ ምስማዕ ኣብ መንጎ እቲ እንሰምዖን እንዛረቦን ውሽጣዊ ህድኣትን ስቕታ ቦታ ምፍጣርን ይሓትት” እንክብሉ ኣጠንቂቖም።
በዚ ድማ ኣባላት ኩርያ ንመዓልታዊ ዕማማትን መርገጺታትን ዝሰግር ናይ ምስማዕ ባህሊ ክሕብሕቡን ንዝምድናታት ዋጋ ክህቡን ብቕንዕናን ብዘይ ፍርድን ብዝብል ናይ ምስማዕ ክእለት ዝልለ ወንጌላዊ መንፈስ ክሕልዉን የተባቢዑ።
“ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ኩርያ ሮማና እውን ናይ ምስማዕ ጥበብ ክንመሃር ኣለና። ካብ መዓልታዊ ዕማማትናን ሓላፍነትናን፡ ወይ’ውን ካብቲ እንሕዞ ጽፍሕታት ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝኾነ፡ ዋጋ ዝምድናታት ምድናቕ ኣድልየና” ኢሉ።
መመያ
ር.ሊ.ጳ. ናብቲ ካልኣይ ማለት ምስትውዓል ናብ ዝብል ግሲ ብምስግጋር ታሪኽ ዮሓንስ መጥምቕ ዘኪሮም። እቲ ሃዋርያ ሓያል ስብከተ ወንጌል እኳ እንተገበረ፡ ምስቲ ዘይተጸበዮ ምሕረትን ርህራሄን የሱስ ምስ ተራኸበ ናይ እምነት ቅልውላው ከም ዘጋጥሞ ይገልጹ፡
መጥምቕ ዮሓንስ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፥ ሓድሽ ኣዒንቲ ምእንቲ ክረክብ፡ መመያ ከም ዘድልዮ የገንዘብ።“
“ብሓንቲ ቃል፡ ኢየሱስ ከምቲ ሰባት ዝጽበይዎ ኣይነበረን፡ እቲ ቅድመ-ኩነት እውን ከይተረፈ ናብ ሓድሽነት መንግስቲ ኺቕየር ነይርዎ። ስለዚ ትሕትናን ትብዓትን ዘድልዮ መመያ ክህልዎ ነይርዎ!”
መመያ ኣብ መንፈሳዊ ጉዕዞና ኣድላዪ ምዃኑ ቅዱስነቶም ገሊጾም፣ ምኽንያቱ ብዛዕባ ፍቓድ እግዚኣብሔር ዓሚቝ ምርዳእ ዘይብሉ ሕግታት ብተሪር ምትግባር ዘጠንቅቕ ስለ ዝኾነ።”
“ምስትውዓል ንዅላትና ኣገዳሲ እዩ።”
ምስ በሉ ኣስዕብ ኣቢሎም መመያ ካብቲ ኩሉ ምፍላጥ ዝብል ካብ ኩሉ እፈልጥ እየ ካብ ዝብል ምትላል ሓራ የውጽኣናን ነቲ ዝጸንሀ ቅዲታት ከም ዘለዎ ክቕጽል ምግባር ንዝብል ፈተና ዝብድህ እዩ።
መመያ ኣብ መግኖ ጽቡቕን ዝሓሸን ዘሎ ፍልልይ ዘነጽር ምፍንጃር ፍቕሪ እዩ!
”ምስትውዓል ኣብ ስራሕ ኩርያ ከይተረፈ ንመንፈስ ቅዱስ ተኣዘዝቲ ክንከውን፡ ኣብ ዓለማዊ መዐቀኒታት ወይ ሕግታት ብምትግባር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ግን ከኣ ብመሰረት ወንጌላዊ ኣገባባት ክንመርጽን ውሳኔታት ክንወስድን ክሕግዘና ይግባእ።”
መገዲ
እቲ ናይ መወዳእታን ሳልሳይ ጉዕዞ ዝብል ግሲ መሰረት ገይሮም፥ ብዛንታ ናይቶም “ኣገዳስነት ጉዕዞ” ዘዘኻኽሩና ካብ ርሑቕ ምብራቕ ዝመጹ ሰብ ጥበብ - ሰብኣ ሰገል ኣብነት ገይሮም፥ ናይ ወንጌል ሓሴት ምሕቛፍ ደቀ መዛሙር ናብ ምዃንን ዝመርሕን፡ ምስ ጎይታ ንምርኻብ ጉዕዞ ክንጅምር ይድርኸና ኢሎም።
“ንጉዕዞ ይድርኸና፣ ካብ ምቾትና፣ ካብቲ ድሮ ዝገበርናዮን ካብቲ ከምኡ እዩ ዝገበርን ካብ ዝብል ዕግበትና የናግፈና፣ በዚ መንገዲ ድማ፣ ሓራ የውጽኣና፤ ይቕይረና፡ ነቲ ዝጸውዓና ዓቢ ተስፋ ንኽንርዳእ ድማ ኣዒንቲ ልብና የብርህ።”
ከምኡ’ውን ነቲ ናብ ዘይምንቅስቓስን ቀጻሊ ሓድሽነት ጸዋዕታ እግዚኣብሔር ምርኣይ ዘይምኽኣልን ዘስዕብ ሓደጋታት ፍርሕን ድርቅናን ስልካየን ርእሰ ቅኒትን ዘጠንቅቑ ርእሰ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኩርያ ቀጻሊ ምድላይ ሓቅን ንዕብየት ክፉትነትን ክስዕብ ከምዝተጸውዐ የዘኻኽሩ።
“ኣብዚ ኣብ ኩርያ ሮማና ኣብ ዘሎና ኣገልግሎት እውን፡ ንቕድሚት ምኻድና፡ ኣብ ሓቂ ዘለና ርድኢት ምድላይን ምዕባይን፡ ነቲ ኣብ ሓደ ቦታ ደው ክንብልን ካብቲ ካብ ፍርሒ ዝምንጭው “ጥንግንጋትና” ፈጺሙ ዘየላቕቕ ፈተና ምብዳህ ኣገዳሲ እዩ።
ጸዋዕታና ናብ ፍቕርን ትሕትናን እዩ
ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ እምነትን ኣገልግሎትን ጉዕዞና ንትብዓትን ፍቕርን ትሕትናን ዝተጸዋዕና ኢና።
ብዛዕባ ሓደ “ቀናእ ካህን” ዝምልከት “ሓዊ ናይታ ኣብ ትሕቲ ሓሙኽሽቲ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ዳግማይ ምውላዕ“ ቀሊል ከምዘይኮነ ዝብል ዝሃቦ ኣፍልጦ ከም ኣብነት ድማ ኣቕሪቦም፥
“ሎሚ ኣብቶም ካብ ነዊሕ እዋን ዝጠፍኡ ኒሕ ከነበራብር ንጽዕር ኣለና። ድሕሪ ስሳ ዓመት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ገና ብዛዕባ ኣብ መንጎ "ገስገስቲ"ን "ዓቃባውያንን" ዘሎ ምፍልላይ ዘተ ክካየድ እንከሎ፡ እቲ ሓቀኛ ፍልልይ ግን ኣብ መንጎ ፍቑራትን እቶም ነቲ ናይ መጀመርታ ኒሕ ዝሰኣኑን እዩ ዘሎ። እዚ እዩ እቲ ፍልልይ። “እቶም ዘፍቅሩ ጥራይ እዮም ንቕድሚት ዝስጉሙ”
“የቐንየለይ . . . "ብፍላይ ስለቲ ስቕ ኢልኩም ብምስማዕ ብምስትውዓል ብምጉዓዝን እትገብርዎ ዅሉ ዕዮ አመስግነኩም፡” ብትሕትናን ብልግስን ኣገልግሎት ንኽንሕጐስ ጸጋ ኺህበና ድማ ንጐይታ እምሕጸን ፣ "በጃኹም ተዋዛያይነትና ኸነጥፍእ የብልናን . . . እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።